ር.ሊ.ጳ. ንመንበረ ጥበብ እብራይስጢ ዘኢየሩሳሌም፡ 'ናይ ሓቀይና ሰላም ስነ ጥበባውያን ኩኑ' ር.ሊ.ጳ. ንመንበረ ጥበብ እብራይስጢ ዘኢየሩሳሌም፡ 'ናይ ሓቀይና ሰላም ስነ ጥበባውያን ኩኑ'  (@VATICAN MEDIA)

ር.ሊ.ጳ. ንመንበረ ጥበብ እብራይስጢ ዘኢየሩሳሌም፡ 'ናይ ሓቀይና ሰላም ስነ ጥበባውያን ኩኑ'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ወከልቲ ናይ እብራይስጢ መንበረ ጥበብ ዘኢየሩሳሌም ተራኺቦም ኣብዛ ብዓመጽን ምፍልላይን ዝተለለየት ዓለም መብራህቲ ተስፋን ሰላምን ሓድነትን ክኾኑ የተባብዑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

"ኣብዚ መብዛሕትኡ ግዜ ብዓመጽን ጣቋ መደረን ዝልለየሉ እዋን፡ ኣባላት ናይቲ ብዙሕነት ዘለዎ ማሕበረሰብ መንበረ ጥበብኩም፡ ኣጽዋር ዘይተዓቀን ኣጽዋር ዘፍትሕን ትሑትን ናይ ሓቂ ሰላም ኣብ መንጎ ሰባት ስኒት ንኽህሉ ዝሰርሑ ኢደ ጥበበይናታት ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም" ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 19 ሰነ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምስ ቤት ምኽሪ ኣመሓደርቲ ናይ እብራይስጢ መንበረ ጥበብ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ቫቲካን ብሓጎስ ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ክኸውን እንከሎ ኣብዚ ዘሕልፍዎ ግዜ ብዛዕባ ከተማ ቫቲካንን ሮማን ዘለዎም ፍልጠት ኬዕምቑ ኸም ዜኽእሎም ዘለዎም ተስፋ ብምግላጽ፣ እዚ ቦታ እዚ ንመበቈልን ዕቤትን ክርስትና እምነት ማእከላይ ስፍራ ጥራይ ዘይኰነስ ንኣሽሓት ዓመታት ንምርኻብ ባህልታትን ህዝብታትን ዘተባብዕ ቦታ እውን እዩ እንክብሉ ኣጒሊሖም፡ ብተመሳሳሊ መናብርተ ጥበብ ንተመሃሮን መምህራንን ብጥበብ ምእንቲ ኺዓብዩ ንነዊሕ እዋን ዚራኸቡሉ ቦታታት ምዃኖም የስተብህሉ።

ኩሉ ግዜ ቀሊል ኣይኮነን

"ኵሉ ሳዕ ቀሊል እኳ እንተ ዘይኰነ መናብርተ ጥበብ ትርጕም ንዘለዎ ምርኻባት ኣጋጣሚታት ከም ዝኸፍታ ንምርግጋጽ ብቐጻሊ ክዓዩ ኣለዎም። ላዕለዋይ ቤት ትምህርቲ ኣገዳሲ ኽፍሊ ህይወት እዩ፣ ከመይሲ ምስ ካልኦትን ቋንቋናን ባህልናን ዘሎና ርክብ "ንመንነትና ከም ሰብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ስለ ዝኾነ - መናብርተ ጥበብ ከም ባህርያዊ መራኸቢ ቦታ መጠን ፍልጠታዊ ምስዓብ ምስ ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ ምሁራት ሓሳባት ምልውዋጥ ኣጸቢቑ እተተሓሓዘ ናይ ዘተን ምይይጥን ፍሉይ ቦታ እዩ። ኣኽብሮት ዝመልኦ ምይይጥ ክግበር ኣብ ዝከኣል ሃዋህው ነፍሲ ወከፍ ሰብ ካብ ኣረኣእያን ህያው ምስክርነትን ካልኦት እንኮላይ ምስቶም ዘይሰማምዕዎም ሰባት ብምምሃር ፍልጠት ክዓቢ ይኽእል ኢዩ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

መሰናኽላት ምፍራስ

"ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ብትዕግስቲ ብጽንዓት ንዝዀነ ይኹን ዘይምርድዳእን ዘይምትእምማንን ዕንቅፋታት ንምፍራስ በብቝሩብ ክንዓዪ ንኽእል ኢና። ኣምላኽ ኣብ ዓለም ሰላም ንምምጻእ መሳርሒኡ ኽንከውን ዝደልየና እውን እንተኾነ፡ ንሕና ግን ካብ ገዛእ ርእስና ክንጅምር ኣሎና። ሰላም ዘይከኣልን ዘይብጻሕን ከም ዝዀነ ኣብ ክንዲ እንኣምን፡ ኣብ ማሕበረሰብና ከነስፍሖን ኣብ ህይወትና ክንቅበሎን ኣፍልጦ ክንህበሉን ክንጽዕር ኣሎና . . . ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም መናብርተ ጥበብ ናይ ሰላም ኢደ ጥበበይናታት ብምህናጽ "ኣብዛ እናተገማመዐት ኣብ እትኸይድ ዘላ ዓለም መብራህቲ ተስፋን ሓድነትን ኰይኑ ክቕጽል ይኽእል ኢዩ" ዝብል ዘለዎም ተስፋ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

20 Jun 2026, 16:07