ር.ሊ.ጳ. ኣብ ስነ ኣሃዛዊ መዋእል ዝሓየለ ሓለዋ ንናይ ጥዕና ማዕከን መረዳእታ ክግበር ይጽውዑ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ውልቀ - ሰባት ናብ ዝምዝመዝ መረዳእታ ምውራድ ከይህሉ ኣጠንቂቖም ንብሕታዊ ጕዳያትን ሓባራዊ ጥቕምን ዘደንፍዕ መምርሕታት ክወሃቦ ዕለት 1 ሰነ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣብ ምእካብን ኣጠቓቕማ ናይ ጥዕና መረዳእታ ሰብኣዊ ክብሪ ንምሕላው ጽኑዕ ሓለዋ ክግበር ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ኣብ ኤለክትሮኒካዊ መዋእል ውልቀ - ሰባት ናብ ክምዝመዙ ዝኽእሉ ምንጭታት ሓበሬታ ናይ ምቕናስ ሓደጋ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ እንክብሉ ከም ዘጠንቀቑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ቅዱስነቶም
ኣብቲ ንተሳተፍቲ ሳልሳይ ክፉት ዓውደ ኣኼባ ክኢላታት ብዛዕባ ምኽልካል ኣዋጅ ማሕበር ሕክምና ዓለም ታይፐይ ብይብጻሕ ናብ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ህይወት ተቕዋም ሊቀ ጳጳሳት ሬንዞ ፔጎራሮ ዘመሓላለፍዎ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ መልእኽቶም፡ ቅልጡፍ እደ ጥበባዊ ምዕባለ ዘስዕቦ ህጹጽ ስነ - ምግባራዊ ብድሆታት ኣስተብሂሎም፡ ናይ ጥዕና ማዕከን መረዳእታን ናይ ስነ ህይወት ባንክታትን ዝምልከት ስነ-ምግባራዊ ሓለዋታት ከሐይሉ ኣጽኒዖም ከም ዘተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣዋጅ ታይፐይ
ኣዋጅ ታይፐይ ብዛዕባ ማዕከናት መረዳእታ ጥዕና፡ ናይ ስነ ህይወት ባንክታትን ተዛመድቲ ሕክምናዊ መጽናዕትን ስነ - ምግባራዊ መምርሒ ዝህብ ኮይኑ፡ ክኢላታት ነቲ ሰነድ ብመንጽር ዝቕልቀሉ ዘለዉ እደ ጥበባውን ሓደስቲ መልክዓት ምእካብ መረዳእታን ንምእዋን ኣብ ዝሰርሑሉ ዘለዉ እዋን፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ስነ ፍልጠትን ሕክምናን ዝረአ ዘሎ ምዕባለታት ኣብ ኣኽብሮት ሰብእና ሰብ ጽኑዕ መሰረት ዘለዎ ምዃኑ ምርግጋጽ ኣገዳሲ እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ሓድሽ መልክዕ መግዛእቲ
ግሩም ሰብኣውነት - Magnifica humanitas ብዝብል ኣርእስቲ ዝለገስዎ ዓዋዲ መልእኽቲ ብምጥቃስ እዋናዊ ሕብረተሰብ ነቲ ውልቃዊ ህይወት ናብ ዝምዝመዝ መረዳእታ ንምቕያር ዝጽዕር "ሓድሽ መልክዕ መግዛእቲ" የጋጥሞ ከም ዘሎ ኣነጺሮም፡ ቀጻሊ እደ ጥበባዊ ምዕባለ ምኽልካልን ምሕያልን ሓለዋታት ብሕታውነትን ጸጥታን ዝያዳ ህጹጽ ዕማም ይገብሮ እንክብሉ ከም ዘጠንቀቑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ባህርያዊ ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ነፍሲ ወከፍ ሰብ ናብ ተራ ሓበሬታ ወይ ንግዳዊ ዋጋ ክወርድ ዘይክእል ባህርያዊ ክብሪ ከም ዘለዎ ኣስሚሮም ብኣምሳልን ኣርኣያን እግዚኣብሔር ዝተፈጥረ ነፍሲ ወከፍ ውልቀ ሰብ "ዘይቅንስን ዘይግመት ዋጋ ዘለዎ ፍሉይን ውልቀ ሰብ" እዩ እንክብሉ ገሊጾም፡ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ሕብረተሰብ ንሰባት ከም እኩብ መረዳእታ ጥራይ ካብ ዝሕዙ መልክዓት ምዝመዛን ንግዳዊ ምትእስሳርን ክጥንቀቕ ኣለዎ - ቢሎም - እቶም ተጋባእያን ኣብ ዘካየድዎ ምይይጥ ኣተባቢዖም፡ እቲ ዝተመሓየሸ ኣዋጅ ታይፐይ፡ ሓባራዊ ተሓታትነት - ሓላፍነት እናተባበዐ፡ ሰብኣዊ ክብሪ ኣብ ምድጋፍ ክቕጽል ተስፋ ከምዘለዎም ገሊጾም። ነቲ ሰብ ምኽባርን ምምዕባል ሓባራዊ ፍልጠትን መሰረት ስነ - ምግባራዊ ሕክምናዊ ምርምርን መምርሒ ክንክን ጥዕናን ኮይኑ ክቕጽል ኣለዎ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
