ር. ሊ. ጳ. ኣብ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ፣ "ብእምነትን ሓጐስን ህዝቢ ስጳኛ ተጸናኒዐ እየ"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ዘካፈልዎ ሓሳባት፣ ብዛዕባ እቲ ናብ ሃገረ እስጳኛ ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ዑደት ኣስተንቲኖም፣ ኣብኡ ድማ ናብ ማድሪድን ባርሴሎናን ከምኡውን ደሴታት ካናሪን ከም ዝበጽሑ ኣመልኪቶም።

ኣባ ተልወደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘካየድዎ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ሃገረ እስጳኛ ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ዑደት ብምስትንታን፣ ኣብ ከተማታት ማድሪድን ባርሴሎናን ገዳም ሞንትሴራትን ከምኡውን ደሴታት ካናሪ ኣብ ዝበጽሑሉ እዋን፣ "ህዝቢ ኣምላኽ እምነቶምን ፍቕሮምን ብሓጐስ ብምግላጽ ዓብዪ ምጽንናዕ ሂቡኒ" ክብሉ መስኪሮም።

ክቡራትን ክቡራንን ሰማዕትና ካብዚ ብምቕጻል ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ቅዱስነቶም ዘካፈልዎ ኣስተንትኖ ነቕርበልኩም ሰናይ ምክትታል።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ብሩኽ መዓልቲ!

ሎሚ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ሃገረ እስጳኛ ዝገበርክዎ ሓዋርያዊ ዑደት ገለ ሓሳባት ከካፍለኩም እደሊ፣ ኣብ ከታማታት ማድሪድ ባርሴሎና፣ ገዳም ሞንትሴራት ከምኡውን ደሴታት ካናሪ ምብጻሕ ኣካይደ።

ኣብ ኣርባዕተ ሃገራት ኣፍሪቃ ነዊሕ ጕዕዞ ድሕሪ ምክያደይ፣ ኣብዚ ግዜ እዚ ኣብ ሓንቲ ጥንታዊን ኣዝዩ ሃብታም ካቶሊካዊ ትፊትን ዘለዋ ኣውሮጳዊት ሃገር ኢየ በጺሐ። ሎሚ እውን ኣብታ ዓብዪ ማሕበራውን ባህላውን ለውጥታት ዝካየደላ ዘሎ እስጳኛ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኵሉ ቦታታት ብውዕዉዕ ስምዒትን ንምስማዕ ብዘለዎም ድሉውነትን፣ ከም ዝተቐበልዎም ብንጹር ተገሊጹ ኢዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ንኣምላኽን ንመላእ ሕዝቢ እስጳኛን ንጉሶምን ንሲቪላውያን ሰበ-ስልጣናትን ጳጳሳትን፣ ንማሕበረሰብ ቤተ-ክርስትያንን ምስጋናይ እገልጸሎም።

ሕዝቢ ኣምላኽ እምነቶምን ፍቕሮምን ብሓጐስ ብምግላጽ፣ ዓብዪ ምጽንናዕ ሂቦምኒ እዮም ። ብወገነይ ነቶም ምእመናን ዘሎኒ ቅርበት ኣረጋጊጸሎም ኢየ፣ ከም ናይ ሮማ ጳጳስ መጠን ኵሉ ሳዕ ሕብረትን ዘተን ሓድነትን ብበበይኑ ዝዓይነቱ ብምትብባዕን፣ ንዅሉ ዓይነት ምክፍፋልን ግጭትን ክሰግሩ ድማ ኣወፈኹሎም። እዚ ኣገልግሎት እዚ ተካኢ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝገብሮ ኣገልግሎት እዩ፣ እዚ ኣገልግሎት እዚ ኣብ ሓዋርያዊ ዑደታት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍሉይ መግለጺ ዝረክብ ውን እዩ፣ እዚ ኣገልግሎት እዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ግዜ ምስ ቤተ ክርስትያንን ማሕበራውን ኵነታት እተን ዝበጽሕወን ሃገራት ዝሰማማዕ ውን እዩ።

ኣብ ሃገረ እስጳኛ፣ ኣብ ኵሉ ኽሊ ዕድመን ኵነታትን ዝርከቡ ሰባት፣ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝገበርዎ ምብጻሕ ክሳዕ ክንደይ ብሃንቀውታ ኸም ዝጽበይዎ ብሓጐስ ተዓዘብኩ ፣ ኣብ ኵሉ ቦታ ኸኣ ብዓብዪን ምዉቕን መገዲ ዝተቐበሉኒ ብዙሓት ሰባት ረኸብኩ ። እዚ ሓቂ እዚ ኣቕሊልካ ክርአ የብሉን፣ ክሕሰበሉ ዝግባእ እውን እዩ ። ከምዚ ዝኣመሰለ ተሳትፎ ብቐዳምነት፣ ከምቲ ኣቐዲመ ዝገለጽክዎ እምነት ህዝቢ እስጳኛ ዝገልጽ ሓዊ እዩ። እዚ ኸምዚ ኢሉ እንከሎ፣ ኣብ ስነ-ሓሳብ ወይ ኣብ ከፊላዊ ረብሓታት እተመስረተ፣ ኣብ ሓቅን ዓሚቝ መሰረት ሓድነትን ምርኻብ ብሰፊሑ ኣድላዪ ምዃኑ ዜርኢ ይመስለኒ። ኣብ መወዳእትኡ ክርስቶስ ጥራይ ከረጋግጾ ዝኽእልን፣ ወንጌል ብኣገዳሲ ዝኾነ "ባህሊ" ኣቢሉ፣ ኣብ ህይወት ህዝብታት ክመሓላለፈሉ ዝኽእል መሰረት ኢዩ። ከምኡ ክገብር ዝኽእል መልእኽቲ ድማ ንኽልቲኡ ድሌታት ማለት ንሓቂ ምድላይን ጽምኢ ፍትሕን ምሉእ ብምሉእ ስለ ዘማልእ እዩ።

ኣብ ከተማታት ማድሪድን ባርሴሎናን፣ ኣብ ዓብዪ ካቴድራልን ኣብ ዘመናዊ ናይ ስፖርት ሜዳታትን ጉባኤ ኣካይድና ነበርና ። ኣብ ገዳም ሞንትሴራት ድማ ጸሎተ መቝጸርያ ኣብጻሕና። ኣብ ባዚሊካ ቅድስቲ ስድራ (Sagrada Família) ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ብዛዕባ ክርስትያናዊ ምስጢር ዝዛረብ፣ ግርማ ዝመልኦ ምልክት ኣእማንን ብርሃንን ዝሓዘ ውህደት ዘለዎ ህንጻ ጸምቢልና። እዚ ጥንታዊን ዘመናውን ትውፊት ካቶሊካውነትናን፣ ዘመናዊ ባህልን ምርኻበይ ንባህርይ ኣውሮጳን፣ ብዋጋ ዘይሽነን ሃብታምን ውርሻ፣ ከም ህያው ክውንነት ደኣ እምበር፣ ከም ናይ ዝሓለፈ ታሪኽ ጥራይ ከይኮነ ንኽርድኣኒ ሓጊዙኒ እዩ። እዚ ውርሻ እዚ ብጥንቃቐ ክዕቀብ ዘለዎ ውርሻ ኢዩ፣ ስለዚ ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዓውለማዊት ዓለም ምስ ኣገደስቲ ብድሆታት፣ ማለት ሰላም፡ ምሉእ ሥነ ኣከባቢያዊ ፍትሓውን ቀጻልን ምዕባለ፣ ከምኡውን ሰብኣዊ ክብሪ ኣብ ዕቃብ ክንሰርሕ ኣሎና። እዚ ብድሆታት እዚ፣ እቲ ኻልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ድሮ ብንጹር ኣፍልጦ ዝሃበሉን፣ እቲ ስዒቡ ዝነበረ ሥልጣነ ኣስተምህሮት ቤተክርስቲያን ናብኡ እተመልሰሉን ብድሆታት እዩ፣ ኣብዚ ግዜ እዚ ውን ኣብ ዝምዕብል ዘሎ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት፣ ንደቂ ሰባት ንምዕቋብ ዝዓለመ ዓዋዲት መልእኽቲ “ግሩም ሰብኣውነት” ብምጽሓፍ እንቃለሶ ዘለና ኢዩ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ኣኼባታት ከም እተዓዘብክዎ፣ ብድምጺ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣቢለ፣ ወንጌል ተስፋ ንደቂ ሰብ ብምስባኽ፣ ንኣሉታዊ ሳዕቤናት ናይቲ መታለሊ ዝኾነ ሞደል ምዕባለ ኣጸቢቅና ንምቅላሱ ንፍትን ኣሎና፣ ክሰምዕ ኣድላዪ ምዃኑ ድማ ተረዲኡኒ ኣሎ። እዚ ድሌት እዚ ኣብቲ ክሰምዖ ዝኸኣልኩ ብዙሕ ምስክርነታት – ሓድሓደ ግዜ ዝትንክፍ፣ ሓድሓደ ግዜ ድማ ሃናጺ ምስክርነት፣ – ኣብ ገጽ እቶም ዝረኸብክዎም ንኣሽቱን ኣበይትን ሰባትን፣ ድኻታትን መሳኪንን እውን ተዓዚበ ኣሎኹ፦ እቲ ኣብቲ ኣብ ሓደ ቍምስና ደብዳበኡ ዘንበበለይ ህጻን፣ ገለ ግዳያት ዓመጽ ክስምዑ ዝደልዩ፣ እቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዚጽበዩኒ ዝነበሩ እሱራት፤ ብጭንቀትን ድሌታትን ዝመልኡ መንእሰያት፤ ኣብ ደሴታት ካናሪ ኣብ ዝርከብ ማእክል መቐበሊ ስደተይናታት ዝርከቡ ስደተይናታት በጺሐን ተዓዚበን ኣሎኹ።

ኣብተን ናይ መወዳእታ መደባት ዑደትና ዝንበራ ደሴታት ካናሪ፣ ምሉእ ምስትውዓል ክህልወኒ ዝግበረ ኣባኡ ኢዩ ዝንበረ። በቲ ሓደ ሸነኽ ጂኦግራፊያዊ ኣቀማምጣ እተን ደሴታት እዩ ዝንበረ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ብምኽንያት እቲ ብቐንዱ ካብ ኣፍሪቃ ዝመጹ ብዙሓት ግዱዳት ስደተይናታት እትቕበል ናይቲ ከባቢ ቤተ-ክርስትያን ክውንነት እዩ። እቲ ናይ ስደት ተርእዮ እተሓላለኸን ኦርጋኒክን እተተሓሓዘን መደባት ስጕምትታት ከም ዘድልዮን ንፈልጥ ኢና። እዚ ትርጕማት እዚ ግን ሓደ እተፈልየ ዝሰፍሐ ኣረኣእያ ክህልወና ይኸፍት ኣሎ፣ እዚ ድማ ከመይ ጌርና ንወንጌል ከም ብሓድሽ ከነንብቦ ከም እተጸዋዕና ንኽንርዳእ ዘኽእለናን፣ ንውህበት ባህልታትና ንሓድሕድና ንምልውዋጥን ብፍላይ ከኣ ፍረ መልእኽቲ ክርስቶስ ኣብኡ ዘፍረዮ ውጽኢት ክንርዳእ የኽእለና ኣሎ። ሓደ ኻብዚ ፍረታት እዚ ድማ ኣብ መንጎ ሰባትን ህዝብታትን ዝግበር ዘተ እዩ፣ እዚ ኸኣ ንስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ሓድሕድና ንኽንፈልጦን ከነማስወሉን ዜኽእለና ናይ ሕውነት መንፈስ ምርኻብ እዩ። እዚ መገዲ እዚ ቐሊል ኣይኰነን፣ ሰናይ ፍቓድን ሓገዝ ኣምላኽን ዝሓትት እኳ እንተዀነ፣ ናብ ስልጣኔ ፍቕሪ ዝመርሕ መገዲ ውን እዩ።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ጭርሖ ናይቲ ሓዋርያዊ ጕዕዞና ዝነብረ፣ "ኣልዕሉ ኣእይንቲክሙ" "ኣዒንትኹም ኣልዕሉ!" (Alzad la mirada) ዝብል ኢዩ ዝንበረ (ዮሓ 4፡35)። እዘን ቃላት እዚኣተን፣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ፣ ኣብ ሰባትን ኣብ መንጎ ህዝብን ባህጊ ህይወትን ሓቅን ምልኣትን ኪርእዩ ኺምህሮም እንከሎ፣ ዝበለን ቓላት እየን። ጐይታ ፈለማ ነዘን ቃላት እዚኣተን ይደግመን ኣሎ፣ ኣነ እውን ኣብዚ ሓዋርያዊ ዑደት እዚ ብጸጋኡ ተሰንየ ኢየ። ሎሚ ነዚ ጻውዒት እዚ ከካፍለኩም እደሊ - ኣዒንትና ነልዕል! ንብጻይና ንሰባት ንዓለም "ብዓይኒ ኣምላኽ" ማለት ብፍቕርን ብኣኽብሮትን ብርሕራሐን ክንርእያ ካብ ኢየሱስ ንመሃር።

ኣብ መወዳእታ ንዅሎም እቶም ነዚ ሃዋርያዊ ጕዕዞ ዕዉት ክኸውን ዝጸለኹም፣ ብፍላይ ከኣ ነተን ኣብ እስጳኛ ኣዝየን ዝመስገን ኣገልግሎት ዝፍጽማ ዘለዋ ብዙሓት ደናግል ከመስግነን እደሊ። እቲ ዝዘራእልዎ ዘርኢ ብዙሕ ፍረ ምእንቲ ክፈሪ ብኣማላድነት ድንግል ማርያም ንጸሊ። እግዚአብሔር ይሃበለይ!

17 Jun 2026, 12:48