ድለ

2026.06.06 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንሓዋርያዊ ጉዕዞ ናብ ስጳይና 2026.06.06 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንሓዋርያዊ ጉዕዞ ናብ ስጳይና  (@VATICAN MEDIA)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንሓዋርያዊ ጉዕዞ ናብ ስጳይና

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንሓዋርያዊ ጉዕዞ ናብ ኤውሮጳዊት ሃገረ ስጳይና ከም ዝነቐሉን እዚ ጉዕዞ እዚ ድማ ማድሪድ፣ ባርቸሎናን ደሴታት ካናሪን ዘጠቓልል ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14ን ኣብዚ ጉዕዞ እዚ ዘሰንይዎም ናይ ዝተፈላለያ ማእከናት ሓብሬታ ልኡካን ጋዜጠይናታት ዘኣፈረት ነፋሪት ዕለት6 ሰነ ንግሆ ሰዓት 08፡13  ደቓይቕ ሮማ ካብ ዝርከብ ፍዊሚቺኖ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ከቒላ ቅዱሰንቶም ኣብ ስጳይና ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ንምጅማር ማድሪድ – ባራሃስ ኣዶልፎ ስዋረዝ ሰዓት 10፡12 ቅድሚ ቀትሪ ከም ዛተወት ዜና ቫቲካን ይሕብር።

06 Jun 2026, 18:09