ር. ሊ. ጳ. ጳጳሳ ኣብ ሞንትሴራት፡- “ስለ ህያብ ጽሞና አመስግ”
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ደድሕሪ ጸሎተ መቝጸርያ ምዕራጐም፣ ኣብ ገዳም ቅድስተ ማርያም ዘሞንትሴራት ቃለ ምዕዳን ኣካፊሎም፣ ምስ ኣባላት ገዳም መነኮሳት በነዲክቶሳውያን ኣብ መዓዲ ተሳቶም ድማ ምስ ኣቶም ሓቢሮም ናይ ህያባት ምልውዋጥን ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምክፋል ግዜ ወሲዶም።
"ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ኣብ ትሩሂሎ ፔሩ ንእኖና ቅድስተ ማርያም ዘሞንትሴራት እተወፈየ ሰበኻ፣ ከም ጓሳ ነፍሳት ኮይኖም ኣብ ዘገልገሉሉ እዋንን፣ ምስ ካልኦት ኣጐስጢኖሳውያን ኣሕዋቶም ኮይኖም፣ ናብቲ ገዳም ዝገበርዎ ምብጻሕ እውን ዘኪሮም፣" ክብል ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ኣመልኪቱ።
"ነቲ ዘካየድዎ ርክብን ምስክርነት ናይቶም ናብ ድንግል ማርያም፣ ኣብ ውሽጢ መንፈሳውነት ዘዘውትሩ ዝነብሩ ፈለስቲ ምስጋናኡ ገለጹ" ብምባል እውን እቲ መግለጺ ወሲኹ የመላኽት።
ኣብ ስጳኛ ኣብ ዝርከብ ገዳም እኖና ቅድስተ ማርያም ዘሞንትሴራት፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ጸሎተ መቝጸርያ ኣዕሪጐም፣ ንምእመናን ድማ ነቲ ድንግል ማርያም ወትሩ ናብ ወዳ ኢየሱስ ክርስቶስ ክጥምቱ ዘቕረበቶ ዕድመ ክቕበሉ ድማ ኣባታዊ ለበዋ ኣካፈልዎም።
ኣብዚ መዳይ እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንምስክርነት ናይቶም ፈለስቲ፣ ብፍላይ ኣብዚ ታሪኻዊ እዋን እዚ ንቤተ-ክርስትያንን ንዓለምን ክሳዕ ክንደይ ክቡር ምዃኑ ኣጕልሑ፣ "ስለቲ ዝነበርዎ ዘለዉ ህያብ ጽሞና፣ ኣብዛ ጫውጫውታን ንጥፈታትን ዝመልኣ፣ ኣቓልቦን እትሰርቕ ዓለም" ጽሞና ብምዝውታሮም ኣመስገንዎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም፣ "ዓለም ንእዋናት ስቕታ ክንጽልን ሃረር ክንብልን ዝዕድመና ኣብነታት የድልያ እዩ" ክብሉ ውን ሓሳባቶም ደምደሙ።
ኣብቲ ገዳም፣ ኣብ 2025 ዓ.ም. መበል 1000 ዓመት ዝኽሪ ምስረታኡ ከም ዝተጸምበልን፣ ኣስታት 50 ዝኾኑ ፈለስቲ በነዲክቶሳውያን ኣባኡ ይነብሩ ከም ዘለዉን ዝፍለጥ ኢዩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ናይ በጻሕቲ መዝገብ ዝኽሪ ናይቲ ገዳም እኖና ቅድስተ ማርያም ዘሞንትሴራት ድማ ከምዚ ክብሉ ጸሕፉ፦ "ኣማላድነታ ንምላእ ቤተ-ክርስትያን ምእንቲ ኼዕቍባ፣ ኣገልግሎተይ ኣብ እግሪ እኖና ቅድስተ ማርያም ዘሞንትሴራት አቐምጦ ኣለኹ። ብፍቕረይን ቡራኬይን ከኣ አካፍለኩም ኣሎኹ።”
ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ስለቲ ዝገበሩሎም ድሙቕ ኣቀባብላን እንግዶትን ኣመስገንዎም ሓዋርያዊ ቡኬኦም እውን ኣካፈልዎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ባርሴሎና ኣብ ካልኣይ እግሪ ናይ ሓዋርያዊ ዑደቶም፣ ነቲ ካብ ዕለት 6 ሰነ ክሳዕ 12 ሰነ ናብ ሃገረ እስጳኛ ዝገብርዎ ዝለዉ ምብጻሕ ኣብ ምስልሳል ኢዮም ዝርከቡ ዘለዉ። ኣቐድም ኣቢሎም ናብ ከተማ ማድሪድ በጺሖም ከም ዝነበሩን ቀጺሎም ድማ ናብ ደሴታት ካናሪ እውን ብምኻድ ዑደቶም ከም ዝቕጽሉ ይፍለጥ።
