ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፡ ሓባራዊ ሰብኣውነት ጸረ መርዚ ውግእን ውልትውነትን እዩ!
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብቲ ካብ ዕለት 28 – 30 ግንቦት ዝተኻየደ ናይቲ ጳጳሳዊ ትካል ምእተ ዓመት ሓፈሻዊ ጉባኤን ኣህጉራዊ ዋዕላን 2026 ዝተሳተፉ 400 ኣባላት ዕለት 30 ግንቦት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፡ ካቶሊካውያን ነቲ ንሕብረተሰብ ዘጋጥሞም ጕዳያት እንኮላይ ውግእን ውልትውናን ማሕበራዊ ምክፍፋልን ምላሽ ንምሃብ ኣብ ማሕበራዊ ሰረተ-እምነት ቤተ-ክርስትያን ክውከሱ ተማሕጺኖም፡ ዓመታዊ ዓውደ ኣኼባ ጳጳሳዊ ትካል ምእተ ዓመት ምስቲ ኣብዚ ቐረባ ግዜግሩም ሰብኣውነት - Magnifica humanitas ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ ወግዓዊ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ዝተኻየደ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም
"ኣብ ማእከል ተኣፋፍነት፡ ሓድሽ ተስፋ ይለዓል - ዋላ’ውን ምፍልላይ እናዓበየ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ንኹላትና ብዘይጥርጥር ዘራኽበና ናይ ሓባር ረቛሒ ይቕልቀል፡ ንሱ ድማ ናይ ሓባር ሰብኣውነትና እዩ”
ዝበሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፡ ህሞታት መከራ ንስብኣና ሰብ ናብቲ ንልቢ ወለዶታት ዘነቓነቐ መሰረታዊ “ናበይ ኢና ንኸይድ? ናብ ምንታይ ዕላማ ከነቕንዕ ንደሊ? ከም ህዝብን ከም ሰብኣዊ ማሕበረሰብን እንታይ ኣንፈት ክንመርጽ ይግባእ?” ናብ ዝብሉ ልሕቶታት ክምለስ ይጽውዕ፡ እዞም ሕቶታት እዚኣቶም፡ ሰብኣዊ ፍጥረት ሓቂ ንምርካብ ዘለዎም ጻዕሪ ዜንጸባርቕን ንኣምላኽን ትርጕምን ዘሎና ጽምኢ ኸም ዜለዓዕልን ድማ ገሊጾም፡ ብጀካ እዚ፡ ነቲ ዓሚቝ መዳያት ሰብእና ሰብ፡ ብተወሳኺውን ነቲ ዓሚቝ መዳያት ሰብኣዊ ኣካል ብፍላይ ከኣ ነቲ ሰብኡትን ኣንስትን ንሓቂ ኺፈልጡን ሰናይ ኪመርጹሉን ዚኽእሉ "ኣምላኽ ዝሃበና ውህበት ኣእምሮን ሓርነትን" ይሕብሩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ብዛዕባ ሓርነት ኬስተንትኑ እንከለዉ ነቲ ሓርነት ናብ "ዝደለኻዮ ናይ ምግባር ክእለት" ከይወርድ ኣጠንቀቖም። ሓቀይና ናጽነት ዕግበት ዝረክብ ከም ህያብ ገዛእ ርእስናን ንኻልኦት ግሉጽነትን ምስ እንነብሮ ጥራይ እዩ። ናጽነት ብውልቃዊ መንገዲ ፍጹም ምስ ዝኸውን፡ መበቆላዊ ትርጉሙን ክብሩን ከም ዝስእን ወሲኾም ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነዚ ራእይ እዚ ምስቲ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ዝገለጸን ክልተ ከተማታት ኣተሓሒዞ፣፡ ማለት ኣብ ትዕቢትን ርእሰ ፍትወትን ዝተሃንጸት ከተማ ሰብ፡ ከምኡ’ውን ብፍቕሪ እግዚኣብሔርን ተወፋይነትን ዝተሃንጸት ከተማ እግዚኣብሔር ዝብል ምዃኑ ድማ ኣብሪሆም፡ ከተማ እግዚኣብሔር፡ ኣብ ዝምድናታት ዝተመስረተት ኮይና፡ ሓቀይና ስልጣነ ፍቕሪ ንምህናጽ ዘኽእል እዩ - ቢሎም - እዋናዊ ዲሞክራስያውያን ሃገራት ዘጋጥመን ቅልውላው ብምዝካር፡ ሰብኣዊ ፍጥረት ንኣምላኽን፡ ስለዚ ድማ ከመይ ጌርና ንሓድሕድና ከም እንፋቐር ስለዝረሰዕና፡ እቲ ሓቀይና ጠንቂ ካብ ስነ - ሰብኣዊ ቅልውላው ዝምንጩ እዩ፡ እዚ እናሃለወ ክርስቲያን ተስፋ ንምቑራጽ ኢዶም ክህቡ የብሎምን። የግዳስ ኣብ መዓልታዊ ሕይወት ብዘይምቁራጽ ብተኣማንነት እጃምና ክነበርክት ተጸዊዕና ኢና፡ ኣብ ፍቕሪ እተመስረተ ስልጣነ ንምፍጣር ኣብ ሓቂ እተመስረተ ዘተ ኣድላዪ ምዃኑ ንጳጳሳዊ ትካል ምእተ ዓመት ብምዝኽካር፡ "ንተፈጥሮኣዊ ክብረት ነፍሲ ወከፍ ውልቀ - ሰብ ኣብ ግምት ምእታው ንርእሰ-ፍትወትን ፍሉይ ረብሓታትን ንጥቕሚ ሓባራዊ ረብሓ ክስገር የኽእል” እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
