2026.06.11 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ላስ ፓልማስ ደ ግራን ካናርያ 2026.06.11 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ላስ ፓልማስ ደ ግራን ካናርያ   (@Vatican Media)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ላስ ፓልማስ ደ ግራን ካናርያ

ዕለት 10 ሰነ ምሸት ኣብ ባዚሊካ ቅድስቲ ስድራ ቤት - Sagrada Familia ድሕሪ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ካልኣይ እግሪ ሓዋርያዊ ጉዕዞኦም ኣብ ባርቸሎና ብምዝዛም ንጽብሒቱ ዕለት 11 ሰነ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ሰዓት 10፡30 ኣብ ኣትላንቲክ ውቅያኖስ ኣብ ዝርከብ ሰፊሕ ደሴታት ከም ዝኣትዉን። ኣብዚ ዑደት እዚ ድማ ቅዱሰንቶም ቀዳማይ መደቦም ምስ መቐበሊ ማእከላት ስደተይናታት ዝካየድ ርክብ ምንባሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሓሙስ ዕለት 11 ሰነ ሰዓት 10፡38 ቅድሚ ቀትሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ኣብ መደበር ኣየር ግራን ካናርያ - ጋንዶ ከም ዝኣተዉን ኣብ ኣትላንቲክ ውቅያኖስ ኣብ ዝርከብ ዓቢ ደሴታት ዑደት ብምግባር ኣብ ሳንታ ክሩዝ ደ ተነሪፈ እውን ምብጻሕ ብምክያድ ኣብ ስጳይና ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ይዛዝሙ።

እቲ ርክብ ምስ ክውንነታት ኣቀባብላ ስደተይናታት

ኣብ ደቡባዊ ገማግም ባሕሪ ግራን ካናርያ ኣብ ዝርከብ ወደብ ኣርጉይነጉይን ምስ መቐበሊ ስደተይናታት ዝግበር ኣኼባ ቀዳማይ ኮይኑ፡ እዚ ወደብ እዚ ክሳብ ሕጂ "ወደብ ሕፍረት" ተባሂሉ እዩ ዝፍልፈጥ፡ ምኽንያቱ ኣብ 2020 ድሕሪ ቁርብ መዓልታት ለበዳ ኮቪድ - 19 ኣስታት 3,000 ስደተይናታት ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ናብታ ደሴት ከም ዝበጽሑን፡ ብሰንኪ እቲ ለበዳ ግን ዝኾነ ሰብ ናብቲ ወደብ ክኣቱ ከም ዘይተፈቐደሉን  እቶም ስደተይናታት ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ትካል ግብረ ሰናይ ጨንፈር ደሴታት ካናርያ ጥራሕ ዘድሊ ሰብኣዊ ሓገዝ ብምርካቡ ኮይኑ ምስቲ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ኩነታት ለበዳ ኮቪድ - 19 ምስ ዘምጸኦ ኩነታት ዝተታሓዘ ንኸቢድ ሓደጋ ተቓሊዖም ብምንባሮም እውን ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።።

ናይ ተለግራም መልእኽቲ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብዚ ናብ ደሴታት ካናሪ ኣብ ዝገበርዎ ናይ ነፋሪት ጉዕዞ ነተን ናይ ኣየር ዶባታታተን ንዘቋረጹላ ሃገራት ብቐዳምነት ንናይ ሞሮኮ ንጉስ መሓመድ ሻድሻይ ኣስዒቦም እውን ናብ ርእሰ ብሔር ሪፓብሊክ ፖርቱጋል ኣንቶንዮ ኾሴ ሰጉሮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ተለግራም ሰላምን ልባዊ ቡራኬን ጸሎትምን ከም ዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

12 Jun 2026, 16:12