ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ንኻልኣይ እግሪ ዑደት ስጳይና ናብ ባርቸሎና ኣትዮም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃግረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንካልኣይ እግሪ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ናብ ስጳይና ዕለት 9 ሰነ ባርቸሎና ከም ዝኣተዉን፡ ኣብ ኩሉ ቦታታት ናይ ሰራሕተይናታት ጋንታታት ኣለዋ። ቤተ ክርስቲያን እውን ቦታታት ከተዳሉ ጸኒሓ እያ። ከተማ ባርቸሎና እውን ቅዱስነቶም ንኸተእንግድ ኵለ መዳያዊ ምድላዋት ከም ዝበረትን ኣብ ጎደናታት እውን ናይ ቅዱስነቶም ምስልን ናይ ሃገረ ቫቲካንን ሃገረ ስጳይናን ሰንደቕ ዕላማ ኣብ ኩሉ ዓበይቲ መገድታት ከም እተሰቕለን ብቋንቋ ካታሎኒያ ሰላም - PAU ዝብል ጎሊሑ ዝረአ ኮይኑ፡ ብንጹር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ከም ናይ ሰላም ሰብ ዝረኣዩ ምዃኖም ዘረጋግጽ ምስሊ እውን እዩ። ዓለም ብሰላም ክትነብር ከተባብዑ ዝኽእሉ ሰብ ምዃኖም ዝእመነሎም እዚ ምብጻሕ እዚ ድማ ብዕምቆት መንፈሳውን ጓሳውን ምዃኑ ዘረጋግጽ ምድላዋት ከም እተገብረ ዜና ቫቲካን ብምዝኽካር ታሪኽ ባርቸሎና ሓደ ሓደ ግዜ ዛንታ ቤተ መቕደስን ምዃኑ እዩ ዝንገር።
ባርቸሎና ኣብዚ እንነብሮ ዘሎና 2026 ርእሰ ከተማ ስነ ህንጻ ዓለም ኮይና ከም እተመዘዘትን።እዚ ድማ ኣብ ፈላሚ ውጥን ከተማታት ዘለዋ ሃብታም ታሪኻ ኣፍልጦ ዝህብ እዩ። እታ ብሉጽ ስራሕ ባርቸሎና፡ ብዘይጥርጥር እቲ ብህቡብ ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ናይ ስነ ህንጻ ሊቅ ኣንቶኒዮ ጋውዲ ዝተነድፈ ኣብ ዓለም ፍሉጥ ዝኾነ Basilica Sagrada Familia - ባዚሊካ ቅድስቲ ስድራ ቤት ዓቢይ ምልክት እውን እዩ፡ ሎሚ ዓመት ባርቸሎና መበል ሚእቲ ዓመት ዕረፍቲ ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ጋውዲ ተብዕል ኣላ። ቤተ ክርስቲያንን ከተማን ክልቲአን ብሕድሪ ጋውዲ ይሕበና።
እምበር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ከም ጓሳ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን መጠን ምስ ናይታ ከባብያዊት ቤተ ክርስቲያን ዘጋጥማ ናይ ጉስነት ብድሆታት ፊት ንፊት ክራኸቡ እዮም። ኣብ ገለ ገለ ቁምስናታት እውን ክበጽሑን ኣብ መንጎ ስደተይናታት እውን ክርከቡን እዮም።
