ድለ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፦ ንምእመናን ንእምነት ኣብ ቅዱስ ቍርባን ህያው ምስክርነት ኩኑ እንክብሉ ይዕድሙ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፦ ንምእመናን ንእምነት ኣብ ቅዱስ ቍርባን ህያው ምስክርነት ኩኑ እንክብሉ ይዕድሙ  (@Vatican Media)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፦ ንምእመናን ንእምነት ኣብ ቅዱስ ቍርባን ህያው ምስክርነት ኩኑ እንክብሉ ይዕድሙ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 3 ሰነ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ድሕሪ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዕለት 4 ሰነ ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱስ ቍርባን ምዃኑ ብምዝኽካር ምእመናን ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ቅዱስ ቍርባን ኣምሪሑ ኣብ ዝካየድ ዕደት ዝረአ ህዝባዊ ናይ እምነት ምስክርነት ህያው ክገብርዎ ኣተባቢዖም፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንዝርከቡ ካህናትን ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወትን እውን ብልባዊ ጸሎቶም ከም ዘሰንይዎም የረጋግጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

"ህዝባዊ መግለጺ ናይ ቅዱስ ቍርባን ተወፋይነት ኣብቲ ኣብ ጐደናታት ብዙሓት ከተማታትን ሃገራትን ቅዱስ ቝርባን ኣምሪሑ ኣብ ዝካየድ ዑደት ይርከብ፡ በዚ መዳይ እዚ ነዚ ባህ ዘብል መግለጺ ህዝባዊ ምስክርነት እምነት ህያው ክትገብሩ አተባብዓኩም እንክብሉ ቅዱስነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተረኽቡ ምእመናን ድሕሪ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ርክስቶስ ዘስምዕዎ ቃል፡ ኣብዚ ሰሙን እዚ ቤተ - ክርስትያን በዓል ቅዱስ ቍርባን ከም እተብዕል ብምዝኽኻር፡ "ኣብ ቅዱስ ቍርባን ንየሱስ ነስተንትነሉ እንጌራ ንነፍሲ ወከፍና እተዋህበ እዩ" ብምባል ኣረጋጊጾም፡ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ሰላምታ ነቶም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘለዉ ካህናትን ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወትን ኣገልግሎታትን ብፍሉይ ኣብ ዘቕረብዎ ሰላምታ "ብጸሎተይን በረኸተይን ንኣገልግሎትኩምን ንተስፋታት ሃገራትኩምን አሰንይ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ንማሕበር ደናግል ቅዱስ ልቢ ኢየሱስን ኣባላት ስድራ ቤት ሞንፎርታኒን ንኣሓት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘጽርሃ ጽዮን ሰላምታ ኣቕሪቦም፡ "ንዅሎም እቶም ንኣምላኽ ንሓቁን ንሰላሙን ዚጸምኡ ምልክት ተስፋ ኪዀኑ" ከም ዘተባብዑ ኣፍሊጡ።

03 Jun 2026, 14:54