ር.ሊ.ጳ. ስምምዕ ኣሜሪካን ኢራንን ብሓጎስ ይቐበልዎ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ዕለት 17 ሰነ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ድሕሪ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ ኢራንን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኣብ መንገዲ ዘተን ምትሕብባርን ክቕጽላ ጻውዒት ኣቕሪቦም። ክልቲአን ሃገራት ድሕሪ ናይ ኣስታት ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኲናት ዕለት 18 ሰነ ናይ ምርድዳእ ስምምዕ ክፈርማ ትጽቢት ይግበር።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት “ኣብ መንጎ እስላማዊት ሪፓብሊክ ኢራንን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ክኽተም ዝኾነ ስምምዕ ብምትብባዕ እዚ ስምምዕ እዚ ውጽኢት ናይ ትዕግስትን ዘተን ዝርርብን ስራሕ ምዃኑ ብሓጎስ እቕበሎ - ቢሎም - ናይ ሰላም ዘተ ንምምችቻእ ዝሰርሑ ንዘለዉ ሳልሳይ ወገን ሃገራት ከም ዘመስገኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን፡ “እዚ ስምምዕ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሓድሕዳዊ ምትእምማን፣ ጸጥታን ምርግጋእን ንምሕያል፣ ኣብ መንጎ ህዝብታት ናይ ዘተን ምትሕብባርን መንገድታት ንምድንፋዕ ክሕግዝ ከምዝኽእል ተስፋ እገብር” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን እስራኤልን ዕለት 28 ለካቲት ኣብ ልዕሊ ኢራን ንመደባት ኑክልየሳዊ ሚሳይላት እታ ሃገር ዒላማ ብምግባር መጥቃዕቲ ነፈርቲ ድሕሪ ምክያደን ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤልን ኣብ ዞባ ወሽመጥ ዓረብ ዝርከባ መደበራትን መሻርኽትንን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ጸረ መጥቃዕቲ ብምክያድ ግብረ መልሲ ድሕሪ ምሃባ፡ መጻብቦ ሆርሙዝ እውን ከም ዝዓጸወቶ ይዝከር።
ጻውዒት ሰላም - ዩክሬይን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን እትፍጽሞ መጥቃዕቲ እናሓየለ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ኣብ ዩክሬን ቁጽሪ ሞት እናወሰኸ ይኸይድ ምህላዉ ዝፈጥረሎም ሓዘን ገሊጾም፡ "ብዙሓት ንጹሃት ግዳያት፡ ሞት ስራሕተይናታት ኣድሕን ህይወት፡ ኣብያተ ክርስትያናትን ብሃልሃልታ ዝዓነዉ ባህላዊ ቅርስታት” ብምዝካር፡ ንዅሎም እቶም ዜፍቅርዎም ሰባት ዝሰኣኑ ኣብ ሓዘን ዝርከቡ ንዝቘሰሉ ከምኡውን ነቶም ኣብ መንጎ ዓመጻ ብትብዓት ንህይወት ዜገልግሉ ሰባት ቅርበተይን ጸሎተይን ኣረጋግጽ - ቢሎም - ኣብ ዩክሬን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ከብቅዕ ኩሉ ሰብ ክጽሊ ዓዲሞም። “ንጐይታ ናይ ዘተ መንገድታት ክኸፍት፡ ጽልኢ ከጥፍእ፡ ፍትሓውን ነባሪን ሰላም ክኡል ንኽገብሮ ድማ ንለምኖ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
