ድለ

Magnitude 7.8 quake in southern Philippines Magnitude 7.8 quake in southern Philippines  ((c)2026 Manman Dejeto)

ር. ሊ. ጳ.፦ ምእንቲ እቶም ብብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ እተጐድኡ ፊሊፒናውያን ጸልዮም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ምእንቲ እቶም ኣብዚ ቀረባ እዋን፣ ኣብ ሃገረ ፊሊፒንስ ብዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝሞቱ ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ሰባት ጸልዮም፣ ሓደስቲ ብፁዓን ንቤተክርስቲያን ከም እተዋህብዋ ድማ ብሓጐስ ኣበሰሩ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ብዕለት 8 ሰነ ኣብ ገማግም ሃገረ ፊሊፒንስ 7.8 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብምኽሳቱ፣ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ህቦብላ ንፋስ ሱናሚ ከኸትል ከም ዝኽእል መጠንቀቕታ ይስማዕ ኣሎ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ትማሊ ሰንበት ኣብ ዘዕረግዎ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ኣብ ዝለገስዎ ቃል ሰላምታን ምሕስንታን፣ ብዛዕባ እቶም በቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝተጐድኡን ዝሞቱን ኣስታት 37 ዝኾኑ ሰባት ሓዘኖም ገሊጾም።

ቅዱስነቶም ወሲኾም፣ ምእንቲ ዅላቶምን ምእንቲ እቶም ግዳያትን ስድራቤቶምን ምእመናን ክጽልዩ ድማ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

"ነቶም ቅድሚ ሒደት መዓልትታት ብብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ እተጠቕዑ ህዝቢ ፊሊፒንስ ዘሎኒ ቅርበት ከረጋግጸሎም እደሊ" ውን በሉ። "ምእንቲ እቶም ዝሞቱን፣ ስድራ ቤቶምን፣ ምእንቲ እቶም ዝቘሰሉን፣ ምእንቲ ዅሎም እቶም በዚ መዓት እዚ ዝሳቐዩ ዘለዉ ሰባትን እጽሊ ኣለኹ" ክብሉ ድማ ኣመልከቱ።

ኣብዚ ቐረባ ግዜ እተፈጸመ ውዕዉዕ ስምዒት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም፣ ካብ እተፈላለየ ኽፍልታት ዓለም ብዙሓት ሓደስቲ ብፁዓን ከም እተረኽቡ እውን ብሓጐስ ኣበሰሩ።

ነቲ ሰበኻዊ ካህናት ዝንበረ ብፁዕ ኣባ ቬንቸስላኦ ድሮቦላን ከምኡ ውን ብፁዕ ኣባ ጆቫኒ ቡላን ካብ ሞራቪያ ዘኪሮም፤ ብተወሳኺ ድማ ብፁዕ ኣባ ጆቫኒ ስዊርክን ሸሞንተ ብጾቱ ፖላንዳውያን ካህናት ሳሌዝያውያንን ከም ዝተረኽቡ ድማ ገለጹ።

"ኵላቶም ሰማእታት ኮይኖም ብምሕላፎም ብፅዕናኦም ተኣዊጁ ኣሎ፣ ከመይሲ ብምኽንያት እቲ ንክርስቶስ ዝነበሮም ተኣማንነት፣ ግዳያት ስደትን ምልካዊ ስርዓታት እዮም ዝነበሩ" ክብሉ እውን መስከቱሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ወሲኾም፣ ዝሓልፈ ቀዳም ኣብ ማቶ ግሮሶ ብራዚል ብጽዕናኡ እተኣወጀ፣ ብፁዕ ናዛሬኖ ላንቺዮቲ ዝስሙ ኢጣልያዊ ክህን ልኡከ ወንጌል ጠቒሶም እውን፣ ንድኻታትን ነቶም ተነቀፍቲ ወገናትን ከም ዝጣበቐሎም ገለጹ።

"ኣብነትን ምልማድን እዞም ተባዓት መሰኻኽር፣ ንተልእኾ ኻህናትን መላእ ቤተ-ክርስትያንን ይድግፍ" እውን በሉ።

15 Jun 2026, 16:39