ር. ሊ. ጳ.፦ “ጸጋ ኣምላኽ ብናጻ እዩ ዚወሃብ!”
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ምእመናንን መንፈሳውያን በጻሕትን ኣብ ዘዕረግዎ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ ለጊሶም።
ቅዱስነቶም ኣብቲ ብዛዕባ ናይ ዕለቱ ንባብ ወንጌል (ማቴ 9 36-10 8) ዘካፈልዎ ኣስተንትኖ፣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም "እተጨነቑን ረዳኢ ዘይብሎምን ህዝቢ" ምስ ረኣየ ከም ዝደንገጸሎትም ገሊጾም።
"ወዲ ኣምላኽ ንደቂሰባት ይርእዮ፣ ጾሮም ይስከም፣ ነቲ ዝወርድ ጭቈናን ንብርታኤኦም ከም ዝሃስስ ዝገብር ዓመጽን ይርኢ ኢዩ" በሉ። ንቝስሊ ውግእን ባዶነት ሓሻሽነትን ውን ይርኢ እዩ። ንቶም ናብ ደረጫ ጭምብል ዝወረዱ ገጻትን፣ ንስድራቤታት ብእከይ ዝበታትንን፣ ንመንእሰያት ከኣ ብናይ ሓሶት ሓሳባት ዘታልልን ዘሎ ኩነታት ይርኢ ኢዩ።"
ገይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ከም ዝርእየናን ከም ዜፍቅረናን እውን ብምግላጽ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኣስትንትኖኦም፣ ርሕራሐኡ ሕውነታዊ ምቅርራቡን፣ መግለጺ ናይቲ በጃና ንክኸውን ዘለዎ ባህግን ምዃኑ ኣስተንተኑ።
ጐይታና መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከም "ጓሳ ዜብለን ኣባጊዕ" ዝመስሉ ብዙሓት ሰባት ስለ ዝረኣየ፣ ንደቀ መዛሙርቱ ንዅሎም እቶም ዚሳቐዩ ሰባት ምጽንናዕ ኣምላኽ ከብጽሑሎም ናብ መላእ ዓለም ለኣኾም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ከም ክርስትያን መጠን ዕዮና "ጸበባ ኣብ ዘለዎ ሓልዮታዊ ኣገልግሎት፣ ኣብ ጸበባ ተስፋ፣ ኣብ ዘይምትእምማን ከኣ እምነት" ምምጻእ ምዃኑ ገለጹ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ፣ ወንጌል ነቶም ካብ ጴጥሮስ ክሳዕ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ዝነበሩ ቐዳሞት ዓሰርተው ክልተ ሓዋርያት ጠቒስዎም ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ሰዓብቲ ኢየሱስ እውን ከይተረፉ ኣሕሊፎም ኪህብዎ ኸም ዝኽእሉ ንምዝኽኻር እዩ።
ይኹን እምበር ወንጌል ንዘመናት ዝሽፍን ህያውን ሓቅን ቃል ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ፣ ኵሉ ሳዕ ከም ሓደ ዓይነት ግን ከኣ ወትሩ ሓድሽን ሓራ ዜውጽእን እዩ።
"ወንጌል ምስ ተሰብከን፣ ብህይወት ምስ ተፈጸመን፣ እከይ ከም ዚሓልፍ ሕማም፣ ከምታ ናብ ወጋሕታ እትቕይር ለይቲ፣ ከምቲ በቲ ዝተንስአ ኢየሱስ ዝሰዓረ ሞት ይፈርስ" በሉ።
በዚ ኸምዚ ኣዒንቲ ኢየሱስ ብፍቕሩ ብምምላእን፣ ነቲ ናጻ ውህበቱ ንምክፋልን፣ ተልእኾ ሓዋርያት ንኽንቅጽል ብምምራሕን ነቲ ሓቂ የጽንዖ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም፣ "ውህበት ኢየሱስ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ስለ ዝዀነ፣ ምሉእ ብምሉእ ብናጻ እዩ ዚወሃበና ወይ 'እንዕድጐ' ኣይኮነን። እዚ ጸጋ እዚ ኣብ ዝሃለናዮ ዘበለ፣ ናብ ኢየሱስ ምእንቲ ኺስሕበና ዚደልየና ዘብለ ዝኾነና፣ እቲ ባህ ዜብል ስም ምሕረት ኣምላኽ እዩ።
ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ንክርስትያን ምእመናን ንድኻታት ኣብ ምግልጋልን፣ ንፍትሒ ኣብ ምምስካርን፣ ምሕረት ኣምላኽ ንዓለም ኣብ ምክፋል ናብ ዓለም ወንጌላዊ ተልእኾኦም ክፍጽሙ ኣተባብዕዎም።
"ነቲ ጐይታና መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝጸውዓና ተልእኾ፣ ብሓጐስን ብትብዓትን ምላሽ ምእንቲ ኽንህበሉ፣ እታ ጸጋ ዝመልአት ረድኤት ቅዱሳን ዝኾነት እኖአን ቅድስቲ ድንግል ማርያም ንለምና" ክብሉ ኣስተንትኖኦም ዛዘሙ።
