ድለ

2026.06.12 Viaggio Apostolico in Spagna - Partenza per Roma 2026.06.12 Viaggio Apostolico in Spagna - Partenza per Roma   (@Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ. ልዮን፣ ምእንቲ እቲ ናብ ሃገረ እስጳኛ ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ዑደት ንኣምላኽ ኣመስጊኖም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ንህዝቢ እስጳኛ ብፍላይ ከኣ ንንጉስ ፊሊፐ ሻድሻይ፣ ኣብቲ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ዑድቶም ንዝለገሱሎም ኣቀባብላን ምዉቕ እንግዶትን ዘለዎም ሞሳ ደጊሞም ገሊጾም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብ ሮማ ድሕሪ ምምላሶም፣ ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ፣ ካብ ዕለት 6-12 ሰነ ኣብቲ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ዑደቶም፣ ብሕዝቢ እስጳኛ ስለ እተገብረሎም ሠናይ እንግዶት ምስጋናኦም ገሊጾም።

ትማሊ ሰንበት ኣብ ናይ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ኣብ ዘካፈልዎ ቃል ሰላምታን ምሕጽንታን፣ "ነቶም ብዓብዪን ውዕዉዕን ስምዒትን ተወፋይነትን እቕበሉኒ ሕዝቢ እስጳኛ አመስግኖም ኣሎኹ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም፣ ብፍላይ ንንጉስ ፈሊፐ ሻድሻይ ኣመስጊኖም፣ ክቡርነቶም ድማ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ማድሪድ ሓጐፋይ ቢሎም ከም ዝተቐበልዎምን፣ ነቲ ኣብ ደሴታት ካናሪ ዝጸንሑሉ ናይ መወዳእታ መዓልት ከም እተሰናበቶምን ድማ ጠቒሶም።

ነፋሪት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ገለ ቴክኒካዊ ጸገም ምስ ኣጋጠማ ድማ፣ ንጉስ እስጳኛ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ናይ ብሕቲ ነፋሪቱ ኺጥቀሙ ሓሳባቱ ኣቕረበ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ዓርቢ ምሸት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ሮማ ተመልሱ።

ነቶም ነዚ ሓዋርያዊ ዑደት ዘዳለዉዎ ብዙሓት ሰባትን፣ ነቶም ምእመናን፣ ከምኡ ውን ንቅዱስ ኣቦና ንኽቕበልዎ ዝመርሕዎም ጳጳሳት ሃገረ ስጳኛን እውን ኣመስገንዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ መደምደምታ፣ "ብፍላይ ንግርማዊ ንጉስ አመስግኖ እየ" በሉ። "ንጳጳሳትን ንዅሎም ዝበጻሕክዎም ማሕበረሰባትን ንመላእ ቤተ-ክርስትያን ሃገረ እስጳኛ ብፍቕሪ አመስግኖም ኣሎኹ። ኣምላኽ ወትሩ ንእስጳኛ ይባርኽ!" እውን በሉ።

15 Jun 2026, 16:40