2026.06.21 Angelus 2026.06.21 Angelus  (@Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ.፣ ክርስትያን ምእመናን ንጽልኢ ብፍቕሪ ክምልሱ ተማሕጺኖም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 21 ሰነ ልክዕ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ጽሎት መልኣከ እግዚአቤር ኣብ ዘካፈልዎ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ፣ ክርስቲያን ምእመናን ንተልእኾኦም ኣብ ብሕታዊ ርክብን ኣስተንትኖን ሱር ክሰድዱ ተማሕጺኖም፣ ካብቲ ምስ ክርስቶስ ዘለዎም ጥቡቕ ርክብ ብርታዐ ብምርካብ፣ ኣብ ኵሉ ዅነታት ብተስፋን ብፍቕርን ብጽንዓትን ወንጌል ክምስክሩ እውን ተላበዉ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘዕረግዎ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር፣ ንክርስትያን ምእመናን ሓቀያን ወንጌላዊ ተልእኾ ካብ ስትራተጂታት ወይ ተክኒካዊ መስርሓት ዝርከብ ዘይኮነስ፣ ካብ ብጸሎትን ስቕታን ኣስተንትኖና ዝማዕብልን ከምኡ ውን ካብ ብሕታዊ ምርኻብ ምስ ክርስቶስ ከም ዝምንጩን ኣዘኻኺሮም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም፣ ነቲ ጐይታናንን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ ናብ ስብከተ ወንጌል ዝለኣኸሉ፣ ካብ ወንጌል ማቴዎስ ዝተወስደ ናይ ዕለቱ ንባብ ብምስትንታን፣ ኣብቲ ጐይታና ዝቐረበሎም ጻውዒት ከተኵሩ ተላበውዎም።

"ነዚ ኣብ ጸልማት ዝነግረኩም ዘለኹ፣ ብብርሃን ስበኽዎ፣ ነቲ ብሕሹዅሹዅ እትሰምዕዎ ኸኣ ኣብ ናሕሲ ወጺእኩም ስበኹ" ክብል ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ ነገሮም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስተንትኖኦም ብምቕጻል፣ ኣብ መንጎቲ "ብብሕቲ" ዝስማዕን ብግህዶ ዝእወጁን ወንጌል ዘሎ ፍልልይ ኣተኵቶም ብምስትንታን ድማ፣ ወንጌል ብተኣማንነት ክእወጅ ዝከኣል ንመጀመርታ ግዜ ብብሕቲ ምስ እትሙከሮ ጥራይ ከም ምዃኑ ገለጹ።

"ወንጌል ምስባኽ ብቐዳምነት ንነፍሲ ወከፍና ፍሉይ ዝዀነ ብሕታዊ ምርኻብ ምስኡ ምክፋል ምዃኑ የዘኻኽረና" ድማ በሉ።

እሙንነት ቅድሚ ተግማራውነት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም፣ ውጽኢታዊነት ክርስትያናዊ ምስክርነት ብቐዳምነት ኣብ ሜላታትን ጥሪትን ዘይኰነስ፣ ኣብ ተግባር መንፈስ ቅዱስን ኣብ ቅንዕና ናይቲ ኣመንቲ ንጸጋ ኣምላኽ ዚህብዎ ምላሽ ከም ዝምርኰስ ገለጹ።

"ብርታዐ ናይ ዝዀነ ይኹን ሓዋርያ፣ ካብ ተክኒክን ናውትን ሓሊፉ ካብ ዕዮ መንፈስ ቅዱስን ካብ ሓቅነት እቲ እንህቦ መልስን እዩ ዝመጽእ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ከም ዝገለጽዎ፣ ንትምህርቲ ቅዱስ ቶማስ ዘኣኲናስ ብምዝካር ስብከት ኪበሃል ከሎ፣ "ነቲ ዘስተንተናዮ ንኻልኦት ምምሕልላፍ" (contemplata aliis tradere) ማለት ከም ምዃኑ ገለጹ።

ንዅላትና ናብ ኣስተንትኖ ዝቐረበልና ጻውዒት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም፣ ነቲ ኣስትንትኖ ናይቶም መንፈሳውያን ሰባት ጥራይ ኢዩ፣ ዝብል ሓሳብ ብምንጻግ፣ "ኣስተንትኖ ንሒደት ቅዱሳን ወይ ንፈለስቲን ሰብ ውፉይ ሕይወትን ጥራይ እተሓጽረ ፍሉይ ተመክሮ ኢዩ ኢልና ክንሓስብ የብልናን" ብምባል ኣመልከቱ።

ኣብ ክንዳኡስ፣ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ንኣምላኽ ንምስማዕ፣ ንሓጐስን ሻቕሎቱን ብሕድሪ ናብ ኣምላኽ ንምውፋይን ከምኡውን ኣብ ቅድሚኡ ንዘሎ ህይወት ንምግምጋም ኣብ መዓልታዊ ሓላፍነታት ብስቕታ ከስተንትን ተጸዊዑ ኣሎ ክብሉ እውን ተላበዉ።

ቅዱስ ኣቦና ቀጺሎም፣ ከምዚ ዝኣመሰለ እዋናት ንምእመናን፣ "ዝያዳ ኣብ ጽኑዕን ንቑሕን እምነት" ንኽዓብዩን፣ ኣብ ኵሉ ዅነታት ብርሃን ወንጌል ከንጸባርቑ ዘኽእሎም፣ "እሙናትን ናጻን ደቀ መዛሙርቲ" ንኽዀኑ ዝሕግዞም ከም ምዃኑ እውን ኣስመሩሉ።

ኣብ እዋን ተጻብኦታት ምጽናዕ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም፣ ናብቲ ታሪኻዊ ትሕዝቶ ወንጌል ማቴዎስ ብምምላስ፣ እዚ ወንጌል እዚ ነቶም ጽልእን መስጐጕትን ዜጋጥሞም ማሕበረሰባት ከም ዝዛረቦም ኣዘኻኺሮም።

እቶም ቀዳሞት ክርስትያንን፣ ሎሚ ውን ኣብ ገሊኡ ኽፋላት ዓለም ንዚርከቡ ምእመናን ዜጋጥሞም ዘሎ ብዙሕ ብድሆታት ኣመልኪቶም ኣስተንተኑ ። "ተስፋ ንምቝራጽን ድኻምን ወይ ፍርሂ ንኺዕብልል ዜጋጥም ዘሎ ፈተናታት ዓብዪ እዩ ነይሩ" በሉ።

ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ፣ "ሕጂ እውን ከምቲ ሽዑ ዝነበረ ንትምህርትታት ኢየሱስ እሙናት ኴይና ቃሉ ምስባኽ በዳሂ እዩ፦ ንጽልኢ ብፍቕሪ፣ ንትዕቢት ብትሕትና፣ ንተስፋ ምቝርጸት ከኣ ብትዕግስቲ ምላሽ ምሃብ በዳሂ ኮይኑ ኣሎ" በሉ።

በዚ ምኽንያት እዚ ይብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ንክርስትያን ምእመናን ምስ ጐይታ ጥቡቕ ርክብ ብምምስራትን፣ ኣብ እምነት ሱር ብምስዳድን፣ ንተልእኾኦም ከዕምቑ ኣተባብዕዎም፣ እዚ ድማ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብታ “ናይ ወንጌል ሓሴት” (Evangelii Gaudium) ዘርእስታ ሓዋርያዊት ምዕዳኖም ንዝመሃርዎ ትምህርቲ ኣቃልሑ።

ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዝኣብሔር 21-06-2026
22 Jun 2026, 16:14