ር.ሊ.ጳ. ንባይቶ ስጳይና፡ ፍትሓዊ ሕብረተሰብ ንነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ህይወት፡ ሰላም፡ ናጽነት ይጣበቕ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ማድሪድ ዕለት 8 ሰነ ንግሆ ምስ ናይ ስጳይና ኣባላት ህዝባዊ ባይቶ ተራኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ እዚ ርክብ እዚ ንፈለማ ግዜ ምዃኑ ብምምልካት ነፍሲ ወከፍ ናይ ብሓቂ ደሞክራስያዊ ሕብረተሰብ ሓሳብካ ናይ ምግላጽን ናይ ሕልናን ሃይማኖትን ናጽነት ከስፍሕ ኣለዎ፤ ኣባይቲ ስድራ ምድጋፍ ንሓደ ህዝቢ ከም ዘደልድል፤ ህይወት ካብ ምጽናስ ክሳብ ባርያዊ ሞት ክሕሎ ከም ዘለዎ፤ ኩሉ ኩናት መሪር ስዕረት ምዃኑ፤ ከምኡ’ውን ሓደስቲ እደ ጥበብን ሰብ ስርሖ ኣስተውዕሎ ጽኑዕ ስነ -ምግባራዊ ክትትል ከምዘድልዮም የጒልሑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንህዝባዊ ባይቶ ስጳይና ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ሓሳብካ ናይ ምግላጽን ናይ ሕልናን ሃይማኖትን ናጽነት ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ምኽባርን ናይ ሓቂ ንደሞክራስያዊ ሕብረተሰብ ወሳኒ ጕዳይ ምዃኑ የጒልሑ። ቅዱስ ኣቦና ናይ ዘስምዕዎ መደረ ጽማሬ ከምዚ ዝስዕብ ነቕርበልኩም።

ነቲ ዘይግሃስ ክብሪ ሰብ ኣፍልጦ ምሃብ ኣገዳሲ እዩ

ኣብ ሕመረት መደረኦም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፡ ነፍሲ ወከፍ ናይ ብሓቂ ፍትሓዊ ሕብረተሰብ ኣብ ኣፍልጦ ናይቲ ዘይግሃስ ክብሪ ሰብኣውነት ሰብ ክምስረት ኣለዎ። ከምዚ ዝበለ ክብሪ ቅድሚ ዝኾነ ይኹን ሕድገት መንግስቲ ዝቕድምን ንዝቕየር ማሕበራዊ ምርድዳእ ወይ ንምልውዋጥ ህሞታዊ ኣብላጺ ድምጺ ክግዛእ ከምዘይክእል ደጊሞም ብምርግጋጽ፡ ነዚ መሰረት ብምግባር ብሕጊ ማሕበራዊ ሓባራዊ ህይወት ናይ ምውዳብ ከቢድ ሓላፍነት ዝስከሙ ሰባት ዘለዎም ሓላፍነት ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝበልዎ  በቲ ጓሓፋይ ባህሊ - ተጠቂምካ ምድርባይ ብዝብል ባህሊ ኣብ ሓደጋ ክኣትው ከም ዝኽእል የጠንቅቑ።

ካብ ጽንሲ ክሳብ ተፈጥሮኣዊ ሞት ንሕይውት ምኽባር

ሕብረተሰባትና ሕይወት ከም መሰረታዊ ክብርታት ኣፍልጦ ካብ ምሃብ እንተ ኣቋሪጹ፡ ሓደ ማሕበረሰብ ነቲ ኣብ ማሕንጸ ዘሎ ህጻን፡ ንኣረጋውያን፡ ንሕሙማት፡ ነቶም ኣብ ጽሞና ዝሳቐዩ ወይ ድማ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ሓልዮት ካልኦት ዝምርኮሱ ዝጥንጥን ሕብረተሰባትና እንታይ መጻኢ ክህልዎም ይኽእል ዝብል ሕቶ ኣቕሪቦም። ምክልኻል ህይወት ወዲ ሰብ ናይ ግሊ ረብሓ ይኹን ናይ እትናዘዞ ሃይማኖት ስክፍታ ዘይኮነስ ዕላማ ስልጣነ ምዃኑ ኣብሪሆም፡ ብፍላይ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ህይወት ካብ ጽንሲ ክሳብ ተፈጥሮኣዊ መወዳእታኡ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኩነታት ህላወኡ ኣፍልጦ ክወሃቦን ክሕሎን ኣለዎ። እዚ ርግጸይናነት ምስ ዝድብዝዝ፡ እቶም ኣዝዮም ተቓላዕቲ ዝኾኑ ቀዳሞት ግዳያት እዮም፡ እቲ ሕጊ ድማ ዝዓሞቐ ትርጉሙ ይስእን፡ ማለት ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ምግልጋልን ምክልኻልን ምዃኑ ከም ዘተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ ሓባር ረብሓ ምሕላው

ቅዱስ ኣቦና ግብረ ገባዊ ዕብየት ሓደ ህዝቢ ናይቶም ቶም ብዝዓበየ ተኣፋፍነት ዝልለ ሕይወት ኣብ ምስናይን ምሕላውን ዓቕሙ እዩ ዝምዘን፡ ናይ ሓባር ረብሓ ናይ ሓባር ኣድማስ ምዃኑ ምስ ዝዝጋዕ፡ ህዝባዊ ስጉምቲ ነቲ ናይ ኩሉ ረብሓ ኣክዲ ዝሕሉ ናብ ከፊላዊ ረብሓታት ናይ ምብትታን ሓደጋ የጋጥም።

ስድራ ቤት ምድጋፍ ንህዝብታት የደልድል

ስድራ ቤት ፍሉይ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ብኣጽንዖት ኣዘኻኺሮም፡ ቀዳማይ ሰብኣዊ ክውንነትን ተፈጥሮኣዊ መሰረት ናይቲ ሕብረተሰብ እውን እዩ፡ ኣብ ውሽጢ ስድራቤት፡ ወለዶታት ይተሓዋወሱን ንሕብረተሰብ ውሽጣዊ ቀጻልነት ዝህብ ህያው ዝኽሪ ከም ዝመሓላለፍን ኣዘኻኺሮም።

ስድራቤት ኣብ ዝድገፈሉ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ምርግጋእ ኣህዛብ እውን ከም ዝድልድል ቅዱሰንቶም ብምምልካት፡ ስድራቤት ወትሩ ቀዳመይቲ ቤት ትምህርቲ ሰብኣውነት እያ፣ ሓደ ሰብ ቅድሚ ዝኾነ ቦታ መባእታ ሰዋስው ሓባራዊ ህይወት ዝመሃረላን፣ ንህይወት ከመይ ጌርካ ከም እትቕበሎ፣ ንኻልኦት ምሕላይ፣ ይቕረ ምባልን፣ ምግልጋልን ኣትመሃረላ ዓባይ ቤት ትምህርቲ እያ፡

ኣብዚ ዕማም’ዚ ትካላት ትምህርቲ’ውን ወሳኒ ተራ ከም ዘለወን ኣመልኪቶም። ኣብኣቶም ሓደስቲ ወለዶታት ንሓቂ ክደልዩን ክፈትዉን፡ ትርጉም ህይወትን ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብን ኣብ ሕቶ ምልክት ምእታው ክመሃሩ ከም ዝኽእሉ የስተንትኑ።

ዘሕዝን መዓት ስደት

እቶም ብዙሓት ሰባት ሰላምን ድሕንነትን መጻእን ንምድላይ ኩሉ ነገር ገዲፎም ክስደዱ ዝግደዱ ኣውን ኣናሓሰቡ፡ እቲ ዘሕዝን መዓት ስደት፡ ሎሚ ንሕልና ኣህዛብን ስነ - ምግባራዊ መሰረት ኣህጉራዊ ስርዓትን ይፈታተን ኣሎ። ብተወሳኺ ሓደ ሰብ ብሰንኪ ሃገራዊ፣ ብሄራዊ፣ ሃይማኖታዊ፣ ወይ ቋንቋዊ መበቆሉ፣ ወይ ብሰንኪ ቁጠባዊ ወይ ማሕበራዊ ኩነታቱ ኣድልዎ ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን ቅዱሰንቶም ነዚ ኣድልዎ እዚ፡ ነቒፎም፣ እዚ ክኸውን እንከሎ፣ እቲ ኣድማሳዊ መትከል ማዕረ ክብሪ ኩሎም ደቂ ሰባት ብኸቢድ ከምዝጥሓስ ኣስተብሂሎም፡ ኩነታት ስደተይናታትን ተመዛበልትን ንሰባት ኣብ ማእከል ዘቐምጥ፣ ክወጹ ዘገድድ ጠንቅታት ዝምልስን ኪኖ ዘይቀዋሚ ምሕደራ ዝኸይድ ምላሽ ከምዘድሊ የተሓሳስቡ።

ዝለዓል ጠለብ

ካብዚ ድማ ክልተ ዕጽፊ ጠለብ ማሕበራዊ ፍትሒ ከም ዝለዓል ኣመልኪቶም፡ ውሑስን ሕጋውን መንገድታት፣ ኣኽብሮታዊ ኣቀባብላን ሓቀይና ዕድላት ውህደትን ምቕራብ ከምዘድሊ እኳ እንተገለጹ፣ ማዕረ ማዕሪኡ ኣብ ዓድኻ ናይ ምጽናሕ መሰል ምድንፋዕ ከምዘድሊ ኣነጺሮም፡ እዚ ድማ ብሰንኪ ስእነት ሰላም፣ ድሕንነት፣ ወይ ክቡር ኩነታት መነባብሮ፣ ብሰንኪ ቁጠባዊ ዘይምዕሩይነት፣ ወይ ብሰንኪ ሳዕቤናት ቅልውላው ከባቢያዊ ኣየር ዝኾነ ሰብ ገዝኡ ክገድፍ ከይግደድ ምስራሕ ከምዘድሊ ገሊጾም፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ሓደገይናታት ዝኾኑ መስመራት ነቲ መብዛሕትኡ ግዜ ዝሕባእ ወይ ዕሽሽ ዝበሃል ክውንነት ዘስዕቦ ክቡር  ዋጋ ከምዘጉልሑን፡ ብዙሓት ሰባት ግዳይ ተስፋ ምቑራጽን ዝምዝምዙ ኣሰጋገርትን ንግድ ሰብን ኮይኖም ከምዘለዉ የዘኻኽሩ።

ዝተዋደደ፡ ደጋፍን ውጽኢታውን ምላሽ የድሊ

በዚ ምኽንያት ድማ ብፍላይ ኣብ ውሽጢ ዞባውን ብዙሓ ጎናውን ምትሕግጋዝ ምክልኻል፣ ስርሒታት ኣድሓን ህይወት፣ ከምኡ’ውን ንግዳያት ዝግበር ሓገዝ ምሕያል ኣድላዪ ምዃኑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ገሊጾም።

ዝኾነ ህዝቢ በይኑ ክንድዚ ዝዓቐኑ ብድሆ ክገጥሞ ከምዘይክእል ኣሲሞሮም፡ በዚ ምኽንያት እዚ፡ ዝተዋደደ፡ ደጋፍን ውጽኢታውን ምላሽ መተካእታ ዘይብሉ ምዃኑን፡ ነቶም ዝስደዱ ሰባት ሓለዋ፡ ተቐባልነትን ሓቀይና ዕድላት ውህደትን ከረጋግጽ ከም ዝኽእል ኣጽኒዖም የዘኻኽሩ።

ዓሚቕ መንፈሳውን ባህላውን ቅልውላው

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዓለምና ብብዙሕ መልክዕ ዓመጽን ውልትውና ሓድሕዳዊ ዘይምትእምማንን ዝግለጽ ዓሚቝ መንፈሳውን ባህላውን ቅልውላው የጋጥማ ከምዘሎ ኣስሚሮም፡ ኣብዚ መንጽር እዚ ሰላም ከም ፖለቲካዊ ባህጊ፡ ካብኡ ንላዕሊ ድማ ከም ሓቀይና ግብረ ገባዊ ኣድላይነት ከም ዝቐርብ ገሊጾም፡ ንዝተፈላለየ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ዘኽብር ህዝባዊ ክትዕ፣ ኣብ ኣገልግሎት መራኸቢ ብዙሓን ዝርከባ ትካላት፣ ሓቅን ዕርቅን ዝደሊ ታሪኻዊ ዝኽሪ፣ ኣብ ሞንጎ ዘይምርድዳእ እውን እንተኾነ ዜግነታዊ ምሕዝነትን ሓድሕዳዊ ምክብባርን ክቕጽል ዝኽእል ማሕበራዊ ህይወት ዝሓትት ምዃኑ ኣስሚሮም፡ ብደረጃ ዓለም፡ ሰላም ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ትብዓት፡ ስነ - ምግባራዊ ሓላፍነትን ንመንነት ነፍሲ ወከፍ ህዝብን ኣብ ምኽባርን ሃገራት ንግርጭታተን ብሰላማዊ መገዲ ኣህጉራዊ ሕጊ ንምፍታሕ ኣብ ዘለወን ግዴታ እተመስረተ ናይ መጻኢ ራእይ ከም ዝሓትት ኣትሪሮም የተሓሳስቡ።

ኩሉ ኲናት ኣብ መወዳእታ መሪር ስዕረት እዩ ዘስዕብ

ኣብዚ መንጽር እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነፍሲ ወከፍ ውግእ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ናይ ዘተ ዓቕሚን ከምኡ’ውን ናይቲ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ዘሎ ናይ ፍትሒ ማእስር ኣፍልጦ ዝህብ ናይ ሓባር ሰብኣዊ ንቕሓት ዘሕምም ስዕረት ምዃኑ ኣስሚሮም፡ ኣጽዋር፡ ግዝያዊ ስቕታ ከምጽእ ከም ዝኽእል ተዓዚቦም፤ ሓቀይናን ነባሪን ሰላም ግን ፈጺሞም ክሃንጹ ኣይክእሉን እዮም። በዚ ምኽንያት’ዚ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለም፡ እንኮላይ ኣብ ኤውሮጳ፡ ዳግመ  -ዕጥቂ፡ ንተኣፋፊ ኣህጉራዊ ኩነታት ዳርጋ ዘይተርፍ ምላሽ ኮይኑ ምቕራቡ፡ ኣሰካፊ’ዩ እንክብሉ ኣጒሊሖም፡ ሓቀይና ድሕንነት ብኣንጻሩ ካብ ፍትሒ፣ ዕጉስ ዘተ፣ ኣኽብሮት ኣህጉራዊ ሕጊ፣ ህይወት ህዝብታት ልዕሊ እቲ ካብ ኲናት ዝረብሕ ረብሓታት ከቐምጥ ዝኽእል መምርሒ ዝምንጩ እዩ ይብሉ።

መጠንቀቕታ ኣንጻር ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎን ቴክኖሎጂታትን ኣብ ውግእ

ኣብ ወተሃደራዊ ዓውዲ ሓደሽቲ እደ ጥበባትን ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎን ምምዕባል እውን ጽኑዕ ስነ - ምግባራዊ ምክትታል ዝሓትት ምዃኑን፣ ንህይወትን ሞትን ንዝምልከት ውሳኔታት ቅጽበታዊ ስርዓታት ፈጺሙ ክሕድገ ከም ዘይብሉን ከምኡ እውን ካብ ግብረ ገባዊ ሓላፍነት ሰብኣውነት ሰብ ክእለ ከምዘይክእል ገሊጾም፡

በዚ ድማ፡ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ነቲ ኣድላዪ ዋጋ ዘተ እዚ ድማ ኣብ ምኽባር ውዕላትን ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ስጕምትታት ግልጽነት ከምኡውን ንሰላም ቅድሚ ሓይሊ ንምቕዳም ልባዊ ባህጊ ዘለዎ ናብ ፍትሓውን ነባርን ስምምዕ ዝመርሕ ትዕግስቲ ዝመልኦ መገዲ ምዃኑ ዳግማይ ንኸስተውዕሎ ዝተጸውዐ ምዃኑ የተሓሳስቡ።

ሰላም ፖለቲካዊ ወይ ተቕዋማዊ ክውንነት ጥራይ ኣይኮነን

ሰላም ፖለቲካዊ ወይ ተቕዋማዊ ክውንነት ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ሕሊና ዝውለድ ምዃኑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስሚሮም፣ ቂምን ዘይምግዳስን ጽልእን ንዕርቂ ቦታ ዝህቡሉ እዩ። በዚ ምኽንያት ድማ ብቋንቋ እውን ይምስረትን ይሕሎን እዩ። ቃላት መንገዲ ክኸፍቱ ወይ ክዓጽውዎ ይኽእሉ እዮም፤ ንክውንነት ከብርሁ ወይ ድማ ርክብ ዘይከኣል ክሳብ ዝገብር ክዕምጽጽዎ ይኽእሉ እዮም። እቶም በዚ ምኽንያት እዚ ህዝባዊ ሓላፍነት ዚፍጽሙ ሰባት "ንቛንቋ ኣጽዋር ንምጥፋእ" ዘረባ ናይ ምሕላውን ምምዝዛንን ፍሉይ ግዴታ ኸም ዘለዎም ኣጠንቂቖም፡ ኣስዕብ ኣቢሎም’ውን ጽንዓት ንዕቀት ከም ዘይሓትትን ዘይምስምማዕ ከኣ ውርደት ከም ዘየምጽእ የብርሁ።

ናይ ሓሳብን ሕልናን ሃይማኖትን ናጽነት

ካብዚ ንኻልኦት ካብ ዘሎካ ኣኽብሮት እዚ ድማ ነቲ እምነቶምን ሕልናኦምን ምስ እግዚኣብሔር ዘለዎም ርክብን ዝደልድለሉ ቦታ ናይ ምሕላው ግዴታ ይለዓል - ኣብዚ ውሽጣዊ ዓውዲ ትኹረት ምግባር ንነፍሲ ወከፍ ናይ ብሓቂ ደሞክራስያዊ ሕብረተሰብ ወሳኒ ጕዳይ ማለት ንናጽነት ኣተሓሳስባን ሕልናን ሃይማኖትን ብዝሓሸ መገዲ ንምርዳእ ከም ዘኽእሎ፡ ዘመናዊት መንግስቲ እተመስረተሉ ናጽነት ሓቀይና እንተ ዀይኑ ንሃይማኖታዊ ስፍሓት ደቂ ሰብ ኣፍልጦ ይህብ የኽብሮ ብሕጋዊ መገዲ ድማ የዕቍቦ። ኣብ ርእሲ እዚውን ዝዀነ ይኹን ሰብ ብምኽንያት እምነት ነቲ ዚነብረሉ ሕብረተሰብ ኣበርክቶ ኻብ ምግባር ክቦክር ከም ዘየገድዶ የስተብህሉ።

ንናጽነት ሰባት ዝኸውን ህዝባዊ ስልጣን ብግቡእ ምድራት

ነቲ ናይ ሕጊን ግብረ ገብን ዓውድታት ከየደናገሩ፡ ናጽነት ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ምሉእ ምርዳእ ከም ዝሓትት ምዝካር ይግባእ። ናጻ ምዃን ማለት ብዘይ ደረት ምንባር ወይ ብዙሕ ኣማራጺታት ምውናን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ነቲ ጽቡቕ ኣለሊኻ ብሓላፍነት ክተጸንዖ ምኽኣል ማለት ምዃኑ ኣመልኪቶም፡ ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ሓቀይና ናጻ ሕብረተሰብ ናይ ውልቀ - ሰባትን ማሕበራትን ሓርነት ካብ መጠን ንላዕሊ ምእንቲ ኸይቅየድን እኹል ደረት ህዝባዊ ስልጣን ከም ዘድልዮ ኣትሪሮም ብምምልካት፡ ካብዚ ኣረኣእያ እዚ ተበጊሱ ሕጋዊ ርእሰ -ምምሕዳር ግዝያዊ ስርዓት ንሃይማኖታዊ ተርእዮ ኸም ጽልኢ ጌርካ ክትርጐም ከም ዘይብሉ ኣስተብሂሎም። እምነት፡ ብሓለፋ ወይ ብግዴታ ንነብሳ ክትጽዕን ከምዘይትደሊ ኣስሚሮም፤ እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ፡ ምስ ህዝባዊ ህይወት ከም ዘይዛመድ ጌርካ ናብ ናይ ውልቂ ጉዳይ ክወርድ ኣይክእልን እዩ።

ዕቃቤ ምስጢረ ኑዛዜ

ኣብዚ መንጽር እዚ፡ ዕቃቤ ምስጢረ ኑዛዜ ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፍሉይ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ኣጽኒዖም፡ ኣካል ናይቲ ንማሕበረሰባት ናይ ገዛእ ርእሶም ናይ ህይወት ቦታን ውዳበን ውሽጣዊ ስነ - ስርዓትን ዘውሕስ ሰፊሕ ዓውዲ ሃይማኖታዊ ናጽነት ምዃኑን ኣብ ኣህጉራዊ ተግባር ድማ ብተመሳሳሊ ሕጋዊ መከላኸሊታት ዝሕሎን ምዃኑ ኣብሪሆም። ብሕጋዊ መንገዲ ምሕላው፡ ከምቲ ኣብ ዝተወሰኑ ሞያታት ብተመሳሳሊ ዝግበር፡ እቲ ኣማኒ ካብ ግዳማዊ ጸቕጢ ከይፈርሐ ነፍሱ ንኣምላኽ ክኸፍታ ዝኽእለሉ ቅዱስ ቦታ ውሽጣዊ ናጽነት ምዕቃብ ማለት ምዃኑ የብርሁ።

ሰባት ንምዝካር ኣጠማምታኻ ምልዓል

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንኣባላት ህዝባዊ ባይቶ ስጳይና ካብ ክውንነት ንኽርሕቑ ዘይኮነስ ነፍሲ ወከፍ ውሳነ መንግስታዊ ሰበስልጣን ስጋን ደምን ዝምልከት ምዃኑ ንኽዝክሩ ኣዒንቶም ከልዕሉ ዓዲሞም።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ህዝባዊ ውሳነ ኣብ ሓደጋ ዘሎ ብዕምቆት ክጥምቱ ጸዊዖም፡ ጎኒ ጎኒ ግብራዊ ፍታሕን ሕጋዊ ጽገናታትን ግብረ ገባዊ ምሕዳስ እውን ኣድላዪ ምዃኑ የመልክቱ።

ጸሎት ሰላምን ራህዋን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ስጳይና ዝኽሪ መበቆላ ወይ ናብ መጻኢ ናይ ምጥማት ትብዓት ከይትስእን፡ ዓዲ ርክብን ባህልን ሓድነትን ተስፋን ኮይና ክትቅጽል ጻውዒት ኣቕሪቦም፡

ከምኡ’ውን፡ እግዚኣብሔር ንዅሎም ኣህዛብ ምድሪ ሰላም፡ ንኣባይቲ ስድራ ስምምዕ፡ ንሕልናታት ድማ ቅሳነት ክህብ፡ ኣብ ልዕሊ’ታ ብሓዋርያዊ ኣሰር ቅዱስ ያዕቆብን ብኣደኣዊ ህላወ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዓንዲን ዝተልለይ ንግስነታዊት ሃገረ ስጳይና መዓልትታት ምዕባለንን ሰላምን ፍትሕን ክወርድ እጽልይ እንክብሉ መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

09 Jun 2026, 15:56