ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ስጳይና፡ 'ንወንጌል ተኣማንነት ከረጋግጽን ከሐድስን እየ ዝመጻእኩ!'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ማድሪድ ንሰበስልጣንን ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መንግስታትን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ኣብ ኣመንቲ እምነት ኣብ ወንጌል ንምትብባዕ ኣብ ስጳይና ከም ዝርከቡ ገሊጾም፡ ሃይማኖታዊ ናጽነትን ናጽነት ሕልናን ክሕሎ ከም ዘለዎ የጒልሑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን

"ኣነ ኣብ መንጎኹም ዝመጻእኩ፡ ኣብ መንጎ ኣመንቲ ንወንጌል ዝተሓደሰ ተኣማንነት ንምርግጋጽን ንምትብባዕን ንምስራጽን፡ ከምኡ'ውን ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ባእታታት ናይዚ ህዝቢ ዝዓሞቐ ዕርቅን ምትሕብባርን ንምፍጣር እየ" እንክብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንሰበስልጣንን ኣብ ስጳይና ናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መንግስታትን ዕለት 6 ሰነ ኣብ ስጳይና ማድሪድ ኣብ ዝርከብ ንጉሳዊ ቤተ መንግስቲ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ እዩ።

ንኣስታት ክልተ ሽሕ ዓመታት ንወንጌል ዝተቐበለት ዓባይ ሃገር

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ስጳይና "ንኣህጉራዊ ሕግን ብዝሓ - ጎናዊ ምትእስሳርን እሙን ብምዃና" ኣመስጊኖም፡ እዚ ድማ "ኣብ ንጡፍ ተወፋይነት ንሰላምን ምትሕግጋዝን ህዝብታት ይንጸባረቕ። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ፡ "ሃገርኩም ዘተን ዜግነታዊ ምሕዝነትን ከተማዕብል፡ መጻኢ ክትሓስብ እንኮላ ናይ ድኻታትን መንእሰያትን ኣረኣእያታት ኣብ ግምት ከተእቱ፡ ርእሰ - ምሕደራን ሓድነትን ዝብል ሕቶታት ከተሰማምዕ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ኤውሮጳ ንጉዳይ ሓድነት ከተስጉሙ - ንኻልኦት ሓይልታት ብምቅዋም ዘይኮነስ፡ ንመላእ ሰብኣዊ ስድራቤት ከም ህያብ ብምርኣይ" እንክብሉ ኣተባቢዖም፡ ስጳይና ንኽበጽሑ ዘቕረበትሎም ዕድመን . . . ንኣስታት ክልተ ሽሕ ዓመታት ንወንጌል ኣብ ዝተቐበለት ዓባይ ሃገር ብምርኻቦም ምስጋናኦም ገሊጾም፡ ትውፊት ወትሩ ነቲ ናይ መጀመርታ ስብከት ወንጌል ሓውሲ ደሴት ኢቤርያ ምስ ስብከት ሃዋርያ ያዕቆብ ዓቢይ ዘተኣሳስር እዩ" እንክብሉ ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ህዝባዊ መንፈሳውነት ንህዝቢ ስጳይና ምስ ኢየሱስ ከም ዝራኸቡ ዝገብሮም እዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እዚ ምትእስሳር እዚ ምስቲ ብበዓል ጴንጠቆስጠ ዝጀመረ ሓዋርያዊ ተልእኾ ቀጻልነት ዘለዎ ንቕሓት ናይቲ ከባቢ ቤተ ክርስቲያን ዝገልጽ ብምዃኑ ልዑል ቲዮሎጊያዊ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ኣስተብሂሎም፡ ኣብ መንጎ እምነት ክርስትናን እዛ መሬትን ዘሎ ጥንታዊ ምትእስሳር ንባህሎም ብዕምቆት ዝቐረጸን ኣብዚ እዋን’ዚ ከም ሰብኣዊ ስድራቤት ብሓባር ክንገጥሞም ኣብ ዝግበኣና ብድሆታት ምንጪ ተስፋን ኣንፈትን ዝውክል ምዃኑ’ውን ኣመልኪቶም። "ኣብ ነፍሲ ወከፍ ከተማን ዞባን ከም ሓቀይና መልክዕ ድሕነት ዝቖሙ ምስ ህርመት ዓመትን ዝተፈላለየ ኵነታት ህይወትን ዝሰማማዕ መርኣያታት ህዝባዊ መንፍሳውነት እሓስብ . . . ምስቲ ስነ ጥበባውን ሙዚቃውን ውርሻታት፡ ከምኡ'ውን ብዙሓት ሕውነትን ማሕበራት ግብረ ሰናይን ኣብ መንጎ ኢየሱስ ክርስቶስን ህዝብኹምን፡ ንህይወት ዝፈትዋን ዝገልጻን ውዕዉዕ ህዝቢ፡ ፍረ ዘለዎ ርክብ ይምስክሩ! ነዚ እምነት ኣብ ኣመንቲ ንምትብባዕ ኣብዚ እርከብ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ሃይማኖታዊ ናጽነትን ሕልናን ክሕሎ ኣለዎ

ቅዱስ ኣቦና ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ባእታታት ስጳይና "ዝዓሞቐ ዕርቅን ምትሕብባርን" ከተባብዑ ከምዝደልዩ እውን ኣመልኪቶም፡ ታሪኽ ስጳይና ታሪኽ "ርግኣትን ምዕባለን ዘስፍሕ ናይ ግጭት መግለጺ ዘይኮነስ ናይ ምርኻብ ባህሊ እዩ - ቢሊም - በዚ መዳይ’ዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንቅዱስ ዮሓንስ ዘመስቀልን ንቅድስት ተረዛ ዘኣቪላን ዘኪሮም፣ ንቅዱስ ዮሓንስን ቅዱስቲ ተረዛ ዘኣቪላ ንመለኮታዊ ምሥጢር ዘለዎም ፍቕሪ ከም ብጾት ዘራኽቦም ምዃኑ ብምምልካት፡ እቶም ካብ ስጳይና ዝመጹ ክልተ ቅዱሳት ሰባት ንሓሙሽተ ዘመናት ሕይወት ቤተ ክርስቲያንን መንፈሳዊ ጉዕዞ ብዙሓት ከም ዘሀብትሙን፡ ካብ ዶባት ስጳይና ውጻኢ እውን፡  ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ ቅዱስ ኢግናጽዮ ዘ ሎዮላን ክላኦት ቅድሳትን ቅዱሳንን ስጳይናውያን እንከስተንትኑ፡ "እቲ ብዜስካሕክሕ ዘይሚዛናውን ግጭትን እተናወጸ ዚመስል ዘመንና ካብ መዓሙቝ ሰላምን፡ ሓድሽ ምርዳእን ብዛዕባ ሰብን ዘይግሃስ ክብረቱን ስልጣነ ፍቕሪ ኺህሉ ይጭድር ኣሎ . . . ቅድስት ተሬሳ ነዚ መስርሕ እዚ ብምስሊ ውሽጣዊ ቤተ - መንግስቲ እያ እትገልጾ። ካብ ክፍሊ ናብ ክፍሊ ናብ ውሽጣዊ ኽፍሊ – ማለት ናብ ልቢ ናብ መቕደስ ሓቂ – ምስግጋር ቦታ ዝሰፍሕ፡ ኣእምሮ ይኽፈት ብድሆታት ይሰግር ውጥረት ይጠፍእ ካልኦት ቦታኦም ይረኽቡ ዓለም ከኣ ቤት ይኸውን። እዚ ጕዳይ እዚ ናብ ገዛእ ርእስኻ ምህዳም ወይ ኣብ ገዛእ ርእስካ ዕጹው ምዃን ዘይኰነስ ሓደ ሰብ ናብ ገዛእ ርእሱ ምስ ተመልሰ ዚፍጸም ሱር ዝሰደደ መኽፈቲ ፍጹም ዝተፈላለየን ኩሉ ግዜ ሓድሽን - Totus Alius et Semper Novus  እዩ። እዚ ስፍሓት ሰብኣዊ ኣካል እዚ ሃይማኖታዊ ናጽነትን ናጽነት ሕሊናን ክዕቀብ ኣለዎ ዝብል ምኽንያት - መርትዖ ኢዩ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ውልትውና ምግጣም የድሊ

ሎሚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ሃልሃልታ ውልትውና ብምውላዕ ተፈታውነት ንምርካብ ዝድርኽ ፈተና ኣብ ክንዲ ዝንኪ ዝዓበየ ይመስል፣ ምግሃስ ክብሪ ደቂ ሰባት ድማ ይቕጽል ኣሎ” እንክብሉ ጓሂኦም ገሊጾም፡

"ስለዚ እዩ ባህሊ፡ ውሽጣውነትን ጽሩይ ናጽነት ዘማእከለ ትምህርትን ዘድልየና፤ ስግረ - ምትእስሳር የድልየና እዩ። ይኹን እምበር ኣብዚ ጸልማት ለይቲ እዚ እውን እንተ ዀነ ንሓቂ እሙናት ዝዀኑ ሰብኡትን ኣንስትን ፍትሕን ሰላምን ኣብ ሕልናኦም ክሳዕ ዘተሓቛቖፉ ካብ ሓደ ኽፍሊ ናብ ካልእ ክፍሊ ንኽጓዓዙ ተደሪኾም እዮም ። "በዚ ናጽነቶም እዚ ናጻ ምዃን እንታይ ማለት ምዃኑ ንመሃር” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ካቶሊካዊት ቤተ - ክርስትያን ኣብ ኣገልግሎት ጽምኢ ልቢ ሰብ ከም ዘላ ኣጒሊሖም፡ ጸቕጢ ዘይኮነ ኣገልግሎት እዩ . . . እንታይ ደኣ እቲ ብብዝሒ ሰማእታትን ቅዱሳንን ዝተመስከረሉ ናይ ወንጌል ምስክር እዩ።" ሎሚ ቤተ ክርስቲያን ንነብሳ ኣብ ኣገልግሎት መጻኢ ናይ ሓደ ዕርቅን ሰላምን ዝደሊ ህዝቢ ከተቐምጥ ድልውቲ እያ። ንሓቂ ንምፍቃር ኵሉ ሰብ "ነቲ ብዛዕባ ሕብረተሰብ ክውንነትካን ታሪኽካን ዚኸፋፍልን ዝውልትውን ዛንታታት ገዲፎም ነቲ ሕልኽላኻት ብፍረ ዘለዎ ምርዳእ ኣቢልካ ዝለዓለ ናይ ስራሕ ግልጽነትን ስሉጥነትን ጽሬትን ንምርካብ ዘየድሊ ሕልኽላኻት ሕንፍሽፍሽ ከወግድ” ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ንቕድሚት ምስጓም

ቅዱስ ኣቦና ህዝቢ ንዝተሓላለኸ ነገር ከድንቕን ከጽንዕን፣ ክኽሕዶ ዘይኮነስ ከም በረኸት ክሓቑፎ ክመሃር ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ሓደስቲ እደ ጥበባት "መሰረታዊ ምርጫታትና ኣብ ፈተና ዝኣትወሉ፡ ተጻብኦነት ዝዓብየሉ፡ ነቐፌታዊ ኣተሓሳስባ ዝዳኸመሉን ዓብላሊ ረብሓታት ናይ ሞት ትምኒት ዝዝርግሓሉን ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ሃዋህው ፈጢሮም" ኣለዉ እንክብሉ ኣስተብሂሎም፡ እንተኾነ ግን "ሰናይነት ክስዕርን ክዝርጋሕን ይኽእል እዩ . . .  ብፍላይ ብወገን ቁጠባዊ፡ ፖለቲካውን ትካላውን ሓላፍነት ዘለዎም ሰባት፡ ሓድሽ ብድሆታት ንምሕቋፍን ድሩትነት ንምስጋርን ግዚያዊ ውሕስነት ኣይፋል ክብሉ ኣገዳሲ'ዩ - ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ፡ መናብርተ ጥበብን ምርምርን፡ ከምኡ'ውን ኣብ ከባብያዊ ማሕበረሰባትን በርገሳዊ ማሕበረሰባትን ከም መዕበዪ ባይታ ተሳትፎን ባህሊ ሽምግልናን ዝግበር ወፍሪ ኣንፈት ምቕያር" ክህሉ ኣተሓሳሲቦም፡ ስጳይና ኣብ ሰላምን ስኒትን ኣበርክቶ ክትገብር ኣድላዪ ምዃኑ ኣስተብሂሎም፡ "ኩላትና ብዙሕ ግዜ "እቲ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ኣጽዋርን መናድቕን ክንረኽቦ እንጽበዮ ድሕንነት ብሓባር ንቕድሚት ምስጓም ብምምሃር እዩ ዚርከብ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ስጳይና ንሰላምን ብዙሓ ጎናውነትን ኣህጉራዊ ሕግን እትገብሮ ተወፋይነት አመስግን

ስጳይና "ናይ ገዛእ ርእስ ታሪኽ ንሰላምን ብዙሓ ጎናውነትን ኣህጉራዊ ሕግን እተግበር ተወፋይነት ዝምስክር እዩ . . .  ኣብ ሓውሲ ደሴት ኢቤርያ ህላወ እስልምና "ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ፖለቲካዊ፡ ባህላውን ሃይማኖታውን ክውንነት" ምዃኑ ኣሚኖም፡ እታ ሃገር ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ብሰላማዊ ሓባራዊ ህይወትን ዘተን ንቕድሚት ክትስጉም ኣተባቢዖም፡ ስጳይና ንሰላምን ብዙሓ ጎናውነት ዓለም ሓቆፍ ሕግን ንእትገበረቶ ተወፋይነት ብምምስጋን፡ ኣብ ውሽጥን ኪኖ ሃገሮምን ሰላምን ስኒትን ከተስፍሕ ኣተባቢዖም። "እግዚኣብሄር ንስጳይና ይባርኽ!" እንክብሉ መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

07 Jun 2026, 14:34