ክሌኣዊ ርክብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ናይ ሪፓብሊካዊት ኮርያ ርእሰ ብሔር
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ዕለት 15 ሰነ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተወ ናይ ረፓብሊካዊት ኮርያ ርእሰ ብሔር ሊ ጃይ - ሚዩንግ ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ ርእሰ ብሔር ጃይ ሚዩንግ ካብ ቅዱስነቶም ተሰናቢቱ ብናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓሪ ጉዳያት ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከም እተራኸቡን ኣብዚ ዳሕረዋይ ርክብ እዚ ብዛዕባ እቲ ቅድሚ 63 ዓመት ብትኽክል ኣብ 1963 ዝተበገሰ ክሌኣዊ ርክብ ቅድስቲ መንበርን ሪፓብሊክ ኮርያን ዘሎ ሰናይ ዝምድና ብምዝካር ከም እተመያየጡን ካብሹዑ ጀሚረን እዘን ክልተ ሃገራት ነዚ ጥቡቕ ክሌኣዊ ዝምድና ዓቂበን ከም ዝርከባን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ክልተ ግዜ - ኣብ 1984ን 1989ን - ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ድማ ኣብ 2014 ብምኽንያት 6ይ ኣህጉራዊ ቅነ መንእሰያት እስያ ኣብታ ሃገር ምብጻሕ ከም ዘካየዱ እውን ኣዘኻኺሩ፡
ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊንን ርእሰ ብሔር ረፓብሊካዊት ኮርያ ጃይ - ሚዩንግ “ኣብቲ ከባቢ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሕብረተሰብ ኮርያ ብፍላይ ኣብ ዓውድታት ትምህርትን ማሕበራዊ ድሕነትን እተቕርቦ እወታዊ ኣበርክቶ - ከምኡ እውን ብዛዕባ ኣብ 2027 ኣብ ድቡብ ኮርያ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያትን “ንገለ መዳያት ዞባውን ኣህጉራውን ኩነታት” ኣማእኺሎም እውን ከም እተመያየጡ የመላኽት።
