ር. ሊ. ጳ. ኣብ ማድሪድ፦ ንነፍሲ ሕብረተሰብ ንምዕቋብ ሓደ መርበብ ንስራሕ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስቶም ካብ ጉጅለታት ባህልን ትምህርትን ንግድን ስፖርታዊ ምንቅስቓሳትን ምስ ዝመጹ ተወከልቲ ኣብ ዘካየድዎ ጉባኤ ቃለ ምዕዳን ለጊሶም፣ ኣባኡ ድማ ክብሪ ወድሰብን ከምኡውን ሓድሽ ናይ ሓባራዊ ረብሓ ስምዒትን ከደንፍዑ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካንኒ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ካልአይቲ መዓልቲ ሓዋርያዊ ዑደቶም ናብ ሃገረ እስጳኛ፣ ምስ ተወከልቲ ስነ-ጥበባውያንን ሥነ-ትምህርትን ቍጠባን ስፖርታዊ ምንቅስቓሳት ንምትሕብባር ግዜ ወሲዶም፣ ኣብዛ እናኸፋፈለት እትኸይድ ዘላ ዓለም፣ ናይ ሓድነትን ምይይጥን ተስፋን ማእሰር ኣብ ምምስራት "ሓደስቲ ቀለስቲ ኣካላት" ክዀኑ ድማ ጻውዒት ኣቕረቡሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትማሊ ሰንበት ድሕሪ ቀትሪ፣ ኣብ ከተማ ማድሪድ ኣብ ዝርከብ ሞቪስታር ዝተሰምየ ኣሬና፣ "ምስ ባህልን ስነ-ጥበብን ቍጠባን ስፖርትን ዓለም መርበብ ምፍጣር" ኣብ ዘርእስቱ ዓውደ ጉባኤ ብዛዕባ ትካላትን ውልቀ-ሰባትን ቅልጡፍ ማሕበራውን ተክኖሎጅያውን ለውጥታት ኣመልኪቶም፣ ንደቂ ሰብ ንምዕቋብ ዘለዎም ሓላፍነት ኣስተንተኑ።

እቲ ጉባኤ፣ ብዙሓት ስነ-ጥበባውያንን ሊቃውንትን መራሕቲ ንግድን ተወከልቲ ማሕበራትን ከምኡውን ስፖርተይናታት ዝተረኽቡሉ፣ ኣብ መንጎ ቤተ-ክርስትያንን ዘመናዊ ሕብረተሰብን ዝርርብ ንምድንፋዕ ኣብ እተገብረ መደብ ኢዩ ዝንበረ።

ካብ መንጎ እቶም ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝተረኸብዎም ተዋሳእቲ፣ ኣንቶንዮ ባንዴራስ ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ እምነትን ስነ-ጥበባዊ መግለጽን ዘሎ ነባሪ ርክብ ዝገለጸሉ ተዋስኦ ኣቕሪቡ። ሆሴ ማሪያ ኮሎ ደ ፖርቱጋል፣ ሓለቓ መንበረ ጥበብ ኮምፕሉተንሴ ማድሪድ፣ ብስም ማሕበረሰብ ሥነ-ትምህርትን ሥነ-ፍልጠትን ድማ መደረ ኣቅረበ፣ ተወከልቲ ናይ ንግድን ማሕበር ሰራሕተይናታትን ድማ ብወገኖም፣ ብዛዕባ ስነ-ምግባራዊ ብድሆታት ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎትን ቍጠባዊ ለውጥን ዘትዮም፣ ከምኡውን ተሬሳ ፐራለስን ካሮሊና ማሪንን ዝበሃላ ውሩያት ስፖርተይናታት፣ ብመንገዲ ስፖርት ዝመሓላለፉ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታትን ተጻዋርነትን ትሕትናን ሓድነትን ኣጕሊሐን።

ኣንቶንዮ ባንዴራስ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘቕረቦ መደረ
ኣንቶንዮ ባንዴራስ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘቕረቦ መደረ   (@Vatican Media)

እንታይ ዓይነት ውርሻ ኢና እንገድፍ ዘሎና?

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንመልእኽትታት እቶም ተወከልቲ ከምኡውን ሳራ ባራስን ኩባንያኣን ዘዳለውዎ ምርኢት ፍላሜንኮ ድሕሪ ምስማዕ፣ ነቲ ሃብታም ባህላዊ ውርሻ ሃገረ ስጳኛ ብምምጓስ፣ ነቲ ኣብ መላእ ታሪኽ እታ ሃገር ማለት ኣብ ከተማታትን ሓወልትታታን መናብርተ ጥበባትን ኣብያተ-ክርስትያናትን ሙዚቃውን ስነ-ጥበባውን ስርሓትን፣ ምድላው ምግብን ብምስትንታን፣ ነቲ ሃብታም ባህላዊ ውርሻ ሃገረ ስጳኛ ብምውዳስ መደረኦም ጀመሩ።

እንተዀነ ግን ነቲ ናይ ዝሓለፈ ወለዶታት ዘበርከትዎ ዓወታት ምድናቕ፣ ንዅሉ ሰብ ዘተሓሳስብ ሕቶ ከም ዘለዓዕል እውን ገለጹ - ንሕናኸ "ንመጻኢ እንታይ ውርሻ ኢና እንገድፍ ዘሎና? በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እንታይ ዓይነት ማሕበረሰብ ኢና እንሃንጽ ዘለና?" ክብሉ እውን ሓደ ብድሆ ኣቕረቡሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ እቲ እዚ ሕብረተሰብ ዘለዎ ሓድሽ ምህዞን ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ፍሉይ ክእለትን ኣፍልጦ ሂቦምሉ እኳ እንተ ኾኑ፣ ተክኖሎጅያውን ቍጠባውን ምዕባለ ካብ ሰብኣውነት እንተ ተፈልዮም መሰረታዊ ዕላማኦም ኼጥፍእ ከም ዚኽእሉ እውን ኣጠንቀቑ።

"ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ክኢላታትን ውጽኢታውያን ኣፍረይቲ ናይ ምዃን ሓደጋ የጋጥመና እኳ እንተ ሃለወ፣ ስለምንታይን ንምንታይን ዕላማን ምስ መንን ከም እነነፍሪ ግን ርግጸኛታት ኣይኰንናን" በሉ።

ኣብ ቅድሚ ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ዝቐረበ ሙዚቃዊ ምርኢት
ኣብ ቅድሚ ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ዝቐረበ ሙዚቃዊ ምርኢት   (@Vatican Media)

ቤተክርስትያን "ክኢላ ሰብኣውነት"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም፣ ንትምህርቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይን፣ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካንን ብምዝማድ፣ ቤተ-ክርስትያን ምስ እዛ ዘመናዊት ዓለም ንምዝርራብ ዘለዋ ቘራጽነት ደጊሞም ኣረጋገጹ።

"እቲ ወሳኒ ሕቶ ኣይተቐየረን" ድማ በሉ። "ሓቀይና ሰብ ምዃን ኪበሃል ከሎ፣ እንታይ ማለት እዩ?” ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብቲ ቤተ-ክርስትያን ንዘመናት ዝጸንሐ ተመክሮኣ ተበጊሳ፣ ንደቂ ሰብ ኣብ ታሪኽ ዘሰንዮም ዝነበረ ክርስትያናዊ እምነት፣ ናብ ክብሪ ሰብኣውነትን ሓባራዊ ረብሓን ዝመርሕ መገድታት ከም እተቕርብ ገለጹ።

ካብታ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝጸሓፍዋ “ግሩም ሰብኣውነት” (Magnifica Humanitas) ዘርእስታ ሓዋርያዊ ምዕዳኖም ብምጥቃስ፣ ሰብኣዊ ኣካል "መገዲ ቤተ-ክርስትያን" ኮይኑ ከምኡውን ማእከል ሓቀይናን ምሉእን ምዕባለ ምዃኑ ኣትሪቶም መስከሩ።

በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፣ ቤተ-ክርስትያን ብዛዕባ ባህሊ ተገዳስነት ዘይብላ ኽትከውን ኣይትኽእልን እያ፣ ምኽንያቱ ባህሊ ንባዕሉ ሓደ ኻብቲ ደቂሰባት መንነቶም ዚገልጹሉን ዚቐርጹሉን ቐንዲ መገድታት እዩ።

ካሮሊና ማሪንን ተሬዛ ፓራለስን ናብ ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት መልእኽተን እንከመሓላልፋ
ካሮሊና ማሪንን ተሬዛ ፓራለስን ናብ ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት መልእኽተን እንከመሓላልፋ   (@Vatican Media)

እንታይ ኢና እንኵስኩስ ዘለና?

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ "ባህል"ን "ምኵስኳስን" ዚብላ ቓላት ዘሎ ስነ-መለኮታዊ ምትእስሳር ብምስትንታን፣ ነቶም ኣባኡ እተረኹ ዘመናዊ ሕብረተሰብ ንመጻኢ ወለዶታት እንታይ ይዘርእ ከም ዘሎ ክሓስብ ጻውዒት ኣቕረቡ።

"እንታይ እዩ ዚዕምብብ ዘሎ?" ክብሉ እውን ሓተቱ፣ "ኣብ ሕብረተሰብና ብስቕታ ዝነቅጽ ዘሎ ኸ እንታይ እዩ?" ክብሉ ውን ሓተቱ። "እንታይ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ኢና እንዕቅብ ዘሎና? ነየኖት ኢዮም ከ እቶም ክሞቱ ሓዲግናዮም ዘሎና?” እውን በሉ።

እዚ ሕቶታት እዚ ኣብ ምስማዕን ኣኽብሮትን ምርኻብን እተመስረተ ሓቀይናን ቀጻልን ማሕበራዊ ዘተ ከም ዘድልዮ ገለጹ።

ብዝርርብ መርበብ ምህናጽ

እቲ ቐንዲ ፍረ ነገር ናይታ ምሸት ድማ፣ በቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሰባትን ትካላትን ሓባራዊ ኣኽብሮት ክህልዎም ዝሓትት፣ ከምኡ ውን ስነ-ጥበብ ክብሉ ዝገለጽዎ "መርበብ ምህናጽ" ብዝብል ሓሳብ ኢዩ ተገሊጹ ዝነበረ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዝርርብ ወትሩ ኣብ ሰብኣዊ ክብሪ ዘተኰረ ክኸውን ከም ዘለዎ እውን ኣመልከቱ።

መናብርተ ጥበባት ንሓቂ ከወግኑ ወይ ካብ ክውንነት ስራሕ ክፈልዩ ከም ዘይብሎም ገለጹ። ንግዲ ንሰራሕተኛታት ናብ ቍጠባዊ ለውጥታት ጥራይ ከነክዮም ድማ የብሉን። ስነ-ጥበብ ከአ ናይ ብሉጻት ጥራይ መዕቈቢ ክኸውን የብሉን። ስፖርት ንባዕሉ ናብ መዘናግዒ ወይ ምንጪ መኽሰብ ኮይኑ ክርከብ የብሉን ። ተክኖሎጅያዊ ምዕባለ ንኣረጋውያንን ንድኻታትን ነቶም ሳሕቲ ድምጾም ዘይስማዕ ሰባትን ኣቓልቦ ክገብረሎም ኣለዎ ክብሉ ድማ ተላበው።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም፣ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ንባዕሉ ስነ ምግባራዊ ሓላፍነት ኢዩ። "ኵሉ ዓይነት መግለጺታት ይዛረብን ትርጉም የመሓላልፍን እዩ" ድማ በሉ። በዚ ከምዚ ድማ "ከቝስል ወይ ከሕዊ፣ ንትጽቢታትና ኬበላሽዎ ወይ ሓድሽ ኣተሓሳስባ ከማዕብል እውን ይኽእል እዩ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ልዮን ኣብ ማድሪድ
ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ልዮን ኣብ ማድሪድ   (@Vatican Media)

ብናይ ፍቅሪ ገመድ እተፈጠረ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ከም ዝገለጽዎ፣ ብክርስትያናዊ ኣረኣእያ ሓቀይና ዝርርብ ክበሃል እንከሎ፣ ውሳጣዊ ኽብሪ ነፍሲ ወከፍ ወድሰብ ኣፍልጦ ብምሃብ እዩ ዝጅምር ክብሉ ኣስመሩሉ።

"ፈጣሪ ንደቂ ሰብ ብፈትሊ ፍቕሪ ኢዩ ኣሊምዎ" ቢሎም ድማም፣ ደቂ ሰብ ብመልክዕን ምስልን ኣምላኽ ከም እተፈጥሩ ብምዝካር እዩ ዝግለጽ በሉ።

እዚ ኽብሪ እዚ ብትካላት ወይ ብመንግስታት ኣፍልጦ ኣይወሃበሉን እዩ፣ የግዳስ ተፈጥሮኣውን ዕሽሽ ዘይበሃልን ስለ ዝዀነ፣ መሰረት ናይ ነፍሲ ወከፍ ሓቀይና ማሕበራዊ ርክባት እዩ።

ዝልውጥ ጽባቐ

ኣብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘካፈልዎ ሓሳባት እውን ብተደጋጋሚ ናብ ግደ ጽባቐን ስነ-ጥበባዊ መግለጽን ተመላሊሶም ተዛረቡ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፣ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ዝገለጽዎ፣ እምነት "ግጥምን ሙዚቃን ትፈጥር" ከምኡውን "ጽባቐ ትፈጥር" ዝብል ሓሳባት ብምጥቃስ፣ ብዛዕባ እቲ ንሰባት ካብ ውሽጦም ዝቕይቶም ተመክሮታት መስከሩ - መዝሙር ግጥሚ ቤተ-ክርስትያን ድምጺ ዓይኒ ወይ እውን ኣብ መንጎ ኣዕሩኽ ዝካፈል ወግዒ ኢዩ።

ነቲ ኣብ ሃገረ እስጳኛ ዝርከብ ሃብታም መንፈሳውን ስነ-ጥበባውን ልምዲ፣ ማለት ካብ ናይ ሰሙነ ሕማታት ዝማሬታት ክሳዕ ጽሑፋት ሎፐ ደ ቬጋን ቅድስቲ ተሬሳ ብዓልቲ ኣቪላን፣ ቅዱስ ዮሓንስ ዘመስቀልን፣ ካልደሮን ደ ላ ባርካን ምስ እንዕዘብ፣ ኣብ መንጎ ስጋውን መንፈሳውን መዳያት ህላወ ደቂ ሰብ፣ ዓሚቝ ዝርርብ ከም ዘሎ መርትዖ ምዃኑ ጠቒሶም።

እምነት ኣብ ሕብረተሰብ ዘለዋ ኣበርክቶ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም፣ ብዛዕባ ክርስትያናዊ ኣበርክቶ ኣብ ህዝባዊ ህይወት ምልስ ኢሎም እንክገልጹ፣ ነቲ ብመንፈስ እምነት እተመስረተ ማእለያ ዘይብሉ ኣብያተ ትምህርትን ሆስፒታላትን ናይ ግብረ ሰናይ ተበግሶታትን እውን ዘኪሮም።

ቅዱስነቶም ኣብ ክርክራት ከየተኮሩ፣ ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ኤውሮጳ ንባዕላ ብክርስትያናዊ ውርሻኣ ኽሳዕ ክንደይ ከም እተቐርጸት ኪሓስቡ ጻውዒት ኣቕረቡሎም። "ብዘይ ጽልዋ እምነት ኤውሮጳ ከምቲ ኮይናቶ ዘላ ምዀነት ነይራ ኢልካ ምእማን ብሓቂ ይከኣል ድዩ?" ክብሉ እውን ሓተርዎም።

ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝበልዎ ቓላት ዳግም ብምቅላሕ ድማ፣ "ኣይትፍርሁ፣ ንክርስቶስ ኣፍ ደጌኹም ኽፈቱሉ" ክብሉ ተማሕጸኑ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ኣብ ማድሪድ ንተወከልቲ ባህልን ትምህርትን ስፖርትን መልእኽቲ እንከመሓላልፉ
ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ኣብ ማድሪድ ንተወከልቲ ባህልን ትምህርትን ስፖርትን መልእኽቲ እንከመሓላልፉ   (@Vatican Media)

ኣውያት ድኻታት

ቅዱስ ኣቦና ወሲኾም፣ ንጸገማት ድኻታት ኣብ ማእከል ሓሳባቶም ብምጉላሕ እውን መግለጺ ሂቦምሉ ኢዮም። "ውርዝናኦምን ክእለቶምን እናሃለወ ኽነሱ፣ እቶም እተገለሉ ሰባት መን እዮም?" ክብሉ ድማ ሓተቱ።

ኵነታት ድኻታት ንሕብረተ-ሰብን ንፖለቲካዊ ስርዓታትን ንቝጠባን ንቤተ-ክርስትያንን ቀጻሊ ብድሆ ምዃኑ እውን ኣትሪሮም ተዛረቡ።

ንማሕበረ-ሰብኣዊ ትምህርቲ ቤተ-ክርስትያን ብምዝካር ድማ፣ ቍጠባውን ትካላውን መዋቕር ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ምሉእ ብምሉእ ምዕባለ ዘተባብዕን፣ ሓላፍነት ዝስምዖን፣ ተሳትፎ ብምትብባዕን ጥራይ ክብልጽግ ከም ዝኽእል ኣጕልሑ።

ካብ ሜዳ ጸወታታት እንመሃሮ ነገር

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መደረኦም ኣብ ምዝዛም፣ ብዛዕባ ስፖርት ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ እቲ ኣጸቢቆም ዝፈልጥዎ ዓለም ብምስትንታን ናብ መደምደምታ ዝርርቦም በጽሑ። ብዙሓት ሰባት ካብ ወግዓዊ ትምህርቲ ንላዕሊ ኣኽብሮትን ጽንዓትን ፍትሓዊ ጸወታን ካብ ሜዳታት ስፖርት ይመሃሩ እዮም በሉ። ኣስዕብ ኣቢሎም እውን ስፖርተይናታት ንሕብረተሰብ ብዘይ ምረት ብኸመይ ከም እትስዓርን፣ ንኻልኦት ከየዋረድካ ብኸመይ ከም እትዕወትን፣ ድሕሪ ውድቀት ብኸመይ ከም እትትንስእን ይምህሩ እዮም ክብሉ ድማ መስከሩ።

ነቶም ስፖርተይና ዝነበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝበልዎ ቓላት ብምዝካር ድማ፣ ዓመጽን ምክፍፋልን ነቲ ንሓድነት ማሕበረሰብ ዘዳኽም፣ ንማእሰር ፍቕሪ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እዋናት ስፖርት ብምጻግ ድማ፣ ስፖርታዊ ምንቅስቓሳት ንሓድነትን ሰላምን ማሕበራዊ ሓድነትን ሓያል ምስክርነት ከቕርብ ከም ዝኽእል ኣመልከቱ።

እተሓደሰ ሕብረተሰብ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ መደምደምታ መደረኦም፣ ንዅሎም እቶም ኣባኡ እተረኽቡ ሰባት፣ ኣብ ምህናጽ ሓድሽ ሕብረተሰብ ቀለስቲ ኣካላት ክዀኑ ጻውዒት ኣቕረቡሎም።

ግዜ ንዘልዓለማውነት ክፉት ዝዀነሉ ሕብረተሰብ፣ ባህሊ ተዘክሮ ዝዕቅብን፣ ዝርርብ ዜተባብዕን ባይታ፣ ትምህርቲ ንሓቅን ኣእምሮኣዊ ቅንዕና ዚስዕበሉ ስፍራ፣ ስነ-ጥበብ ንዘደንቑ ነገራት ዘነቓቕሓሉ ቦታ፣ ንግዲ ንኽብሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣፍልጦ ዝህበሉ ቦታ፣ ስራሕ ከኣ ምንጪ ተስፋ እዩ ክብሉ መስከሩ።

ቅዱስ ጳውሎስ ከም ዝገለጾ፣ "ምስቶም ዚሕጐሱ ተሐጐሱ፣ ምስቶም ዝበኽዩ ድማ ብኸዩ፣" ብምባል ንሰማዕቱ ብስኒትን ሰላምን ኪነብሩ ዝተማሕጸኖም ዘኪሮም።

ምኽንያቱ መጻኢና ኣብቲ ሓቀይና ዕቤት ደቂ ሰባት ብቐጻሊ ዚንጸባረቕ ዀይኑ ምእንቲ ክርከብ፣ ኣብ መደምደምታኡ ንሕና ውን "ንዅሉ መዳያት ህይወት ዝሰማማዕ ሓዲስ መርበብ ኣብ ምፍጣር፣ ሓደስቲ ቀለስቲ ኣካላት ንኹን" ክብሉ ተላብዮም ቃለ ምዕዳኖም ዛዘሙ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ማድሪድ ምስ ተወከልቲ ባህልን ትምህርትን ስፖርትን ዘካየድዎ ርክብ
08 Jun 2026, 15:44