ር. ሊ. ጳ. ኣብ ስጳኛ ናብቶም ኣብ ከተማ ማድሪድ ዝርከቡ ኣዝዮም ተነቀፍቲ ዝኹኑ ሰባት በጺሖም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ኣብ ከተማ ማድሪድ እስጳኛ ዝርከብ CEDIA 24 ሆራስ ተባሂሉ ዝፍለጥ ማሕበራዊ ውጥን ኣብ ዘካየድዎ ጉስነታዊ ምብጻሕ፣ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ናይቲ ሰሙን ዝወሰደ ሓዋርያዊ ዑደቶም፣ ናብ ባርሴሎናን ደሴታት ካናሪን እውን ክበጽሑ ኢዮም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ትማሊ ቀዳም ዕለት 6 ሰነ 2026 ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ ናይ ሓዋርያዊ ዑደቶም ናብ ስጳኛ፣ ምስ ሰራሕተኛታትን ወለንተኛታትን ተገልገልትን ናይቲ ንግዳም ሓደር ሰባትን፡ ካልኦት ተኣፋፊ ዅነታትን ንዘለዎም ሰባትን ዝሕግዝ ብካሪታስ ዝመሓደር ማእከል በጺሖም ኣባኡ ግዜ ኣሕለፉ።

እዚ ኣብ ከተማ ማድሪድ ኣውራጃ ሉሰሮ ዝርከብ ማሕበራዊ ውጥን CEDIA 24 ሆራስ፣ ነቶም መጽለሊ ዘይብሎምን ሰባትን፣ ማሕበራዊ መምርሕን፡ ስነ-ኣእምሮኣዊ ደገፍን፡ መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ዘድልዮም ሰባትን ን24 ሰዓታት ክፉት ኮይብኑ ኣገልግሎት ዝሕብ ዘሎ ተቕዋም እዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ 40 ዝዀኑ ስንክልና ዘለዎም ሰባት ድሕሪ ምርኻብ፣ ኣብቲ ማእከል ምስ በጽሑ ሊቀ ጳጳሳት ሰበኻ ማድሪድ፣ ብፁዕ ካርዲናል ሆሴ ኮቦን፡ ኣመሓዳሪ እዚ ማሕበረዊ ውጥን እዝን፣ ሓንጐፋይ ኢሎም ተቐበልዎም፣ ምስ ኣገልገልትን ሰራሕተይናታትን ናይቲ ተቕዋም እውን ኣራኸብዎም።  ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ናይ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም መደረታቶም ድሕሪ ምስማዕ፣  ኒዩርካ ዝስማ ካብ ኩባ ዝመጸት ሓንቲ ሰበይቲ፣ ብዛዕባ እቲ ኣብዚ ተቕዋም እዚ ዝተገብረላ ደገፍን ገለጸት፣ ሓደ መጻኢ ዝረኸበ ካብ ሰኔጋል ዝመጸ ካድሪ እውን ከምኡ፣ ነቶም ንማሕበራዊ ርክባት ቤተ-ክርስትያን ዝድግፉ ብዙሓት ሰባት እትውክል ወለንተኛ ኣሊስያ ብወገና እውን ዘካፈልቶ ምስክርነት ሰምዑ። ነፍሲ ወከፎም ምሳልያዊ ውህበት ከም እተቐበሉ መስከሩሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ማድሪድ ብዘካየድዎ ዘለዉ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከም እተሓጐሱ እውን ገለጹሎም፣ ነቲ ብፁዕ ካርዲናል ኮቦ፣ "ኣብ ማድሪድ ዘሎ ዘበለ ኻብ ማድሪድ እዩ" ብምባል እተዛረቦ ቃል ጠቒሶም እውን፣ "ስለዚ ኣነ እውን ከም ካልእ ማድሪለናዊ ዀይነ፣ ኣብ ማእከልኩም እየ ዘለኹ" በሉ፣ ኣብታ ኸተማ ድማ፣ ከም ሓደ ኣባል ናይ "ዓብዪን ዘደንቕን ስድራ ቤት" ኮይኑ ከም ዝተሰምዖም ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ከተማ ማድሪድ ዝገብርዎ ዘለዉ ምብጻሕ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ከተማ ማድሪድ ዝገብርዎ ዘለዉ ምብጻሕ   (@Vatican Media)

ዋላ ሓደ ሰብ ተነጽሎ ዘይስምዓሉ ሥፍራ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ ዕዮ እዚ ማእከል ብምስትንታን፣ ሓድነት ብጭቡጥ መንገዲ ዝንበረሉ ሥፍራ ከም ምዃኑ ድማ ኣስፊሖም ገለጹ። "ኣብዛ ቤት እዚኣ ዋላ ሓደ ሰብ ተነጺሉ ኣይተርፍን እዩ" ድማ በሉ። "ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሓጐስን ሓዘንን ናይ ኵሉ ሰብ ዝካፈለሉ ስፍራ እዩ።”

እቲ ኣብዚ ተቕዋም ዝካየድ ዘሎ ዕዮ፣ ኣብነት እቲ ንገዛእ ርእሱ ምስቶም መከራ ምስ ዝወረዶ ዘሎ ዝልልለ፣ "ካብዚኣቶም ንዝነኣሰ" ሓደ ሠናይ ነገር ዝግበር ዘበለ፣ ንዕኡ ኸም ዝግበረሉ ዝመሃረን ክርስቶስ ከም ዝስዕብ ምዃኑ እውን ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም፣ ነቲ ኣብ እዋን እዚ ርክቦም ዝቐረበ መዝሙር ብምጥቃስ እውን፣ "ኣብ ኩሉ ሕልማታት፣ ብዛዕባኹም እሓስብ፣ ወላ ሓደ እኳ ኸንቱ ኮይኑ ኣይተርፍን ኢዩ" ዝብል ቃላትን፣ ነቲ ዝሰምዕዎ ምስክርነትን፣ ነቲ ኣብቲ ማእከል ዝካየድ መዓልታዊ ዕዮን፣ ኣሕጽር ኣቢሎም ከም ዝተገንዘብዎ እውን ገሊጾም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ እስጳኛ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ እስጳኛ   (@Vatican Media)

ዛንታታት ተስፋ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ወሲኾም፣ ብዛዕባ እቲ ኒዩርካን፡ ካድሪን፡ ኣሊስያን ዝገለጽዎ ዛንታታት ኣስተንተንተኑ።

ኒዩርካ ሳላ "ሕልምታታን ንእሽቶ ኽፉት ማዕጾን፣ ንእሽቶ ግን ከኣ ዓብዪ ምሕረት"፣ ንደቃ "ህይወት ናይ ኣደ፡ ፍቕራ ጸጋ ጥምቀት፡ ከምኡውን ዜሐጕስ መጻኢ ኸም ዝረኸበር ዚገልጽ ተስፋ" ኽትህቦም ከም ዝኸኣለት ኣመልከቱ።

ብተወሳኺውን ካድሪ በቲ "ጸልማት ዝኾነ መትረብ ለበዳን፣ ምጥርጣራት ዝመልኦን ጕዕዞ" ዝገበሮ ጕዕዞ ብምዝካር፣ ብሓገዝ ካልኦት ስራሕ ከም ዝረኸበን ተስፋ ከም ዘይቆረጸን እውን ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀጺሎም፣ ብዛዕባ ኣሊስያን ክሎም ወለንተይናታት እዚ ውጥን፣ ተስፋ ክዛረቡ ኸለዉ ደቂ ኣንስትዮ ከም ብሓድሽ ህይወት ንኽጅምራ፣ ክብረትን ናጽነትን ተስፋን ዳግም ንክረኽባ ንምሕጋዝ ዝገበርዎ ጻዕርታት ኣጕልሑ።

እቲ ኣብ እዋን ኣኼባ እተዋህበ ህያባት እውን መልእኽቲ ሓዘል ከም ዝነበረ እውን ኣመልከቱሎም። እቲ ኣስማት ቈልዑ ዝሓዘ ሪባን፣ ንነፍሲ ወከፍ ልደት ወድሰብ ከም ዜሐጕስ ኩነት ዝገልጽ ክኸውን እንከሎ፣  እቲ መንበሪ ፍቓድ ከኣ ቃል ኪዳንን ቅንዕናን ኣቀባብላን እዩ ዘመልክት ዝንበረ። እቲ ሳእኒ ነቲ ሙሴ ኣብ ሆሬብ ምስ ኣምላኽ ዝገበሮ ምርኻብ ዜዘኻኽር ኰይኑ፣ "ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ህይወት ከነኽብራ ዝግብኣና ቕድስቲ መሬት" እዩ ዜዘኻኽረና።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳ ልዮን መብል 14  ኣብ ማድሪድ ዘካየድዎ ዘለዉ ሓዋርያዊ ዑደት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳ ልዮን መብል 14 ኣብ ማድሪድ ዘካየድዎ ዘለዉ ሓዋርያዊ ዑደት   (@Vatican Media)

እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም፣ "እዋን በዓል ልደት"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም፣ ከተማ ማድሪድ በቲ ኣብ እዋን በዓል ልደት፣ ኣብ መላእ እታ ኸተማ ዝርአ ናይ ልደት ምርኢታት ኣጸቢቓ እትፍለጥ ምዃና እውን ገለጹ።

ምስ በዓል ልደት እተተሓሓዘ መብራህትን ድምጽን ጽምብላትን፣ ኣብ ምሉእ ዓመት ሰባት ኣብ ግብረ ሰናይ ኣብ ዝራኸቡሉ ቦታታት ከም ዝደጋግምዎ እውን ገለጹ።

ብዛዕባ እቲ ማእከል ብምጥቃስ ከአ፣ "ትራ ባህ ዜብልን 'ልደት'፣ ክብሉ ገሊጾምዎ ይርከቡ፣ እዚ ምርኢት እዚ ድማ፣ "ነቶም ሓገዝ ንምርካብ ናብ ኣፍ ደገ እቲ ማእከል ዝመጹ ሰባት፣ ንኢየሱስ መዓልቲ መዓልቲ ወይ ቃል ብቓሉ ለይትውን ከይተረ ክፉት ኢዩ" ብምባል ገለጽዎ።

ግብረ ሰናይ ምድንጓያት ኣየፍቅድን እዩ

እቲ ነዚ ሓዋርያዊ ጕዕዞ ቅዱስነቶም እተመርጸ ቅውም ሓሳብ፣ ካብቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ "ኣብ ዙርያኹም ጠምቱ" ዝበሎ ቃላት እተወስደ እዩ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከኣ፣ እዘን ቃላት እዚኣተን ንክርስትያን ምእመናን፣ ብዛዕባ እቲ ዓጺድ እተዳለወ ግራውቲ ኼስተንትኑን፣ "ግብረ ሠናይ ምድንጓያት ኣየፍቅድን ኢዩ" ንዝበሎ ዘዘኻኽርን ከም ዝዕድሞምን ገለጹ።

"እቲ ስርናይ ምስ በሰለ እንተ ዘይተዓጺዱ፣ እቲ ምህርቲ ይጠፍእ" ድማ በሉ፣ ኣስዕብ ኣቢሎም እውን ምስ ሓደ እተሸገረ፣ ሰብ ዝግበር ነፍሲ ወከፍ ምርኻብ፣ ንምፍቃርን ንምግልጋልን ፍሉይ ኣጋጣሚ ምዃኑ ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም፣ ነቲ ናይ ግብረ ሰናይ ኣገልግሎት ኣብ ህይወት ቤተ-ክርስትያን ዘለዎ ኣገዳስነት ዘንኪ ኣረኣእያ እውን ኣመልኪቶም ኣጠንቀቑ።

"ኣብ ውሽጢ እቲ ምንጪን፣ ኣብ ወንጌል ዘለዎን ኣብ ኵሉ ግዜን ቦታን ፍረ ዝፈሪ ዓብዪ ህሞት፣ ኣብ ህይወት ቤተ-ክርስትያን ክንጸንሕ እንተ ዄንና፣ ንድኻታት ዕሽሽ ክንብል ኣይንኽእልን ኢና" ድማ በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ማድሪድ እስጳኛ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ማድሪድ እስጳኛ   (@Vatican Media)

ንሰባት ኣብ የዒንቶም ምጥማት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ መወዳእታ መደረኦም፣ ብዛዕባ ኣገዳስነት ብሕታዊ ርክባት ኣስተንተኑ። ንትምህርትታት እቶም ዝሓለፉ በዓል ሠናይ ዝኽሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብምዝካር፣ ሰባት ብሓቂ ኣብ ኣዒንቲ እቶም ዝሕግዝዎም ክጥምቱን፣ ንክብሮም ኣፍልጦ ዝህቡን እንተ ዀይኖም ሓደ ሕቶ ኣቅረቡሎም።

"ምጽዋት ምስ ግብረ ሰናይ ሓደ ኣይኰነን" ብምባል፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ፍራንቸስኮ ዳግም ጠቒሶም፣ ነቲ ዘመሓላለፍዎ ኣገዳዲ ትምህርቲ ኣዘኻኸርዎም፣ እቶም ብሓቂ ዜፍቅሩ ሰባት፣ "ምጽዋት ካብ ምሃብ ንላዕሊ እዮም ዝገብሩ፣ ይሰምዑ ይሳተፉ፣ ንኣጸጋሚ ዅነታትን ምኽንያታቶምን ክርድኡን ክፈትሑን ድማ ይፍትኑ" በሉ።

ንማርያም ብሕድሪ ዝተወፈየ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ መደምደምታ መደረኦም፣ ነቶም ሰራሕተኛታትን ወለንተይናታትን ተገልገልትን እቲ ማእከል ናብ እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ሕድሪ ኣወፈይዎም።

መንፈስ ኣደነታ ንዕዮኦም ብቐጻሊ ኼነቓቕሖ ድማ ጽልዮም፣ "ኵሉ ሳዕ ከም ኣደ ምንጪ ምሕረት፡ ሕቝፊ ምሕረት፡ ሕቝፊ ተስፋ፡ ኣፍ ደገ ክብሪ ጌርና ኽንርእየኪ ምሃረና" ቢሎም ድማ መደረኦም ዛዘሙ።

ሓዋርያዊ ምብጻሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ እስጳኛ ማድሪድ
07 Jun 2026, 17:12