ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፡ ተልእኾ ቅዱስቲ ካብሪኒ ሓልዮ ንስደተይናታት ሎሚ እውን ህጹጽ እዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ትውልዲ ቦታ ቅድስቲ ፍራንሲስ ኻቪየር ካብሪኒ ድሕሪ ዝገበርዎ ዑደት ንቅዱስ ልቢ ዘለዋ ተወፋይነት ብምዝካር ንስደተይናታት ዝነበረቶ ኣገልግሎት ኣብ ናይ ሎሚ ዓለም ንቤተክርስትያን ኣብነት ኮይኑ ይቕጽል ከምዘሎ የጒልሑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 20 ሰነ ኣብ ዓዲ ሓንቲ ካብቶም ውሩያት ልኡካነ ወንጌል ቤተ-ክርስትያን ዝኾነት ቅድስቲ ፍራንሲስ ኻቪየር ካብሪኒ ድሕሪ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ዑደት፡ ዕለት 21 ስአነ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ ነዛ ቅድስቲ ደጊሞም ብምዝካር ንህይወታን ውርሻኣን ንሓደ ካብቲ ኣብ ዘመናዊት ዓለም ዘሎ ወሳኒ ብድሆታት ንምፍታሕ ከም ኣብነት የቕርብዋ።

ፍራንቸስካ ካብሪኒ ንኣትላንቲክ ውቅያኖስ ሰጊራ ኣብ መወዳእታ ኸኣ ናብ ቺካጎ ዝወስዳ ናይ ተልእኾ ወንጌል ህይወት ቅድሚ ምጅማራ ኣብ 1850 ኣብ ከተማ ፓቪያ ከም እተወለደትን፡ ኣብ 1946 ቤተ ክርስቲያን ቅድስቲ ቢላ ከም ዝኣወጀታን ናይ መጀመርታ ቅድስቲ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ንምዃን ዝበቐዓት ጸኒሓ ድማ ቤተ ክርስቲያን ቅድስቲ ጠበቓ ስደተይንታት ዝብል መጸውዕ ከም ዝሃበታ ከም ዘዘኻኸሩ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን ኣብ ቤተ - ክርስትያን ቅዱስ ኣንቶንዮ ኣባተ ከምኡውን ቅድስቲ ፍራንቸስካ ካብሪኒ ቅርያት ኣብ ዝርከበሉ ድሕሪ ዝመርሕዎ ስርዓት ስግደት ቅዱስ ቍርባን ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ፡ "ንእናቴ ቅድስቲ ካብሪኒ ክብሪ ክህብ እየ ዝመጻእኩ - ቢሎም - ነቶም ኣብ ቤተ-ክርስትያን ተኣኪቦም ዝነበሩ ምእመናንን ኣብቲ ኸባቢ ዘለዉ ሰበ - ስልጣን በርገሳውያንን ሃይማኖታውን እንተኮላይ ናይ ሰበኻ ሎዲ ጳጳስ ማውሪዚዮ ማልቬስቲቲ ሰላምታ ኣቕሪቦም ከም ዘስመሩሉ ይሕብር።

ምስ ቺካጎ ዘለዋ ምትእስሳር

ቅድስት ካብሪኒ ናይ መወዳእታ ዓመታት ህይወታ ኣብታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 እተወልዱላን ዝዓበዩላን ከተማ ቺካጎ ከም ዘሕለፈቶን፡ ነዚ ምትእስሳር እዚ ብምዝካር ንህዝቢ ሳንት ኣንጀሎ ሎዲጂያኖ ስለቲ ዝገበሩሎም ምዉቕ ኣቀባብላ ኣመስጊኖም፣ እታ ኣብቲ ኸባቢ እትርከብ ቤተ-ክርስትያን ወትሩ ንተካኢ ጴጥሮስ ዘርኣየቶ ዓሚቝ ፍቕሪ ድማ ንኢዶም፡ ቅድስቲ ካብሪኒ መንእሰይ ኣባል ማሕበር ሰብ ውፉይ ህይወት ብሕይወታ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ብቅዱስ ፍራንቸስኮ ኻቭየር ተደሪኻ ኣብ ቻይና ልእኽቲ ወንጌል ኰይና ከተገልግል ትደሊ ከም ዝነበረትን ይኹን እምበር ብዛዕባ ናይ መጻኢ ልኡካነ ወንጌል ኣሓት ቅዱስ ልቢ ዘኢየሱስ ብዝብል መጸውዕ ማሕበር ዝመስረተት ካብሪኒ ካብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 13 መምርሒ ምስ ሓተተት እቲ መልሲ ናብ ምብራቕ ዘይኮነ "ናብ ምዕራብ ዓለም ወንጌላዊት ኮይንኪ ክትከይድ ዝብል መምርሒ ከም ዝሃብዋን፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ኢጣልያውያን ኣብ ወጻኢ ሃገር ብፍላይ ከኣ ኣብ ኣመሪካ ዝሓሸ መጻኢ ኺረኽቡ ተሰዲዶም ከም ዝነበሩን ዝዝከር ኮይኑ፡ ብር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 13ን በቲ ካልእ ዓብዪ ሃዋርያ ስደተይናታት ዝዀነ ቅዱስ ጆቫኒ ባቲስታ ስካላብሪኒን ተተባቢዓ ኣብዚ ምንቅስቓስ ህዝብታት እዚ ዘተኮረ ሓዋርያዊ ኣግልግሎት ከም ዝሃበት የዘኻኽር።

ምልክታት ዘመን ምንባብ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነዚ ውሳነ እዚ "ምልክት ዘመን" ዘንበበ ዓሚቝ ኣብነት ምዃኑ ገሊጾም፡ ካብሪኒ ልኡካነ ወንጌል ባህጋ ኣብቲ ፈለማ ዝሓሰበቶ ዘይኰነስ ኣብቲ ዝያዳ ዜድልይ ቦታ ኺፍጸም ከም ዘለዎ ተረዲኣ ንትእዛዝ ልዮን መበል 13 ኣኽቢራ ናብቲ ህሉው ኵነታት ኣቓልቦኣ ብምቕያር ስደት ካብቲ ኣብ ግዜ ካብሪኒ ዝነበረ ኣዝዩ እተሓላለኸ ማሕበራዊ ክስተት እኳ እንተኾነ፡ ስደት ሓደ ካብቲ ንሕብረተሰብን ቤተ-ክርስትያንን ዜጋጥም ዘሎ ኣዝዩ ህጹጽ ክውንነት ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ብምዝኽኻር፡ "እናቴ ፍራንሲስ ሎሚ ብህይወት እንተ ትነብር ነይራ ወንጌላዊ ልኡክነት መንፈሳ እንታይ ምበለና? ልቢ ክርስቶስ ንልባ እንታይ ምበለ? ዝብል ሕቶ ኣቕሪቦም፡ ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ እቲ መልሲ ኣብቲ ንዅሉ መዳያት ህይወት ካብሪኒ ዘነቓቕሐ መንፈሳዊ ምንጪ ማለት ኣብ ቅዱስ ልቢ እተገልጸ ፍቕሪ ክርስቶስ ዝርከብ ምዃኑ ኣብሪሆም፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ Dilexit nos – ኣፍቀረነ  ብዝብል ኣረእእስቲ ዝለገስዎ ናይ መወዳእታ ዓዋዲ መልእኽቶም፡ ነቲ ኣብ ልቢ ኢየሱስ እተገልጸ ሰብኣውን መለኮታውን ፍቕሪ ዝተወፈየ ምንባሩ እውን ብምዝኽካር፡ እዚ ተወፋይነት እዚ ነቲ ፍሉይ ናይ ተልእኾ ወንጌል ንጥፈታት ካብሪኒ ዝመርሖ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ኣስተብሂሎም፡ እቲ ማእለያ ዘይብሉ ጕዕዞኣ ኣብያተ ትምህቲ ኣባይቲ ሕክምና መእለዪ  ዘኽታማትን ትካላት ግብረ ሰናይን ማሕበራዊ ዕዮ ጥራይ ዘይኰነስ ምስ ፍቕሪ ክርስቶስ ዓሚቝ ርክብ ከም ዘለዋ ዜርኢ መግለጺ እውን ምንባሩ የስተብህሉ።

ልቢ ኢየሱስ

እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣነ ኣፍቀርኩከ - Dilexi te ብዝብል ኣርእስቲ ዝለገዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን ንምስክርነት ካብሪኒ ኣብ ጐድኒ ምስክርነት ቅዱስ ጆቫኒ ባቲስታ ስካላብሪኒ፡ “ንፍቕሪ ልቢ የሱስ "ዝዀነ ይኹን ዕዮ ዝኾነ ይኹን መሬት ዝኾነ ይኹን ቁስሊ ርሑቕ ኣይኮነን” ዝበለቶ ቃል ብምዝካር፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ጥቓ ኮዶይኖ ካብ ዝርከብ ቀዳማይ ቤት ማሕበር ደናግል ቅዱስ ልቢ ዘኢየሱስ ዝመጸ ናይ ቅድስቲ ካብሪኒ ቅሪት ልቢ ፊት ተረኺቦም፡ እቲ ንሳ ዝተቐበለቶ መንፈሳዊ ውህበት ኣብዚ ማሕበራዊ ምክፍፋልን ሓድሽ ዓይነት ድኽነትን ዝመልኦ መዋእል ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሮም፡ "ንኣገልግሎት ስደተይናታት እተወፈየ ውህበት ተልእኾ ወንጌል ንላዕሊ ዝያዳ ኣገዳስነት ዘለዎ እንታይ ኣሎ?" ዝብል ሕቶ እውን ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ጻውዒት ንመንእሰያት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ናይ ሓደ መዓልቲ ሓዋርያዊ ዑደቶም ንመንእሰያት እውን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ንቅድስቲ ካብሪኒን መንፍሳውነታን ዳግማይ ክረኽቡ ፍሉይ ጻውዒት ብምቕራብ እቶም ታሪኻ ዳግማይ ዝረኽብዎ በታ ጸሎትን ግብርን ብዘደነቕ መገዲ ዘጣመረት ጓል ቤተ ክርስቲያን ክማረኹ ከም ዝኽእሉ ዘለዎም ርግጸይናነት ኣካፊሎም፡ ካብሪኒ ኣብ ጸሎት ሱር ሰዲዳ ኣብ ፍቕሪ ክርስቶስ ስለ ዝጠሓለት ዜደንቕ ናይ ኣገልግሎትን ጽንዓትን ክእለት ኣማዕበለት፡ ህይወታ በቲ ዝመስረተቶ ማሕበር ደናግል ኣቢላ "በቲ ዜበርትዓኒ ንዅሉ ኽገብር እኽእል እየ" ዚብል መንፈሳዊ መርሕ ቅዱስ ጳውሎስ ዜንጸባርቕ ምዃኑ ብኣጽንዖት ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ካብሪኒ ነባሪ ምስክር

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብቲ ኣብቲ ከባቢ ናብ እትርከብ ቤተ-ክርስትያን ሎዲ ብምቕናዕ ነቲ እታ ኣዝያ ውሩይትን ቅድስትን ኣባላ ዝኾነት ቅድስቲ ካብሪኒ ዘንጸባርቓ ሰናይ ተግባር ማለት ፍቕሪ ንክርስቶስ ቅንኣት ወንጌላውነት ንድኻታት ልግስን ንወንጌል ተኣማንነትን ከተንጸባርቕ ዘለዎም ተስፋ ብምግላጽ፡ ንምስክርነት ካብሪኒ ምስቲ ቤተ-ክርስትያን ንሲኖዶሳውነት ዘለዋ ተወፋይነት ኣተሓሒዞም ካቶሊካውያን ካብቲ ኣብ ማሕበረሰብ ክርስትያን ዘሎ እተፈላለየ ውህበታትን ኣገልግሎታትን ተጠቒሞም ብሓድነት ኪመላለሱ ኣተባብዖም። እቲ ኣብ 1880 ብካብሪኒ እተመስረተት ሕጂ ድማ ኣብ መላእ ዓለም ንጡፍ ዝዀነ ማሕበር ደናግል ልኡካነ ወንጌል ቅዱስ ልቢ ዘኢየሱ ብምዝካር፡ ብምልእታ ቤተ-ክርስትያን ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምግልጋል ከም ኣብነት ገይራ ክትርእዮ ተማሕጺኖም፡ ድሕሪ ልዕሊ ሚእቲ ዓመት ዕረፍቲ ቅድስቲ ካብሪኒ መልእኽታ ኣብዛ ገና ብስደትን ምጥርጣርን ሰብኣዊ ስቓይን ዝመልኣ ዓለም ቤተ-ክርስትያን እትህቦ ምላሽ ካብቲ ንሳ ዝገበረቶ ማለት በቲ ናይ ልቢ ክርስቶስ ዝቕይር ፍቕሪ ክጅምር ከም ዘለዎ ዘዘኻኽር እዩ እንክብሉ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

22 Jun 2026, 14:57