ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንርእሰ ብሔር ሪፓብሊክ ፐሩ ተቐቢሎም
ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ቫቲካን ምስ ርእሰ ብሔር ሪፓብሊክ ፐሩ፡ ጆሴ ማርያ ባልካዛር ዘላዳ ተራኺቦም።
እቲ ርእሰ ብሔር ድሕሪ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝገበሮ ርክብ፡ ምስ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊንን፡ ምስ ዋና ጸሓፊ ርክባት ምስ ሃገራትን፡ ኣህጉራዊ ውድባትን ሊቀ-ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገርን፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ተዘራሪቦም።
ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማኅተምን ቅድስቲ መንበር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ከም ዘመልክቶ፡ እቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ዝተኻየደ ዘተ "ልባዊ" ነይሩ፤ ብተወሳኺ ድማ "ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን፡ ሃገረ ፐሩን ዘሎ ጽቡቕ ርክብ ዕግበት ከም ዝተሰምዖምን፡ ነዚ ርክብ እዚ ንምድልዳል ድሌት ከም ዘሎን" ተገሊጹ።
እቲ መግለጺ ወሲኹ ከም ዝሓበሮ፡ ኣብቲ ዘተ ንኽልቲኦም ወገናት ዘገድሱ ሓባራዊ ጉዳያት፡ ማለት ማሕበረ-ቍጠባዊ ኩነታትን፡ ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ዕደናን፡ ሓባራዊ ረብሓን ዘተን ምድንፋዕን፡ ከምኡ’ውን ንማሕበራዊ ስኒት ዘሎ ተወፋይነት ኣተኩሮ ተዋሂብዎም።
ኣብ መወዳእታ፡ እቲ መግለጺ ከም ዝጠቐሶ፡ ኣብቲ ዞባውን፡ ኣህጉራውን፡ ማሕበረ-ፖለቲካውን ኩነታት፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ጉዳይ ስደትን፡ ውዱብ ገበንን፡ ከምኡ’ውን ሳዕቤናት ግጭታት ብዝምልከት ናይ ሓሳብ ምልውዋጥ ተገይሩ።
