ድለ

ር. ሊ. ጳ. ኣብ ፓቪያ፦ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ 'ናብ ውሽጥና ምምላስ ኣድላዪ ምዃኑ' የርእየና

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ናብታ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ እተቐብረላ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ዝበጽሑሉ፣ ብዛዕባ ኣሉታዊ ኣረኣእያን፣ ውሽጣዊ ባህርይን ኣመልኪቶም "ንምልክታት ናይ ግዜ ምንባብ" ዘለዎ ኣገዳስነትን ኣስተንቲኖም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 20 ሰነ ናብ ከተማ ፓቪያ ሰሜናዊ ኢጣልያ ጉስነታዊ ምብጻሕ ኣካየዶም፣ ናብታ ኣብ 8ይ ክፍለ ዘመን ቅዱስ ኣጐስጢኖስ እተቐብረላ ቤተ ክርስትያን ደብረ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘወርቃዊ ሰማይ (Basilica di San Pietro in Ciel d'Oro) እውን በጺሖም።

ኣብኡ ድማ ካብ ፓቪያን ካብ መላእ ክፍለ ሃገር ሎምባርዲያን ዝመጹ ካቶሊካውያን ምእመናንን ካህናትን ኣባላት ሰብ ውፉይ ሕይወትን ተመሃርቲ ዘርኣ ክህነትን ጳጳሳትን ተራኺቦም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ድሕሪ ሓጺር ጸሎትን ቅርስታት ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ድሕሪ ምስላምን፣ ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ቃለ ምዕዳን ኣካፈልዎም።

ካብ ኣሉታዊ ኣረኣእያ ምርሓቕ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ፣ እታ ኣብ ፓቪያ እትርከብ ቤተ-ክርስትያን፣ ሓንቲ ኻብተን "ጥንታዊ ትውፊት" ዘለወን እኳ እንተ ዀነት፣ "ንምልክታት ናይ ግዜ ከተንብብ" እትኽእል እያ በሉ።

እቶም ብተመሳሳሊ ውን እቶም ነዚ ህሉው እዋን ብዓይኒ ጥንታዊ እምነት ዝዕዘቡ ሰባት፣ በቲ ዜጋጥሞም ጸገማት "ተስፋ ንኸይቈርጹ" ዜኽእሎም "ዓሚቝ" ንባብ ክረኽቡ ይኽእሉ ኢዮም።

በዚ ምኽንያት እዚ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ፣ ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክመስልዎ ኣተባብዕዎም፣ ቅዱስነቶም ወሲኾም ድማ "ኣብ ማእከል ጸገምን ዘይምርድዳእን" መለኮታዊ ሓልዮት ኣብቶም ከም ኣዕዋፍን ዕምባባታትን ዝኣመሰሉ ተራ ፍጥረታት ኪዓዪ ኸሎ ክንርኢ ንኽእል ኢና ክብሉ ተላበውዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ኣብ ፓቪያ
ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ኣብ ፓቪያ   (@VATICAN MEDIA)

ሓደስቲ ተቕዋማት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብተን ኣብ ከተማ ፓቪያ ዝርከባ ኣብያተ ክርስትያን ዘጋጥሞም ዘሎ ብዙሕ "ህጹጽነትን ግድነታትን" ኣፍልጦ ሃቡሉ፣ እንተዀነ ግን ኵሉ ንጥፈታት "ናብ ማእከል" ማለት ናብ ክርስቶስ ምምላስ ኣድላዪ ምዃኑ ውን ኣጕልሑ። ብዘይ እዚ "እምኒ መኣዝን" እዚ ተግባራትና፣ "ፋሕ ዝበለን" ከምኡውን "ኣብ ገዛእ ርእስናን ኣብ ጻዕርናን ጥራይ ዘተኰረ" ክኸውን ከም ዝኽእል ኣጠንቀቑ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ እዚ ንዕዮ ቤተ-ክርስትያን ናብ መሰረታዊ መሰረቱ ናይ ምምላስ መስርሕ፣ "ንገለ ካብቲ ናይ ዝሓለፈ መዋቕርን ድሕንነትን ምሕዳግ" ማለት ክኸውን ይኽእል ኢዩ እውን በሉ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ነታ ኣብ ፓቪያ እትርከብ ቤተ-ክርስትያን፣ ኣብ ታሪኻ እቲ ዝበለጸ ነገር ኣኽቢራ ኽትርእዮ ኣተባብዕዋ – ከም ሥርዓት ኦራቶሪን፡ ኣብ ዞባ ሎምባርዲ ኣብ ማሕበረሰብ ናይቲ ከባቢ ኣገዳሲ ግደ ዝጻወቱ ዝለዉ ብቝምስና ዝመሓደት ማእከላት መንእሰያት – ኣብ ገለ እዋናት ከኣ ከም ሲኖዳውነት ዝኣመሰሉ ሓደስቲ ሓሳባት ኣብ ግብሪ ምውዓል ይቕጽሉ ከም ዝለዉ ኣመልከቱ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ፓቪያ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ፓቪያ   (@Vatican Media)

ቅዱስ ኣጐስጢኖስን "ኣገዳስነት ናብ ውሽጥኻ ምምላስን"

እቲ ኣብነቱ "ብኽቡር ብርሃን ዜንጸባርቕ" ዘሎ፣ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ኣብ መላእ እዚ መስርሕ እዚ መምርሒ ኪኸውን ከም ዚኽእል ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ገለጹ።

ቅዱስነቶም ወሲኾም፣ እቲ ኣብ ራብዓይ ክፍለ ዘመን ዝነበረ፣ ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ዝመጸ ቅዱስ፣ ልዕሊ ዅሉ "ዋጋን ቀዳምነትን ውሳጣውነትን" ክምህረና ኸም ዚኽእል እውን ሓሳባቶም ኣካፈሉ። "ካብ ውሳጣዊ ህይወትካ ናብ ወጻኢ ኣይትውጻእ" ክብሉ ድማ፣ ነቲ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ዘጸሓፎ፣ “እታ ሓቀይና እምነት” (De vera religione) ዘርእስታ ጽሕፍቲ ጠቒሶም። "ናብ ውሳጣዊ ነብስኻ ተመለስ። እታ ሓቂ ኣብ ውሽጣዊ ብኣውነትና ኢያ ትነብር" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ከም ዝገለጽዎ፣ እዚ መልእኽቲ እዚ ሎሚ ውን እንተኾነ ዓሚቝ ኣገዳስነት ኣለዎ፣ ኣብዛ ኣድማሳዊ ኣገዳስነት ዘለዋ ዓለም፣ "ንገዛእ ርእስና ንኸይነጥፍእ ናብ ውሽጥና ክንምለስን ... ከምኡውን ንህይወትና ዝመርሓ ትርጕም ንምድላይን ምርካብን" ይሕግዘና ኢዩ ክብሉ ቃለ ምዕዳኖም ዛዘሙ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ፓቪያ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ፓቪያ   (@Vatican Media)
ጉስነታዊ ምብጻሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ፓቪያ
22 Jun 2026, 16:08