ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፦ 'ኣምላኽ ኣዒንቱ ካባና ከርሕቕ ዚገብሮ ዝዀነ ይኹን ኵነታት የሎን!'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ "ቤት ማሕቡስ ብራያንስ 1" ኣብ ዝገብርዎ ዑደት፡ ንእሱራት ጌጋታት ህይወት ንመንነት ሓደ ሰብ ከምዘይገልጽ ብምዝኽኻር፡ ጐይታ ካብ ዝዀነ ይኹን ዝገበርናዮ ጽቡቕን ክፉእን ብዚበልጽ ፍቕሩ ኻብ ምርኣይ ከቶ ኸም ዘየቋርጽ የጒልሑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

"ንነፍስወከፍኩም፡ ኣምላኽ ልክዕ ከም ዘለኹምዎ የፍቅረኩም እዩ፡ ግን ከኣ ዝያዳ ዝሓሽኩም ክትኮኑ ድማ ይሓልመኩም! ጐይታ ንኹላትና ከም ብሓድሽ ክንጅምር ይፈቅደልና እዩ፡ ምኽንያቱ ሰብ ምዃንን ክርስትያን ምዃንን ማለት ፈጺምና ዘይንጋገ ማለት ኣይኮነን፡ እንታይ ደኣ ኣብ ምልዋጥ፡ ንስሓ፡ ምእራም፡ ልዕሊ ዅሉ ድማ ኣብ ምትዕራቕን ይቕረ ናይ ምግባርን ክእለት ምዕባይ ማለት እዩ” እዚ ድማ ኩሉ ግዜ ዘሰንየናን ዘጸናንዓናን ሓቂ እዩ!” ቅዱስ ኣቦና ነዚ ዝበሉ ዕለት 10 ሰነ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ማእከል ቤት ማሕቡስ ብራያንስ 1 ምብጻሕ ኣካይዶም ምስ እሱራት ተራኺቦም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን እዩ። ብተወሳኺ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ እቲ ምሕረት ዝመልኦ ፍቕሩ ኩሉ ግዜ ካብቲ ዝገበርናዮ ብጽቡቕ ይኹን ብሕማቕ ከም ዝበልጽ ብምዝኽካር፡ "ነፍሲ ወከፍ ወዲ ሰብ፡ ብእግዚኣብሔር ፍቓድ፡ ዝተፈጥረን ዝተፈቐረን ብምዃኑ ጥራይ 'ብቑዕ' እዩ። ስለዚ እግዚኣብሄር ኣጠማምታኡ ካባና ክመልስ ዝገብር ኩነታት ፈጺሙ የሎን" እንክብሉ ብኣጽንዖት ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናብቲ ኩሉ ግዜ ዘፍቅረካ ኣዒንትኻ ኣልዕል

"ነፍሲ ወከፍ ወዲ ሰብ፡ ብእግዚኣብሔር ፍቓድ፡ ዝተፈጥረን ዝተፈቐረን ብምዃኑ ጥራይ 'ብቑዕ' እዩ። ስለዚ እግዚኣብሄር ኣጠማምታኡ ካባና ክመልስ ዝገብር ኩነታት ፈጺሙ የሎን" እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ብፍላይ ነቶም ካብ ዝፈትውዎም ሰባት ርሒቖም ናይ ምህላው ጾር ተሰኪሞም ዘለዉን ብሰንኪ ህሉው ኩነታቶም ዝሳቐዩ ዘለዉን ዝምልከት ምዃኑ ብምምልካት፡ "ትሕት ዝበለካ ዀይኑ ኺስምዓካን ክትቕጽል ዘይግብኣካ ዀይኑ ኺስምዓካን ዝድርኽ ፈተናታት ከጋጥም እንከሎ ናብቲ ንዅሉ ሰብ ፍቕሩን ቅርበቱን ካብ ምርኣይ ዘየቋርጽ ኣምላኽ ኣዒንትኹም ኣልዕሉ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ጭንቀትን ሓዘንን ከየውድቐካ

ጭንቀትን ጓህን ንገለ ህሞታት ጉዕዞኻ ዝሕብር እኳ እንተኾነ፡ ጌጋታት ህይወት ንመንነት ሓደ ሰብ ከምዘይገልጽ ኣይትረስዑ . . . ቅዱስ ኣውጉስጢኖስ ኣብ ኑዛዜታት ዘርእስቱ መንፍሳዊ ሰነዳቱ ጐይታ ናይ ህይወት ጕዕዞኡ ምሳና ከም ክካፈል ከም ዝመጸ ብምዝኽካር ብዛዕባ እዚ እዩ ዝዛረብ። "ኣብ መለኮታዊ ጸጋ ተኣሚንና ብእኡ ክንምራሕን ክንልወጥን እንተፈቒድና፡ ሕሉፍ ንመጻኢ ከመይ ጌሩ ከም ዘይኹንን እንታይ ደኣ ከምቲ ዓቢ ቅዱስ (ኣጎስጢኖስ) ዝበሎ ኣብ ህይወትና ዝቐጽል ውሳነታትናን ምርጫታትናን ናይ ምቕያር ተኽእሎ እዩ ዘቕርበልና። በዚ ድማ ንጐይታ ኣብ ልቦም ቦታ ክገብሩን ገጹ ክደልዩን ዓዲሞም፡ "ፍቕሩ ክመርሓና ንፍቀደሉ። ኣብቲ ብቐጻሊ ተስፋ ክንገብር ዝዕድመና ንጣበቕ። ምኽንያቱ ንሱ፡ ዝኾነ ኣካላዊ ዕንቅፋት ከይበጽሓና ክዓግተና ዘይክእል ድንቂ ኣድማስ የርእየና እዩ” እንክብሉ ኣረጋጊጾም፡ ሎሚ እውን ጐይታ ኣብ መንጎና ከም ዝነብር ንኽንፈልጥ ይሕግዘና ብዕምቆት ንሕልናና ይዛረብ ከምዘሎ” ድማ ከም ዘስተብሃሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዕድል ክንህቦ ይጽበየና

ዕድል ክንህቦ ጥራይ እዩ ዝጽበ ዘሎ . . . በዚ ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን "ሕልሚ ኣምላኽ ክትሓልሙን ከም ብሓድሽ ከጀምረናን ክትፈቕድሉ እዕድመኩም ኣለኹ” እንክብሉ በዚ ዘጸናንዕ ቃል እዚ ነቶም እሱራት ብፍሉይ መንገዲ ንኣደኣዊ ኣማላድነት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣወኪፎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ብምሃብ ዝገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

11 Jun 2026, 16:26