ር.ሊ.ጳ. ብሞት ሞዛምቢካዊ ጳጳስ ሲቶራ ኣፎንሶ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 “ነቲ ኣብ ሞዛምቢክ ኣብ ልዕሊ ናይ ሰበኻ ኲሊማነን ጳጳስን ሓዋርያዊ ሓዋርያዊ መስተናብር ሰበኻ ቤይራን ኣቡነ ኦሶሪዮ ሲቶራ ኣፎንሶ ዝተፈጸመ ከቢድ ዓመጽ ዘሕደረሎም መሪር ሓዘን ገሊጾም፡ “ኣብዚ ከቢድ ናይ ሓዘን እዋን እዚ” ምስ ህዝቢ ሃገረ ስብከታትን ሞዛምቢክን ዘለዎም ቅርበት ገሊጾም ብጸሎቶም እውን ከም ዝጽንበሩ ኣረጋጊጾም፣ ጐይታ ምጽንናዕ ክህቦም፣ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ፍቕሩ ከጽንዖምን፣ ኢድ ዓማጽያን ክዓግትን ልቦን ክልውጥን እጽልዩ” ከም ዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።
መርመራ ይካየድ ኣሎ
ጳጳስ ሲቶራ ኣፎንሶ ዕለት 6 ሰነ ንግሆ ኣብ ኲሊማነ ኣብ ዝርከብ መንበረ ጵጵስናኦም ኣብ ኣፍልቦብ ብጥይት ተሃሪሞም ሞይቶም ከም እተረኽቡ ዝሓበረ ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ቫቲካን፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት መርመራ ገበን ነቲ ገበን ዝፈጸመ መንነት ንምልላይ እውን ናይ መርመራ መዝገብ ከም ዝኸፈተን ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኩነታት እቲ ቅትለት ይኹን መንነት ተሓተትቲ ብዝምልከት ዝተረጋገጸ ዝርዝር ሓበሬታ ከም ዘይተውሃብ የመላኽት።
“ዶን ኦሶሪዮ” ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ጉዳይ ስብከተ ወንጌል
ብብዙሓት ኣፍቃሪ ኩሉ ተባሂሎም ዝፍለጡ “ዶን ኦሶሪዮ” ተባሂሎም ዝጽውዑ ጳጳስ ካብ 2017 ክሳብ 2023 ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ጉዳይ ስብከተ ወንጌል፣ ክፍሊ ቀዳመይቲ ስብከተ ወንጌልን ሓደስቲ ፍሉያት ኣብያተ ክርስቲያናትን በዓል መዚ ኮይኖም ከም ዘገልገሉን፣ ጳጳስ ተሰምዮም ናብ ሞዛምቢ ምስ ተመልሱ እውን ምስቲ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ዝነበሮም ጥቡቕ ርክብ ከም ዝዓቀቡ
ናይ ፊደስ ዜና ኣገልግሎት ዜና ቫቲካን ናይ ቀረባ ተሓባባሪ ከም ዝነበሩን፡ ክሳብ ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ጥራይ ብዛዕባ ህይወት ናይቲ ከባቢ ቤተክርስትያንን ነታ ሃገር ዝጸሉ ከቢድ ኩነታት ዓመጽን ግጭትን ሓበሬታ የካፍሉ ከም ዝነበሩ ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ይሕብር።
ካብ መንግስቲ መልእኽቲ ጽንዓት ይሃብኩም
ናይ ሞዛምቢክ ርእሰ ብሔር ዳኒኤል ፍራንሲስኮ ቻፖ እውን ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን ከም ዝገለጸን ኣብ መልእኽቱ እውን “ሞት ጳጳስ ኦሶርዮ ንሕብረተሰብ ሞዛምቢክን ንማሕበረሰብ ክርስትያንን ዘይዕረ ክሳራ ዝውክል እዩ” እንክብል ብምግላጽ፡ ነቲ ናይቶም ጳጳስ ትሕትና፣ ጒስነታዊ ተወፋይነትን ክብርታት ሰላምን ዕርቅን ንምድንፋዕ ዘለዎ ተወፋይነትን ከም ዘጉለሐ ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ኣፍሊጡ።
