ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሞንትሴራት፡ ጽልኢ ንሰላም ቦታ ምእንቲ ክህብ ፍቕሪ ኣዕብዩ!
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ረቡዕ ዕለት 10 ሰነ ኣብ ገዳም እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘሞንትሴራት - ካብ ባርቸሎና ኣስታት ሓደ ሰዓት ብመኪና ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ገዳም – ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ቅድስቲ ድንግል ማርያም ከመይ ጌራ ናብቲ ፍቕሩ ነቲ ኣብ ልብና ክነብር ዝኽእል ዓመጽ ክፈትሖ ዝኽእል ክርስቶስ ከም እተመልክት መሪሖም ብሓባር ድሕሪ ዘቕረብዎ ጸሎት መቕጸርያ ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ኣጒሊሖም፡ “ንማርያም ንግስቲ ሰላም፡ ንጐዳኢ ቃላት፡ ብሃውሪ ምፍራድ፡ ሕሜታን ጸለመን ክንክሕድ ክትምህረና ንሕተታ። ኣብ ውሽጢ ስድራና፡ ኣብ መንጎ ፈተውቲ፡ ኣብ ስራሕ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ኣብ ፖለቲካዊ ክትዓትን ኣብ ክርስትያናዊ ማሕበረሰባትን እውን፡ ጽልኢ ንተስፋን ሰላምን ቦታ ምእንቲ ክህብ፡ ፍቕሪ ክንሕብሕባን ከነማዕብላን ኣኽቢርና ክንርእያ ንመሃር” ከምዝ በሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
መበል ሓደ ሺሕ ዓመት ዘቝጽር ዘሎ ገዳም
እቲ ገዳም ኣብቲ ዞባ ኣገዳሲ መንፈሳዊ ማእከል ዝኾነ ኣብ መበል 12 ዘመን ድማ ምስሊ እታ ሓላዊት ቅድስቲ ካታሎንያ ዝዀነት ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘሞንትሴራት ዝሓዘ እዩ። ኣብ እተፈላለየ ታሪኻዊ እዋናት ብእተፈላለዩ መልክዕ ስነ ሕንጻ ዝቘመ ኮይኑ ገለ ኻብቲ ጥንታዊ ኽፋላት እቲ ገዳም ከኣ ካብ መበል 12 ዘመን ኣትሒዙ ዝነበረ ኮይኑ ብበነዲክታውያን ፈለስቲ ዝመሓደር ኣብ 2025 ዓ.ም. ዝኽሪ መበል 1000 ዓመት ምስረታዉ ከም ዘኽበረ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብ ገዳም ምስ በጽሑ ነቶም ኣብ ኣጸድ ቤተ ክርስትያን ተኣኪቦም ዝነበሩ ምመናን ሰላምታ ከም እተለዋወጡን። ድሕሪኡ ናብ ቤተ ክርስትያን ቅድሚ ምእታዎም ብናይ ሳንት ፈሊዩ ደ ሎብሬጋት ጳጳስ ኻቪየር ጎሜዝ ጋርስያ ከምኡውን ኣበ ምኔት ገዳም ሞንትሴራት ኣባ ማነል ጋሽ ኢ ሁሪዮስ ኣቀባብላ ምስ ተገብረሎምን ኣስታት 7,000 ሰባት ኣብቲ ናይቲ ገዳም ባዚሊካን ኣብ ወጻኢ ከባቢ እቲ ባዚሊካ ከም እተሳተፉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ኣብኡ ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መስቀል ተሳሊሞምን ንምእመናን ማይ ጸሎት ነጺጎም ኣብ ፊት ቅዱስ ቁርባን ሓጺር ናይ ግሊ ጸሎት ኣቕሪቦም ምስ ኣብቅዑ ካብ ጳጳስ ኻቢየር ጎመስ ጋርሲያን ካብ ኣበ ምኔት ሁሪዮስ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መደረ ምስ ተሰምዐ ጸሎት መቑጸሪያ ከም ዝመርሑ ኣፍሊጡ።
ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ናብ ዓሚቝ ምልዋጥ ትድርኸና
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ድሕሪ ጸሎተ መቝጸርያ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፡ ንዅሎም እቶም ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ምእመናን ንዝገበሩሎም ኣቀባብላ ኣመስጊኖም “ኣብ እግሪ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘሞንትሴራት መጺኦም ኵሉ ነገራቶም ድማ ንዓኣ ኣሕሊፎም ክህቡን ኣገልግሎት ተኻታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ቤተ ክርስቲያንን ኣብዛ ፍትሕን ሰላምን እትጭድር ዘላ ዓለም” እትገብርዎ ተልእኾን ሕጉሳት እያቶም። ኣደ ኣምላኽ ቅድስቲ ማርያም ዘሞንትሴራት ኣብ ምሉእ ዘመናት ዝተዘርግሐ ማእለያ ዘይብሉ ዛንታታት ውፉይነትን ምስጋናን ተስፋን ክነግረና ይኽእል - ቢሎም - ቅድስት ድንግል ማርያም ከመይ ጌራ ናይ ሓደ ሰብ ዝኸበረ ስምዒት ከም እተበራብርን “ናብ ዓሚቝ ምልዋጥ ከም እትድርኸናን” ኣስሚሮም፡ ከም ምስ ቅዱስ ኢግናጽዮስ ዘ ሎዮላ፣ ኣብ ገዳም ሞንትሴራት ንሓንቲ ለይቲ ብጸሎት ድሕሪ ምሕላፉ፣ “ናይ ፈረሰይና ቅልጽሙ ከውርድ” ከም ዝወሰነ ዘኪሮም፡ ነዚ ብዝምልከት ማርያም ንክርስቶስን ፍቕሩን ክስዕቦ ዝሃበትና ዕድመ ተቐቢልና ዝብለና ንግበር” እንክብሉ ኣተባቢዖም። “እዘን ኣብ ቃና ዘገሊላ ማርያም ዝተዛረበትን ቃላት ንክርስትያናዊ ናብራ ሓቀይና መምርሒ ዝሓዛ እየን፣ ምኽንያቱ ማርያም ናብ ክርስቶስ ትመርሓናን ድምጹ ክንሰምዕ፣ ቃሉ ክንእዘዝን ንኽልወጠና ክንፈቅድን ትምህረና። “ማርያም ‘ዝብለኩም ኩሉ ግበሩ ’ ክትብለና ከላ ፡ ነቲ ዝተዓረቐ ልብና ንትምህርቲ ወንጌል ክንከፍቶ ትዕድመና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ልብና ዘትርር ዕጥቂ ኣብ እግሪ ድንግል ማርያን ነውርድ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት “ኢየሱስ ናይ ምሕረት፣ ናይ ዕርቂ፣ ሓቅን ልውሃትን መንገዲ የርእየና” እንክብሉ ኣጽኒዖም፣ ብፍላይ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ዓለምናን ዝምድናታትናን ክነብር ዝኽእል ግርጭት ብዝምልከት።
ኢየሱስ “ነቲ ኣብ ቃላትናን ኣተሓሳስባናን ክሕብሕብ ዝኽእል ዓመጽ የቃልዕ፡ ዘዋርድ ነቐፌታ: ዘጥፍእ ውግዘትን ዝፈላልይ ዓመጽን ኵሉ። እቲ ሕቡእ ዓመጽ መብዛሕትኡ ግዜ ከም ሓደ ዓይነት ዕጥቂ ጌሩ ክሽፍን ይኽእል እዩ ፣ እዚ ድማ ንቁስልናን ንፍርሕናን ነቲ ብሰንኪ ዘይፍትሓዊ መከራን ንምክልኻል እንጥቀመሉ እዩ።”
ኣብ ቅድሚ እቲ ንትኢየሱስ “ከም ረዳኢ ዘይብሉ ህጻን ኣብ ሕቝፋ ዝዓረፈ” ተሰኪማ ንሓድሕድና ክንፋቐር እትዕድመና ኣዴና ቅድስተ ማርያም ዘሞንትሴራት “ሎሚ እቲ በብቑሩብ ልብና ዘትረረ ዕጥቂ ኣብ እግራ ነራግፍ . . . እቲ ኣብ ሑቕፋ ዘሎ ህጻን ዕጥቂ ዘይብሉ፣ ድሒሩ ኣብ መስቀል ዕርቃኑ ወጺኡ፣ ዘይተዓጠቐን ዕጥቂ ብዘፍትሕን ሓይሊ ፍቕሪ ንኸድሕነና ንርእሱ ምሉእ ብምሉእ ናብ ኣቦ ኣሕሊፉ ዝህብ ንሱ ክኸውን እዩ” እንክብሉ ኣጒሊሖም፡ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘሞንትሴራት ቅዱስ ምስሊ ኣብ የማናይ ኢዳ ምስሊ ዓለም ከም ዝሓዘት እናሓሰቡ፣ እዚ ድማ ምልክት ናይቲ ንመላእ ዓለም ዘለዋ ሓልዮት ኣደ ዝገልጽ እዩ።
"ሓደ ሰብ ከይግለልን ሓድነት ካብ ኩሉ ምፍልላይ ክሕይልን ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ክንላለ ትዕድመና።
ኣዒንትና ናብ ማርያም ኣልዒልና ብኣጽዋር ኣምላኽ ጥራይ ክንዕጠቕ ክትሕግዘና ንለምና” ቢሎም ኣብ ቅድሚ ምስሊ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ሓጺር ናይ ግሊ ጸሎት ብምቕራብ ዝለገስዎ ስብከት ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ብድሕሪ’ዚ’ውን ናብቲ ኣብ ማእከል ባዚሊካ ዝርከብ ሰገነት ብምኻድ ነቶም ኣብ ደገ ዝተኣከቡ ምእመናን ሰላምታ ኣቕሪቦም ቡራኬ ምስ ሃቡ፡ "ስለ እቲ ጽቡቕ መግለጺ እምነት የቐንየልና። ኩላትና ከም ሓንቲ ስድራቤት ተጠርኒፍና፡ ብኣዴና ቅድስቲ ማርያም ዘሞንትሴራት ተሓቛቚፍና ኣሎና። እዚ ኣብዚ ቅንያት እዚ ዘጋጥመና ዘሎ ሓጎስን ኒሕን ዓሚቝ ስምዒት እምነትን፡ ፈለማ ኣብ ማድሪድ፡ ሕጂ ኣብ ባርቸሎናን ካታሎንያን፡ ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ኣብ ደሴታት ካናሪ። ኩላ ስጳይና ብእምነት ዝተመልአት እያ፡ ብፍቕሪ፡ በዚ ድሌት እዚ ንኣምላኽ ንምውዳስን ንምምስጋንን ሓድነት ንምምስካርን ብባህጊ ዝመልአት እያ - ቢሎም - ካታሎንያ ካብ ካልኦት ሃገራት ዝመጹ ብዙሓት ሰባት ተቐባሊት ብምዃና የቐንየልና፡ ምኽንያቱ ንኹሉ ከም ሓደ ስድራቤት ከመይ ጌርካ ከም እተራኽቦ ዘርኢ እዩ - ነቶም መነኮሳትን ንኹሎም ኣብ ገዳም እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘሞንትሴራት ክጽልዩ ዝመጹን ኩሎም ከም ዘመስገኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
