ር. ሊ. ጳ. ምእትንቲ እቶም ብሞት ውሉዶም ዝሓዘኑ ወለዲ ጸልዮም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ንናይ 2026 ዓ.ም. ናብ ጉባኤ ጳጳሳት ዓዲ እንግሊዝን ዌልስን ስኮትላንድን ኣይርላንድን ንመዓልቲ ህይወት ንምጽምባል ኣብ ዘመሓላለፉሎም መልእኽቲ፣ ነቶም ብሞት ውሉዶም ህጻን ዝሓዘኑ ወለዲ ጸሎትን መንፈሳዊ ቅርበቶምን ኣወፈዩሎም።
እዚ መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብጸሓፊ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ ምንበር ብፁዕ ካርዲናል ፒትሮ ፓሮሊን፣ ቀቅድሚ እቲ ብዕለት 21 ሰነ ዝካየድ ዓመታዊ በዓል፣ ናብ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ጆን ሸሪንግተን ኣብ ዘመሓላለፍዎ ደብዳበ እዩ ዝቐረበ።
ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን፣ ኣብ ክንዲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ "ቅዱስነቶም ብዛዕባ እቲ ኣብ ማሕጸን ዘሎ ምሉእ ሰብኣውነት፣ ዘተኰረ ናይዚ ጉባኤኹም ፍረ ነገር ምስ ሰምዑ ብዙሕ ተሓጒሶም እዮም" ክብሉ ውን ኣመልከቱሎም።
"ነፍሲ ወከፍ ሰብ ካብ ጽንሲ ኣትሒዙ፣ ብህላወኡ ብፍቓድ ኣምላኽ ስለ ዝፈጠሮን ስለ ዘፍቀሮን ጥራይ ደረት ዘይብሉ ኽብሪ ኣለዎ" ድማ ይብል እቲ መልእኽቲ፣ ነቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዘዳለውዎ “ግሩም ሰብኣውነት” ዘርእስቱ ዓውዲ መልእኽቶም ድማ ይጠቕሱ። እዚ መለኮታዊ ፍቕሪ እዚ ንነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ህይወት ትርጕም ከም ዚህቦን፣ ናብ "ሓድሽ ምልኣት ኣብ ዘለኣለማዊነት" መገዲ ኸም ዝኸፍትን ድማ ይገልጹ።
ንሓዘንተይናታት ወለዲ ምጽንናዕ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ መልእኾም፣ ብፍላይ ነቶም ብሞት ውሉዶም ዝሓዘኑ ወለዲ ብጸሎት ከም ዝድግፍዎምን ዘለዎም ቅርበትን ኣረጋገጹሎም፣ እቶም ጾር ሓዘን ዝጾሩ ሰባት፣ ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ ክርስትና ደገፍ ክረኽቡ ተስፋ ከም ዝገበሩ እውን ገለጹ።
"እዞም ወለዲ እዚኣቶም፣ ኣብ ማሕበረሰብ ቤተ-ክርስትያን ብፍላይ ከኣ ኣብቲ ብጸሎትን ብቅዱስ ቁርባንን ዝምገብ ህይወት፣ ዜድልዮም ደገፍ ክረኽቡ ተስፋ እገብር" ክብሉ እውን ጸሓፉ።
ንውህበት ህይወት ምምስካር
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መልእኽቶም ኣብ ምዝዛም፣ ንዅሎም እቶም በቲ ናይ ህይወት መዓልቲ ዝተወ ገብረ ተበግሶ ኣቢሎም፣ ክብሪ ህይወት ደቂ ሰባት ኣብ ምድንፋዕን ምክልኻልን እተሳተፉ ሰባት ምስጋናኦም ገሊጾም፣ ንዅሎም ተሳተፍቲ ድማ ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ኣካፈልዎም።
ኣብ ዓዲ እንግሊዝን ዌልስን ስኮትላንድን ኣይርላንድን ብጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት እትኽበር መዓልቲ ህይወት፣ ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንምድንፋዕን፣ ነቶም ኣብ ኵሉ ደረጃ ህይወት ኣጸጋሚ ዅነታት ንዜጋጥሞም ደገፍ ንምሃብን ንምትብባዕን ዝቖመት ዕለት ኢያ።
