ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ምስ መራሔ መንግስቲ ስጳይና ፔድሮ ሳንቸዝ ተራኺቦም
ናይ ስጳይና መራሔ መንግስቲ ፔድሮ ሳንቸዝ ቅድሚ ንግሆ ምብጻሕ ኣብ ሕዝባዊ ባይቶ ስጳይና ዕለት 8 ሰነ ንግሆ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ክሌኣዊ ክርክብ ከም ዘካየደ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ኣባላት ህዝባዊ ባይቶ ስጳይና ንምርኻብ ናብቲ ናይታ ሃገር ህዝባዊ ባይቶ ሕንጻ፡ ንጉሆ ዕለት 8 ሰነ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ዑደቶም ኣብ ማድሪድ ቅድሚ ምኻዶም፡ ምስ መራሔ መንግስቲ ስጳይና ፔድሮ ሳንቸዝ ክሌኣዊ ርክብ ከም ዘካየዱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።
09 Jun 2026, 15:53
