ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ሃገረ ቫቲካን ብሰላም ኣትዮም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
“ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብንጉስ ስጳይና ዝተዳለወት ነፋሪት ናብ ሮማ ከም እተመለሱን እዛ ነፋሪት ብኣቆጻጽራ እታ ሃገር ከባቢ ሰዓት 18፡00 ድሕሪ ቐአትሪ ነቒላ ብኣቆጻጽራ ሮማ ድማ ኣስታት ሰዓት 23፡05 ምሸት ሮማ ኣብ ዝርከብ ፊውሚቺኖ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ከም ዝኣተወትን ሰራሕተይናታት ቅድስቲ መንበርን ብናይ ጳጳስ ነፋሪት ዝጓዓዙ ንቕዱስነቶም ኣብዚ ሓዋርያዊ ዑደት እዚ ዘሰነዩ ናይ ዝተፈላለያ ማዕከን ሓበሬታ ጋዜጠይናታትን ንበይኖን ብኢቤርያ መገዲ ኣየር ብዝተዳለወት ነፋሪት ናብ ሮማ ከም እተመልሱ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ከምቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ምዝዛም ቅዱሰንቶም ንጋዜጠይናታት ዝህብዎ መግለጺ ከካይዱ ከም ዘይከኣሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።
ተራእዩ ዘይፈልጥ መወዳእታ ናይ ጳጳሳዊ ጉዕዞ
ብኸምዚ ድማ እዩ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ምዕባለ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንራብዓይ ኣህጉራዊ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ኣብ ሰሜናዊ መዓርፎ ነፈርቲ ተነሪፍ (ሎስ ሮዲዮስ) ብምብጻሕ ነቲ ናብ ማድሪድ፣ ባርቸሎና፣ ላስ ፓልማስ ደ ግራን ካናርያን ተነሪፍን ዝወሰደ ናይ ሰሙን ዑደት ይዛዝሙ።
እቲ ምብጋስ ብሰንኪ ኣብ ሞተር ናይታ ኢቤርያ ኤርባስ ኤ320 ዝነበረ ቴክኒካዊ ጸገም ንዝተወሰነ ግዜ ተደናጒዩ ድሕሪ ምጽናሕ ናይ ስፓይና ንጉስ ፊሊፐ ብዘዳለውሎም ነፋሪት ልክዕ ሰዓት 18፡09 ነቒላ ልክዕ ሰዓት 23፡05 ሮማ ኣብ ዝርከብ ፊውሚቺኖ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ከም ዝኣተወትን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ይሕብር።
ስነ-ስርዓት ስንብታ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብኣቆጻጽራ እታ ሃገር ከባቢ ሰዓት 15፡45 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ምስ በጽሑ፡ ንጉስ ስጳይና ፊሊፐ ሻድሻይን ሓያሎ ሰበስልጣን እቲ ከባቢን ወከልቲ ናይቲ ከባቢ ቤተክርስትያንን ኣቀባብላ ምስ ገበሩሎም ናይ ሃገረ ቫቲካንን ስጳይናን ሃገራዊ መዛሙር ምስ ተሰምዐ ንናይ ክልቲኤን ሃገርት ሰንደቕ ዕላማ ክቡር ዘበዐይና ንኽብሮም ድሕሪ ዘቕረቦ ሰላምታ ምስ ንጉስ ፊሊፐን ናይቲ ከባቢ ሰበስልጣናትን ሰላምታ ተልወዋዊጦም ከም እተፋነዉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።
