ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንሓዋርያዊ ዑደት ኣብ ስጳይና ኣትዮም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ሰዓት 10፡12 ደቓይቕ ኣብ ማድሪድ ከም ዝኣተዉን፡ ኣብ ማዐርፎ ነፈርቲ ብንጉስን ንግስትን ስጳይንናን ናይ መንግስትን ሃይማኖትን ምእመናንን ኣቀባብላ ከም እተገበረሎም ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ድሕሪ 15 ዓመት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክት መበል 14 ዘካየድዎ ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ስጳይና ሓዋርያዊ ዑደት ንኸካይዱ ዕለት 6 ሰነ ሰዓት 10፡12 ደቓይቕ ማድሪድ ኣብ ዝርከብ ባራሃስ ኣዶልፎ ስዋረዝ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ምስ ኣተዉ ንጉስ ፈሊፐ ሻድሻይን ንግስቲ ለቲዝያን መራሔ መግንስቲ ስጳይና ፔድሮ ሳንቸዝ ኣቀባብላ ከም ዝገበሩሎምን ኣብዚ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ስነ ስርዓት እዚ እውን ኣብ ስጳይና ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ፒየሮ ፒፖ ከምኡውን ኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ስጳይና ሊቀ ጳጳሳት ሉዊስ ኻቭየር ኣርጉዌሎ ጋርስያ ከም ዝሓበሩን ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ ዝርከብ ኣዳራሽ መቐበል ዓበይቲ ኣጋይሽ ምስ ንጉሳውያን ስድራ ቤት ሓጺር ክሌኣዊ ርክብ ከም ዘካየዱን ኣብኡ ድማ ናይ ስጳይና ሰንደቕ ዕላማ ብዝተቐነቱ ህጻናት ድሙቕ ኣቀብላ ከም እተገበረሎምን ካብቶም ህጻናት ዝቐረበሎም ናይ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ምስሊ ዝርከቦ ዝተፈላለዩ ገጸ በረኸት ከም ዝቐረበሎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

06 Jun 2026, 18:11