ድለ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ መዘኻኸሪ ሕ.መ. ኣሜሪካን ኢራንን "ብሓቂ መፍትሒ ኲናት" ይኹን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ባዛዕባ ኲናት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኢራንን ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ስጳይና ዘካየድዎ ዑደትን ዝምልከቱ ኣርእስታት ሓዊሱ ካብ ጋዜጠይናታት ዝቐረበሎም ሕቶታት ኣማእኪሎም ሰፊሕ መግለጺ ከም ዝሃቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ሕንጻ ኣፈት ንዝተረኽቡ ናይ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ዝውክሉ ጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ መንጎ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኢራንን ዝተገብረ ናይ ምርድዳእ ስምምዕ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ናብ ስጳይና ዝገበርዎ ጉዕዞ፡ ‘ስደት’ ከምኡ’ውን ብዛዕባ ማሕበረሰብ ቅዱስ ፒዮስ ዓስራይን ዝምልከቱ ኣርእስታት የስተንትኑ።

ኲናት ኣሜሪካን ኢራንን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ብዛዕባ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ መንጎ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኢራንን ዝተገብረ ስምምዕ ምስ ተሓተቱ “እግዚኣብሔር ይመስገን እንተወሓደ እዚ ዓርቢ ብወግዒ ዝፈርምዎ መዘክር ኣሎ - ቢሎም - ገና ክቐውም ዘለዎም ሓያሎ ነጥብታት ክህልዉ እዮም፣ እንተኾነ ግን ኩሉ ግዜ ናብ ውግእ ካብ ምምላስ ዘተን ዝርርባት ምግባር ይሓይሽ። እቲ መዘኻኸሪ "ብሓቂ መፍትሒ ኲናት ክኸውን ይኽእል'ዩ፡ እቲ ኲናት ብሓቂ ተወዲኡ ንናይ ኩሉ ረብሓን ሰናይን ንቕድሚት ክንስጉም ኣሎና። ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ምውጋድ፡ ናይ ኩሉ ህዝብታት ሰናይን ረብሓን ምድላይ፡ ኣብዚ ግዜ'ዚ ተፈጢሩ ዘሎ ብቑጠባውን ማሕበራውን ደረጃ'ውን ንምፍታሕ ምውፋይ የድሊ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጉዕዞ ናብ ስጳይና

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ስጳይና ዝገበርዎ ጕዕዞ ብዝምልከት ካብቶም ጋዜጠይናታት ንዝቐረበሎም ሕቶታት ኣብ ዝሃብዎ መልሲ፡ "ኣብ ኵሉ ቦታታት ብዙሓት ሰባት ብውዕዉዕ ስምዒት ዝሃብዎ መልሲ” ኣጒሊሖም፡ "ነፍሲ ወከፍ ህሞት ብግቡእ እተዳለወ እዩ ነይሩ። እቶም ጳጳሳት ምስ ብዙሓት ምእመናንን ብዙሓት ወለንተይናታት ኣብ ኵሉ ቦታታት ነቲ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዘድሊ ዝገበርዎ ምድላዋት ዘደንቕ እዩ ነይሩ፡ ህዝቢ እውን "ኣዝዩ ሕጉስ ከም ዝነበረ ክምስክር እኽእል ከም ዝበሉን ኣስዒቦም፡

ሓደ ጋዜጠይና ንፖለቲካ ስጳይና ኣብዚ እዋን እዚ ብርቱዕ ግዜ እዩ ዝመስል እንክብል ንዘቕረበሎም ሕቶ፡ "ከምቲ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዘይገብሮ ኣብ ፖለቲካ ስጳይና እውን ጣልቃ ክኣቱ ድላየይ ኣይኮን፡ ኣብ ኩሉ ቦታ ንዝርርብን ዘተን ንሓድሕድና ክንሰምዕን ዝቐረበ ጻውዒት ንሓባራዊ ረብሓ፡ ስምምዕ ኣክንዲ ምግባር ወትሩ ንተቓወምቲ ምንቃፍን ምንሻውን ግቡእ ኣይኮነን” እንክብሉ ይገልጹ።

ስደትን 'ስደተይናታት ናብ ዝመጽሉ ምፍናይውን'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንጉዳይ ስደት ዝምልከት፣ እዚ ኣርእስቲ እዚ ኣብቲ ጉዕዞ ብፍላይ ኣብ ግራን ካናርያን ተነሪፍን ድሕሪ ምትግባር ውዕል ስደትን ዑቕባን ሕብረት ኤውሮጳ ብተደጋጋሚ ዝዛረበሉ ኣርእስቲ እዩ።

ቅዱስ ኣቦና ደጊሞም “ሰብ ክኽበር” ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ “ብዙሕ ግዜ እዞም ሰባት ካብ ሃገሮም ክወጹ ዝግደዱሉ ምኽንያታት ኣይንፈልጦን ኢና። ዓመጽ፡ ውግእ፡ ግርጭታት ዝኣመስሉ ንስደት ዝዳርጉ እያቶም። ስለዚ ድማ ‘ናብ ዝመጽሉ ምፍናው ናብ ዓዶም ምምላስ እናተባህለ፡ ካብቲ ጸገም ኣእዳውና ክንሓጽብ’ ጥራይ ምባል፡ እቲ ዝበለጸ ክርስትያናዊ መልሲ ኣይመስለንን። ብሓቂ ንሰባት ከነኽብር ኣሎና- ነቲ ጉዳያት ክንርኢ፡ ልዕሊ ኩሉ ድማ ሰብ ክቡር ብምዃኑ በዚ መሰረት እዚ እዩ ክእንገዱ ዘለዎ” እንክብሉ የተሓሳስቡ።

ምፍልላይ ኣብ ቤተ ክርስቲያን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ ጕዳይ ማሕበረሰብ ቅዱስ ፒዮስ ዓስራይ እውን ምስ ተሓተቱ፣ እዚ ድማ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ናይ ምፍልላይ ሓደጋ ክህሉ ይኽእል እዩ ዝብል መጠንቀቕታ እኳ እንተ ሃበት፡ ዕለት 1 ሓምለ ብዘይ ይኹንታ ር.ሊ.ጳጳሳት፡ ማሕበረሰብ ቅዱስ ፒዮስ ዓስራይ ነርባዕተ ካህናት ስነ ስርዓት ማዕርገ ጵጵስና ክፍጽመሎም ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ፡ እቲ ኣብ መንጎ ማሕበረሰብ ፒዮስ ዓስራን ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ዓንቀጸ እምነትን ርክባት ከም ዘሎ ገሊጾም - "'ማሕበረሰብ ፒዮስ ዓስራይ ነቲ ክገብሮ ሓሲብዎ ዘሎ ከይገብር ኣጽውዕ፡ እዚ ድማ ኣብ ቤተ - ክርስትያን ብሕብረት ክንነብር ንጽዓር' ንምባል ካልእ ጻውዒት ከነቕርብ ኢና እንሓስብ ዘሎና። እዚ ግን ምርጫኦም እዩ። እዚ ንዓታቶምን ንቤተክርስትያንን እንታይ ማለት ምዃኑ ክንግንዘብ ኣሎና። ርግጽ እዩ ኣብ መንጎ ክርስትያን ምክፍፋል ኵሉ ሳዕ ዘሳቒ ነጥቢ እዩ፡ እንተዀነ ግን ካብ እተፈላለየ ነጥብታት ካልኣይ ዋዕላ ቫቲካን ጀሚሮም ንገሊኡ መሰረታዊ ባእታታት ቤተ - ክርስትያን ምቕባል ኣይደልዩን እዮም። ከምዚ ዓይነት ምርጫ እንተ ገይሮም ዘሕዝን እዩ ዝኸውን፡ ግን ንቕድሚት ክንስጕም ኣሎና" ይብሉ።

በዓላትን መጻኢ መገሻታትን

ኣብ መወዳእታ መዓስ ናይ ሓጋይ ዕረፍቶም ክጅምሩን ብኸመይ ከም ዘሕልፍዎን ዝምልከት ንዝቐረበሎም ሕቶ፡ "ቁሩብ ዕረፍቲ፡ ብዙሕ ንባብ፡ ኣስተንትኖ፡ ንዝቕጽል ብምድላውን፡ ከሕልፍዎ ምዃኖም ሓቢሮም ስለዚህ ዋላ ኣብ ዕርፍቲ እውን እንተኾነ ኵሉ ግዜ ስራሕ ኣሎ . . . ር.ሊ.ጳ. ጳጳሳት ቀጺሎም ብዛዕባ ናብታ ንልዕሊ ዕስራ ዓመት ወንጌላዊ ልኡኽን ጳጳሳን ኮይኖም ናብ ዝነበሩላ ፐሩን ከምኡ እውን ናብ መክሲኮን መገሻ ክገብሩ መደብ እንተለዎም ምስ ተሓተቱ፡ “ክንርእዮ ኢና” እንክብሉ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

17 Jun 2026, 15:30