ር. ሊ. ጳጳሳት፦ ሓድነት ኣብ ብዙሕነት ብምጥቃም ሓጐስ ወንጌል መስክሩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ስታድዩም ሳንቲያጎ በርናቡ ምስ ማሕበረሰብ ምእመናን ርእሰ ሰበኻ ማድሪድ ኣብ ዝገበርዎ ርክብ፡ ካብ መላእ ማሕበረሰብ ምእመናን ርእሰ ሰበኻ ካብ ዝሃብዎ ምስክርነት ተመርኲሶም ብዛዕባ ጥምቀትን፡ ሲኖዶሳውነትን፡ ስብከተ ወንጌልን ኣስተምሂሮም።

ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ሰኑይ ምሸት ምስ ማሕበረሰብ ርእሰ ሰበኻ ማድሪድ ኣብ ዝተራኸቡሉ እዋን፡ ንካቶሊካውያን ምእመናን፡ ኣብታ ብቕልጡፍ እትልወጥ ዘላ ከተማ “ጩራ ተስፋ” ክዀኑ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

እዚ ርክብ እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ስጳኛ ኣብ ዝገበርዎ ዘለዉ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኢዩ ነይሩ፣ ድምጺ ብዙሓት ምእመናን ኣብታ ሃገር ናይ እትርከብ ቤተ-ክርስትያን ብግልጺ ተራእዩ።

ቅድሚ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘቕረብዎ ቃል፡ ተወከልቲ ማሕበረሰብ ርእሰ ሰበኻ ድማ፡ ነታ ኣብ ማድሪድ ዘላ ቤተ-ክርስትያን ዘንጸባርቕ ዝተፈላለየ ግላዊ ምስክርነት ኣቕሪቦም። ንሳቶም ከኣ፡ ሓደ ኣብ ሕይወት ቍምስና ካብ ዝሳተፉ ምእመናን፡ ሓደ ካብ ኣባላት ቤት ምኽሪ ምእመናን፡ ሓደ ካብ ካህናት ሰበኻ፡ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ዑቝባን ሓገዝን ዝረኸበት ስደተኛ ስድራቤትን፡ ከምኡውን ኣብዚ ቐረባ ጊዜ ዝተጠመቀ መንእሰይን ነይሮም።

እቲ ብዛዕባ እምነትን፡ ኣገልግሎትን፡ ኣስተንትኖን፡ ኣቀባብላን፡ ዘተን ዝገልጽ ዛንታታቶም ድማ፡ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ ኅብረትን፡ ስብከተ ወንጌልን፡ ሚስዮናዊ ጸዋዕታ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ዘመናዊ ሕብረተሰብን ዘረብዎ ቃል ዘንጸባርቕ ሕያው ዝኾነ ሃዋህው ፈጢሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ስታድዩም በርናቡ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ስታድዩም በርናቡ   (@Vatican Media)

መዝሙር እምነት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቶም ኣብቲ ስታድዩም ተኣኪቦም ዝነበሩ 80,000 ዝዀኑ ምእመናን ኣብ ዝሃብዎ ቃል፡ ነቲ ምሸት "ዓብዪ ናይ እምነት መዝሙር" ብምባል ክገልጽዎ እንከለዉ፡ ንሊቀ ጳጳሳት ማድሪድ ብፁዕ ካርዲናል ሆሴ ኮቦ ካኖ ድማ፡ ነቲ ምስሊ መዝሙርን ውህደትን፡ ንሕይወት ቤተ-ክርስትያን ንምርዳእ ብዝሕግዝ መገዲ ስለ ዘቕረብዎ ኣመስገኖም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ቍጽርታትን፡ ሓበሬታታትን፡ ጭብጥታትን ንበይኑ ማሕበረሰብ ንምህናጽ እኹል ኣይኰነን" ድሕሪ ምባል "ልብታትና ኺዝምር ክኽእል ኣለዎ” ክብሉ ገሊጾም።

ጥምቀት ናይ ለውጢ ሓይሊ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብፍላይ ነቲ ብዛዕባ እቲ ጥምቀት ናይ ለውጢ ሓይሊ ምዃኑ ዝመስከረ መንእሰይ ብምጥቃስ፡ እምነት ንሕይወት ውልቀ-ሰባት ጥራይ ዘይኰነ፡ ነቲ ውህበትን ተውህቦን ከመይ ምኻኖም እንርድኣሉ መገዲ እውን ከም ዚቕይሮ ጠቒሶም።

"እቲ ከም ብሕታዊ ውህበት ኰይኑ ዝወሃበካ ጸጋ፡ ንረብሓ ሓባራዊ ረብሓ ምዃኑ ውን ገሊጾም።”

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ስታድዩም በርናቡ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ስታድዩም በርናቡ   (@Vatican Media)

ሓድነት ኣብ ብዙሕነት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብዛዕባ ኣብ መንጎ ብዙሕነትን፡ ሕብረትን ዘሎ ምትእስሳር ንምግላጽ ካብታ  “ግሩም ሰብኣውነት” (Magnifica Humanitas)  እትብል ዓዋዲት መልእኽቶም ብምጥቃስ፡ ነህምያ ንመናድቕ ኢየሩሳሌም ንምሕናጽ ነቶም ሕዝቢ ብኸመይ ከም ዘወሃሃዶም መብርሂ ሂቦም።

ብተመሳሳሊ ድማ እቶም ሎሚ ዘለዉ ክርስትያን፡ ብምስማዕን፡ ዘተን፡ ብሲኖዶሳውነትን ኣቢሎም ንፍልልያት ናብ ምንጪ ሓድነት ክቕይርዎም ጽዉዓት ምዃኖም ኣዘኻኺሮም።  

እቲ ብድሆ ብፍላይ ኣብተን ከም ከተማ ማድሪድ ዝኣመሰላ ብዙሓት ባህልታትን ልምድታትን ተመክሮታትን ዝራኸቡለን ዓበይቲ ከተማታት ዓቢይ ምዃኑ ገሊጾም።  

በዚ ምኽንያት እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ንኵሎም ንካቶሊካውያን ምእመናን ነቲ ዘሎ ፈተናታት ክቓለስዎን፡ ናብቲ ሓድሽ ባህላዊ ዛንታታትን፡ ማሕበራዊ ክውንነታትን መልክዕ ዝሕዘሉ ናብ "ማእከል እታ ከተማ" ገጾም ክጐዓዙን ኣተባብዖም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ስታድዩም በርናቡ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ስታድዩም በርናቡ   (@Vatican Media)

ሕያውነት

ኣብዚ መዳይ እዚ ሕያውነት ኣገዳሲ መዳይ ክርስትያናዊ ምስክርነት ምዃኑ ኣጕሊሖም። ኣብቲ መብዛሕትኡ ጊዜ ምክፍፋልን፡ ምጥርጣርን፡ ጽምዋን ዝመልኦ ሕብረተ-ሰብ፡ ስብከተ ወንጌል ካብ ናይ ሓቂ ሰብኣዊ ርክብ እንተ ተፈልዩ ውጽኢታዊ ክኸውን ከም ዘይክእል ገሊጾም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብዛዕባ እቲ ኣብ ማድሪድ ዘሎ ሃብታም ብዙሕነት ብምስትንታን፡ ምሕረት ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ብዘይ ዝኾነ ኣፈላላይ ንዅሉ ከም ዝሓቝፍ ኣዘኻኺሮም።  ከምኡ እውን ተልእኾ ቤተ-ክርስትያን ነቲ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተገልጸ ኣድማሳዊ ጻውዒት ምልኣት ሕይወት ከም ዝርአ ምግባር ምዃኑ ገሊጾም።

ኣብቲ ምሸት ዝቐረበ ምስክርነት ናይ ዝሃቡ ስድራቤት ስደተኛታት ብምጥቃስ ድማ ብዙሓት ሰባት ብጽልኢ ወይ ብተስፋ ምቝራጽ እተቐርጸ ፍርሂ ሒዞም ናብ ክርስትያናዊ ማሕበረሰብ ከም ዝቐርቡ ገሊጾም።

"ሕያውነት ካብ ሒደት ሰባት እኳ እንተ መጸት፡ ንፍርሂ ብዙሓት ክትስዕሮ ትኽእል ኢያ" ኢሎም።

ጕስነታዊ ቤት ምኽሪ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ ግደ ናይ ቍምስናታትን፡ ናይ ሰበኻን ጕስነታዊ ቤት ምኽሪ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ድማ፡ ናብ ምምሕዳራዊ መዋቕር ጥራይ ከይድረቱ ኣጠንቂቖም።

ኣብ ክንዳኡ ምእመናን ንመንፈስ ቅዱስ ንምስማዕ ብሓባር ዚመሃሩሉን፡ ጐይታ ንቤተ-ክርስትያን ንዘመናዊ ብድሆታት ምላሽ ንኽትህብ ብኸመይ ከም ዚጽውዓ ዚፈልጡሉን፡ ፍሉይ ቦታ ምዃኑ ድማ ገሊጾም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ስታድዩም በርናቡ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ስታድዩም በርናቡ   (@Vatican Media)

ናይ ወንጌል ሙዚቃ!

ንካህናት ብቐጥታ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ድማ፡ ነቲ ናይ ሲኖዶሳዊ ናይ ምስትንታን ጕዕዞ፡ ኣብ ኣገልግሎቶም ከም ምንጪ ምሕዳስን ምጽንናዕን ገይሮም ክቕበልዎ፡ ብብርሃን ወንጌል ድማ ንምእመናን ብዛዕባ ሕብረተሰብኣውን፡ ባህላውን ለውጥታት መብርሂ ብምሃብ ክሕግዝዎም ኣተባቢዖም።

ኣብ መወዳእታ ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣቃልቦኦ ናብቶም ዓው ኢሎም ድምጾም ኣብ ዘዝስምዑ ዝነበሩ ሕዝቢ ብምግባር፡ እቲ ብኣባላት ቤት ምኽሪ ምእመናን ሰበኻ ዝቀረበ ምስክርነት፡ ብእምነትን ልግስን ሕያው ዝዀነት ቤተ-ክርስትያን ከም ዘንጸባርቕ ገሊጾም።

ኣብ መደምደምታ ዝሃብዎ ናይ ምትብባዕ ቃላት ከኣ፡ “እነሀት እታ ቤተ-ክርስትያን! (...) እንሆ እቲ ናይ ወንጌል ሙዚቃ!” ክብሉ ኣተባቢዖም።

“ንዅሉ ሰብ ከም ክፉት ቅዱስ መጽሓፍ ኩኑ፡” ቃል ኣምላኽ ኣብ ገጽኩምን ኣብ ሕይወትኩምን ከም ክንጸባቕ ይኹን። ፍቕሪ ንዅሉ ሰብ ከም ቤቱ ዀይኑ ኸም ዚስምዖ ዚገብር ቋንቋ ኢዩ።”

 

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን 14 ምስ ምእመናን ማድሪድ ዝገበርዎ ርክብ

 

10 Jun 2026, 13:49