ድለ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ‘ህቡእ ህርመት ናይ ፍቕሪ ልቢ’ ስምዑ

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ግራን ካናርያ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ካብ “ጭንቀት ናይ ሓደ ቦምባ ዝመስል፡ ኣብ ኩሉ ቦታታት ዝነብርን ዕረፍቲ ዘይብሉን ‘ኣነነት’ ከም ዘጠንቀቑን ነቶም ናብታ ደሴት ክበጽሑ ኣብ ጉዕዞ ባሕሪ ንስደት ህይወቶም ዝሰኣኑ ስደተይናታት ድማ ብፍሉይ ከም ዝዘከሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ሓሙስ ዕለት 11 ሰነ ምሸት ኣብ ስታድዩም ግራን ካናርያ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ብዛዕባ ፍቕሪ፣ ስቓይን ትሕትናን የስተንትኑ።
ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ኣፍሪቃ ቁሩብ ርሒቓ እትርከብ ስጳይናዊት ደሴት ግራን ካናርያ፡ ኣብ ኤውሮጳ ሓድሽ ህይወት ንዝደልዩ ስደተይናታት ቀንዲ መሰጋገሪ ቦታ እያ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት “እዛ ምድሪ እትምስክሮ መከራ” ክዝክሩ ከም ዝደልዩ ሓቢሮም፡ ነቶም ኣብቲ መስዋዕተ ቅዳሴ ንዝሓበሩ ኵሎም “ኣብ ባሕሪ ህይወቶም ዝሰኣኑ ኣሕዋትናን ኣሓትናን” ብሓባር ክጽልዩ ከም ዝዓደሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

'ስቓይ ንልቢ'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቲ ካብ መጽሓፍ ዘዳግም ዝተወስደን እግዚኣብሔር ንእስራኤላውያን “ቅድመ ኩነት” ዘለዎ ፍቕሪ ዝገልጽን ቀዳማይ ምንባብ ብምስትንታን፡ እዚ ፍቕሪ እዚ ይብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት “ንምሉእ ህላወና ዝሰፍሐ”፣ ከምኡ’ውን “ንነፍሲ ሓውን፣ ንኣእምሮ ብርሃን፣ ሰላም፣ ክትዓግቶ ዘይትኽእል ድርኺት ናብ ናጽነት . . . ስቓይ ንልቢ” እዩ። ኣብዚ “ቅድመ ኩነት ዘይብሉ” መለኮታዊ ፍቕሪ እዩ ናይ ገዛእ ርእስና ጸዋዕታ ንፍቕሪ ሱር ዝሰድድ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

መንፈሳዊ፡ ኣእምሮኣውን ኣካላውን ምዕባለ

ቀጺሎም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብ ቀዳመይቲ መልእኽቲ ዮሓንስ ዝተወስደ ናይ ዕለቱ ካልኣይ ንባብ ኣማእኪሎም፡ ብቃላት ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ነቶም ዝሳቐዩ ብኣደኣዊ ርህራሄ ክትሓቝፎም” ዝብል ዕድመ ዘቕርብ ምዃኑ ኣስተብሂሎም፡ ርህራሄና ግና ኣብ ንዋታዊ ሓገዝ ደው ክብል ዘይኮነስ፡ “መንፈሳዊ፡ ኣእምሮኣዊ፡ ኣካላውን” ምዕባለ ናይቶም ዝተጸገሙ ንምድንፋዕ ጻዕሪ ክፈጥር ኣለዎ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

እቲ 'ዕረፍቲ ዘይብሉ ኣነነት'

ዕለት 12 ሰነ ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱስ ልቢ ኢየሱስ ምዃኑ ድማ ብምዝኽካር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ መዛዘሚ ስብከቶም፡ ብዛዕባ ሓደ ፍሉይ ባህርይ ልቢ ክርስቶስ ማለት ትሕትና ከስተንትኑ ከም ዝደልዩ ገሊጾም፡ “ዘደንዝዝ ናይ ሓደ ቦምባ ብርቱዕ ደብዳብ ዝመስል፣ ኣብ ኩሉ ቦታታት ዝነብርን ርግኣት ዘይብሉን ‘ኣነነት’፣ ብዙሓት ሎሚ “ውሽጦም ጽን ክብሉ ዝድርኾም ስቕታ ክጎድሎም ይገብር  . . . እቲ ሕቡእን ህርመትን ልቢ ፍቕሪ ከይሰምዑ ዝገብር ምዃኑ ኣብሪሆም፡ ካብዚ ንኽርሕቕ ድማ ኢየሱስ እቲ መፍትሒ “ገዛእ ርእስና ኣብቲ ዝጥርንፈና መታን ክንርኢ ካብቲ ዝፈላልየና መሰረታት ትዕቢት ክንወርድ” ዝብል ምዃኑ የርእየና ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

12 Jun 2026, 16:19