ር. ሊ. ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ግራን ካናርያ ፦ "ሰብኣዊ ክብሪ ፓስፖርት የብሉን"
ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ትማሊ ሓሙስ ዕለት 11 ሰነ 2026 ኣብ ደቡባዊ ገማግም ግራን ካናርያ ኣብ ዝርከብን፡ ሓደ ካብቶም ናይ ኣውሮጳ ቀንዲ ምልክት ስደት ዝኾነ ወደብ ኣርጉይነጉይን (Arguineguín) ብምርካብ፡ ርሕራሐን፡ ሓላፍነትን፡ ምትሕግጋዝን ክህሉ ህጹጽ ጻውዒት ኣቕሪቦም። ንሶም "ሰብኣዊ ክብሪ ፓስፖርት የብሉን፤ ዶብ ምስ ተሳገረ ድማ ዋጋኡ ኣይቅንስን ኢዩ" ብምባል ድማ ኣስሚሮምሉ።
ኣብቲ ናብ ስጳኛ ዘካይድዎ ዘለዉ መበል 6 መዓልቲ ሓዋርያዊ ዑደቶም፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ምስቶም ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለም ሓደገኛ ዝኾነ ናይ ስደት መንገዲ ተጠቒሞም ዝመጹ ስደተኛታትን ንዓታቶም ዝረድኡን ዝቕበሉን ትካላትን ተራኺቦም።
እቲ ኣኼባ "ወደብ ሕፍረት" (Port of Shame) ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ቦታ ኢዩ ተኻይዱ። እዚ ቦታ እዚ ኣብ 2020 ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብ ዝተላዕለሉ እዋን፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ኣብ ውሑዳት መዓልታት ዝኣተዉሉ ኢዩ። ካብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ብምኽንያት ድኽነትን፡ ግጭትን፡ ምዝመዛን ዝሃድሙ ብዙሓት ስደተኛታት፡ ንኣውሮጳ ንምእታው ዝቐረበ ኣፍደገ ደሴታት ካናሪ ኢዩ። ነዚ ቦታ እዚ ንምብጻሕ ድማ ብኣትላንቲክ ውቅያኖስ ብውሕስነት ዘይብለን ናይ ዕንጨይቲ ጃላቡ ተጠቒሞም ሓደገኛ ጉዕዞ ይገብሩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቲ ወደብን ኣትላንቲክ ውቅያኖስን እናተዓዘቡ፡ ካብ ሓደ ካብ ባሕሪ ዘድሕን ሰራሕተኛን፡ ካብ ወለንተኛ ገባሪ ሠናይን፡ ካብ ሓንቲ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ-ሰባት ዝተጠቕዐት ሰብን፡ ካብ ሓንቲ ድሕሪ ብዙሕ መከራ ሕይወታ ዝሃነጸት ስደተኛ ነጋዲትን ዝቐረበ ምስክርነት ሰሚዖም።
“ወንጌል ግብራዊ ይኸውን”
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብዛዕባ እቲ ኣብ ማቴዎስ 25 ዝርከብ ናይ ወንጌል ክፍሊ ብምስትንታን፡ ቃል ኣምላኽ ኣብ ከም ኣርጉይነጉይን ዝበሉ ቦታታት ሥጋ ከም ዝለብስ ገሊጾም። ኣብዚ ቦታ እዚ ሰባት “ዳርጋ ኵሉ ነገር ተገፊፎም ኢዮም ዝመጹ፡ ግናኸ ከቶ ካብ ክብሮም ኣይተገፈፉን” ኢሎም።
“ኣብዚ ቦታ እዚ፡ ወንጌል ካብቲ ተዓዘብቲ ጥራይ ኴንና ዝጸናሕናሉ ጥዑም ኵነታት የውጽኣና እሞ፡ ሓደ ዝመጸ ሓው ወይ ሓንቲ ዝመጸት ሓብቲ፡ ኣብ ቅድሜና የቐምጠልና” ክብሉ ተዛሪቦም። ወሲኾም ድማ፡ “በረኻን፡ ጸልማትን፡ ባሕርን ተጻዊሮም፡ ብፍርሕን፡ ጥሜትን፡ ዓመጽን ተሰንዮም ኣብ ዝወርዱሉ እዋን፡ ንክርስቶስ ኣብኦም እንተለሊናዮ ይሓተና ኣሎ” ኢሎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ከም ተካኢ ቅዱስ ጴጥሮስ መጠን ዝገበሮ ‘ናይ ገፋፊ ዓሳ ቀለበት’ ትርጉም ብምዝካር፡ ክርስቶስ ንጴጥሮስ “ገፋፊ ሰብ” ክኸውን ዘቕረበሉ ጻውዒት ኣስተንቲኖምሉ።
“ኣብዚ ቦታ እዚ ሰባት ካብ ባሕሪ ይድሕኑ ኣለዉ፡ ሕይወት ዘይብሎም ሬሳታት ድማ ካብ ማይ ይወጹ ኣለዉ” ኢሎም። ብምኽንያት እዚ ድማ “ተካኢ ቅዱስ ጴጥሮስ ነዞም ወደባት ዕሽሽ ክብሎም ኣይክእልን ኢዩ። ቤተ-ክርስትያን ነዞም ማያት እዚኦም ዕሽሽ ክትብሎም ኣይትኽእልን ኢያ” ክብሉ’ውን ኣስሚሮምሉ።
ባሕርን "ኣራዊቱን"
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ነቲ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ዘሎ ምስልታት ብምጥቃስ፡ ባሕሪ፡ ሓደጋን ዕግርግርን ምስ ተስፋ ብሓባር ዝነብሩሉ ቦታ ምዃኑ ገሊጾም።
"ሎሚ እውን እንተኾነ፡ ኣብዞም ባሕርታት እዚኦም ኣራዊት ይሕብኡ ኣለዉ" ክብሉ ኣጠንቂቖም። እዚ ክብሉ ከለዉ ድማ፡ "ነቶም ካብ ተስፋ ምቑራጽ ዝረብሑ ናይ ገበን ጕጅለታትን፡ ንደቂ-ኣንስትዮን ሕጻናትን ባሮት ዝገብሩ ዘይሕጋውያን መሰጋገርትን፡ ከምኡ እውን እቶም ብሰንኪ ዕሽሽ ምባሎም፡ ንድኻታት ብምዝመዛ ወይ ብምርሳዕ ክውሓጡ ዝፈቅዱ ሰባት" ዝምልከት ኢዩ።
ይኹን እምበር፡ እምነት ብፍርሒ ክሰናኸል ከም ዘይብሉ ኣስሚሮምሉ። "ክርስቶስ ንባሕሪ ክሃድእ እንተኣዚዝዎ፡ ቤተ-ክርስትያን ድማ ብዛዕባ እቶም ኣብ ማያቱ ተደርብዮም ዘለዉ ስቕ ክትብል ኣይትኽእልን ኢያ" ኢሎም።
ኣሃዝ ዘይኮኑስ ገጻት
ኣብቲ ኣጋጣሚ ሓደ ፍልይ ዝበለ ነገር ዝነበረ ድማ፡ ልዕሊ 20,000 ሰባት ካብ ባሕሪ ንምድሓን ዝሓገዘ ካፕተን ቲቶ ቪላርሜያ ዘቕረቦ ምስክርነት ኢዩ ነይሩ።
ንሱ ሓደ እዋን ዘካየዶ ናይ ምድሓን ስራሕ ክዝክር ከሎ፡ ሓንቲ ብማዕዶ ወዲ ዝመስል ዓሰርተ ዓመት ዝዕድሚኡ ቆልዓ ዝሓዘት ሰበይቲ ከም ዘድሓኑ ገሊጹ። እቶም ስደተኛታት ኣብታ መርከብ ምድሓን ምስ ተሰቐሉ፡ እታ ኣደ ነቲ ቆልዓ መሊስዎ ዝነበረ ቆብዕን ጃኬትን ኣውጺኣ፡ ኣብ እዝኑ ናይ ወርቂ ኵትሻ ገበረትሉ። ለካ "ጓል እያ ነይራ" ዝበለ ቲቶ፡ ክልቲአን ድማ ኣምሪረን ከም ዝነብዓ ተዘክሮኡ ገሊጹ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ታሪኾም ዘካፈሉ ኣመስጊኖም፤ ነቶም ካብ ባሕሪ ዘድሕኑ ሰራሕተኛታትን፡ ወለንተኛታት ገበርቲ ሠናይን፡ ማሕበረሰብ ቁምስናታትን ድማ ንኢዶም። እቲ ምስክርነቶም "ስደተኛ 'ተወሳኺ ሓደ' ወይ ተራ ኣሃዝ ምዃኑ ዘብቅዓሉ" ምዃኑ ገሊጾም።
"ሽዑ ጥራይ ኢና እታ ንእሽቶ ጓል ከም ጓልና፡ እቶም ገጻት ድማ ከም ኣባላት ስድራቤትና ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ክንርዳእ ንኽእል" ኢሎም።
ብተወሳኺ፡ ኣብ እዋን ህጹጽ ኵነታት ስደት ንጥፈታት ቁምስና ዘወሃሃደት ማርያ ሬየስ ኣለማን ክሩዝ ዘቕረበቶ ምስክርነት ጠቒሶም። ንሳ ንሰባት ምስናይ መብዛሕትኡ ጊዜ ብቐለልቲ ነገራት ከም ዝጅምር ገሊጻ፦ ጫማ፡ ክዳን፡ ቡን ብምቕራብ ወይ ድማ ኣብ ጥቃኦም ምህላው ጥራይ ኢዩ።
"ምሕረት ብናእሽቱ ተግባራት ኢዩ ዝጅምር" ዝበሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ "ሸቶና ኵሉ ነገር ምፍታሕ ዘይኮነስ፡ ንኵሉ ነገር ኣብ ኢድ ኣምላኽ ምቕራብን፡ ሰባት ኣብ ዝሳቐዩሉ ቦታ ኣብ ጐድኖም ምህላውን ኢዩ" ኢሎም።
መልእኽቲ ንግዳያት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ-ሰባት
ሓደ ካብቲ ልቢ ዝትንክፍ ምስክርነት፡ ምእንቲ ድሕነታ ተባሂሉ ብስማ ዝተነበ ታሪኽ ብለሲንግ ዝተባህለት ናይ ናይጀርያዊት ዜጋ ኢዩ ነይሩ። ንሳ ንጾታዊ ምዝመዛ ተባሂላ ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝተሸጠት ግዳይ ኢያ።
ታሪኻ ክንገር ከሎ፡ ብሰንኪ ድኽነት ካልእ ኣማራጺ ስለዘይነበራ ዓዳ ሓዲጋ ከም ዝወጸት፡ ብግድን ምፍርራሕን ተዓሲባ ንባሕሪ ብዘሰቅቅ ኩነታት ከም ዝተሳገረት፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ናብ ስራሕ ምንዝርና ከም ዝተገደደት ገሊጻ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ድማ፡ ብቐጥታ ናብኣ ብምምልካት ናይ መጸናንዒ ቃል ኣመሓላሊፎም፦ "ካልኦት ኣብ ኣካልኪ ዋጋ እንተገይሮምሉ፡ ኣምላኽ ግን ነቲ ዘይትመን ዋጋኺ ምርኣይ ከቶ ከም ዘየቋረጸ ፍለጢ" ኢሎም።
"ካልኦት ከም ኣቕሓ እንተ ርእዮምኺ፡ ቤተ-ክርስትያን ሎሚ ንስኺ ጓልን ሓብትን ምዃንኪ፡ ንስኺ ባርኾት ምዃንኪ ክትነግረኪ ትደሊ" ኢሎም። ንግዳያት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ-ሰባ ድማ፡ ዋላ እኳ ዓመጽ እንተወረዶም ክብሮም ግን ከም ዘይተተንከፈ ኣረጋጊጾምሎም። "ሕይወትኩም ናይ ኣምላኽ ኢያ፤ ንሱ ድማ ማንም ክወስዶ ዘይክእል ክብሪ ሂቡኩም ኢዩ" ክብሉ ደጊሞም ገሊጾም።
ናብ ኣውሮጳን ዓለምን ዝቐረበ ጻውዒት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ቅድሚ ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ስደተኛ ከም ዝሰግዱ ብምግላጽ፡ "ንስኹም ተራ ኣሃዝ ወይ ፋይላት ኣይኮንኩምን። ንስኹም ስድራቤትን፡ ቤትን፡ ሓዲግኩም ዝመጻእኩም ሰባት ኢኹም። ማንም ሰብ ክንዕቆ ዘይግበኦ ሕልምታት ኣሎኩም" ክብሉ ብቐጥታ ተዛሪቦምዎም።
በቲ ካልእ ወገን ድማ፡ ካብቶም ካብ ተስፋ ምቑራጽ ሰባት ዝረብሑ፡ ዘይሕጋውንያ መሰጋገርትን፡ ገበነኛታትን ክጥንቀቁ ኣተሓሳሲቦም። ነቲ ዝህብዎም ሓሶት ተስፋታት ድማ "ናይ ሞት ኢንዱስትሪታት" ክብሉ ጸዊዖምዎም።
ጻውዒቶም ናብ መንግስታትን፡ ኣህጉራዊ ትካላትን ብምስፋሕ ድማ፡ ሓላፍነት ናይ ሓባር ክኸውን ከም ዘለዎ ኣስሚሮምሉ። እቲ ናይ ስደት ሓደጋ፡ እተን ናይ መበቆላውያን ሃገራት ሰላምን፡ ፍትሕን ልምዓትን ክፈጥራ፤ ሃገራት መሳገሪ ድማ ንድኹማት ሰባት ካብ ገበነኛታት ከዕቅባ፡ ኣውሮጳ ድማ “ማእከላይ ባሕርን፡ ኣትላንቲክ ውቕያኖስን ምልክት ዘይብሎም መቓብራት ክኾኑ" ከም ልሙድ ነገር ከይትወስዶ ጸዊዖም።
"ዝመጹ ሰባት ጥራይ ምምሕዳር፡ ኣሃዛት ምዝርጋሕ፡ ዶባት ምሕያል ወይ ድማ ድሕሪ ሞት ምሕዛን ጥራይ እኹል ኣይኮነን" ክብሉ’ውን ኣረጋጊጾም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 "ነፍሲ ወከፍ እትመጽእ ጃልባ ምስቶም ስደተኛታት ሕቶ ተምጽእ" ብምባል ኣጕልሖም። "ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ሕይወት ንምድላይ ኣብ ናይ ሞት ሓደጋ ዝኣትዉ እንተ ዀይኖም እንታይ ዓይነት ዓለም ኢና ሃኒጽና?" ክብሉ ዓባይ ሕቶ ኣቕሪቦም።
ናይ ስደት መሰል
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ንስደት ዝርኢ ፖሊሲ፡ ኣብ ምኽባር ሰብኣዊ ክብረት ዝተመስረተ ክኸውን ከም ዘለዎ ኣጕሊሖም። ሕጋውን ድሕንነትን ዘለዎ መገድታት ክህልዎ፡ ንግዳያት ንግዲ ደቂ-ሰባት ውጽኢታዊ ዝኾነ ዕቝባ ክወሃቦም፡ ኣህጉራዊ ምትሕብባር ኣንጻር ንግዲ ምስግጋር ደቂ-ሰባት ክህሉ፡ ከምኡውን ትርጕም ዘለዎ ናይ ምቕባልን፡ ምውህሃድን መስርሕ ክግበር ጻውዒት ኣቕሪቦም።
ዕቝባ ናይ ምድላይ መሰል ደጊሙ ከረጋግጽ ከሎ፡ ብዛዕባ እቲ መብዛሕትኡ ጊዜ ዝበሃል ዘሎ ካልእ መሰል እውን ተዛሪቦም፤ ንሱ ከኣ ንክትሃድም ናይ ዘይምግዳድ መሰል ኢዩ። ከምኡ ውን፡ ናብ ስደት ናይ ዘይምኻድ መሰል ኣሎ፣ "ካብ ጥሜትን፡ ውግእን፡ ስደትን፡ ብልሽውናን፡ ኣከባብያዊ ብከላን ናጻ ኰንካ ኣብ ዓድኻ ናይ ምንባር መሰል እውን ኣሎ” ክብሉ ገሊጾም።
"ካብ ሰብኣውነትና እንታይ ተሪፉ?
እቲ ርክብ ነቶም ባሕሪ ኺሰግሩ ከለዉ ዝሞቱ ሰባት ንምዝካር ዕምባባታት ብምንባርን፡ ብናይ ሓደ ደቅቕ ስቕታን ተዛዘሙ። ድሕሪኡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14: ኣብቲ ኣብ ጥቓኡ ዚርከብ ቤተ ክርስትያን ናይታ ረዳኢት ባሕረይናታት ዝኾነት እኖና እግዚእትነ ማርያም ናይ ጎቦ ቀርሜሎስ ብምኻድ፡ ካብ ዕንጨይቲ ጃልባ ስደተኛታት ዝተሰርሐ መስቀል ባሪኾም።
ቅድሚ ምኻዶም ድማ፡ ነቶም ኣብ ገምገም ባሕሪ ተኣኪቦም ዝነበሩ ወለንተኛታትን ስደተኛታትን ሰላምታኦም ብምቕራብ -
"ሎሚ ኣብዚ ገምገም ባሕሪ ዝበጽሐ ነፍሲ ወከፍ ውልቀ-ሰብ ካብ ሰብኣውነትና እንታይ ከም ዝተረፈ ይሓትተና ኢዩ። ውዒሉ ሓዲሩ ንሕይወት ዑቝባ ሂብና ዲና ወይስ ዕሽሽ ኢልና ኺፍለጥ ኢዩ" ኢሎም።
