ር.ሊ.ጳ. ልዮን ንጀርመናውያን ተማሃሮ ናብ "ኣምላኽ ዘማእከለ ህይወት" ክነብሩ ይባለዉ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
"ኩልኹም ነቲ እንኮ ጎይታን መምህርን ህይወት ዝኾነ ክርስቶስ ክትስዕቡ እንከለኹም፡ ኣብ ሕብረተሰብ ንዘሎ ካቶሊካዊ ክብርታት ከምቶም ወገናዊ ሰንደቕ ዕላማ ዝሓዙ ዘይኮነስ ከም ወከልቲ ሓባራዊ ረብሓ ደቂ ሰባት ትውክሉ - እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 5 ሰነ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንማሕበራት ተማሃሮ ካቶሊካውያን ጀርመን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣስሚሮም፡ ናይተን ማሕበራት ኣባላት ናብዚ ናብ ሮማ ንምምጻእ ዝወሰድዎ ውሳነ "በቲ ዝገልጸኩም ካቶሊካዊ እምነትን ከም ደቀ መዛሙርቲ ኢየሱስ ዘጣምረና ሓድነት በቲ እትገብርዎ ባህላዊ ንጥፈታትን ዝተደፋፍአ" ምዃኑ ድማ ኣብሪሆም፡ ጀርመናውያን ተማሃሮ ኣብ ካቶሊካዊ እምነቶምን ክብርታቶምን ክጸንዑ ሓደራ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይኣትው ካቶሊካዊ እምነት
"ኣብ ጀርመን፡ ኣብ ኢጣልያን ኣብ መላእ ዓለምን፡ ሓደ ዓይነት ካቶሊካዊ እምነት፡ ምስቲ ናይዚ እዋን ዝንባለታት ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከየእተወ፡ ንውልቃዊ ምርጫታት ካብቲ ናይ ሓባር ትውፊት ቤተክርስትያን ከይቀደመ፡ ምትሕብባርና የሐይሎ" እንክብሉ ነቶም ንፈለማ እዋን ካብ ጀርመን ወጻኢ ኣብ ሮማ ንዓመታዊ ሓፈሻዊ ዓውደ ጉባኤ ንዝርከቡ ሓለፍትን ወከልትን ማሕበራት ካቶሊካውያን ተማሃሮ ጀርመን ኣነጺሮም፡ ወንጌላዊ ባህሊ ከስፍሑ ተላብዮም፣ ናይ መናብርቲ ጥበብ ማሕበራቶም ብቐጻሊ ሓደስቲ መንእሰያት ኣብ ዝስሕባሉ እዋን ንፍቕርን ብቕዓትን ሓቀይና ክርስትያናዊ ዕርክነትን ትምስክሩ - ቢሎም ቀጺሎም ብዛዕባ ካቶሊካዊ መንነቶም እንከስተንትኑ፣ ንእምነት ዘለዎም ጽኑዕ ተወፋይነት ኣብቶም ንማሕበርካ ዝመርሑ ኣርባዕተ ሃይማኖትን ስነ ፍልጠትን ምሕዝነትን ሃገርን - religio, scientia, amicitia, and patria. ዝብሉ መትከላት ይንጸባረቕ: "ኣብ ቅድሚ እቲ ናይ ዝሓለፈ ምልካውነትን ርእየት ዓለምን፡ ካቶሊካዊ እምነት፡ ደጋዊ ወይ ምልክት ጥራይ ኮይኑ ኣይፈልጥን፡ እንታይ ደኣ ኣብ መናብርተ ጥበብ ናይ ስራሕን ምድላዋት ዝካፈል ኣገባብ ህይወት'ዩ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ብርሃን እምነት የብርህ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ናይ እደ ጥበብ ሰውራ ዘቕርቦ ብድሆታት ኣብ ዝገጥምሉ እዋን ኣብ መጽናዕትን ምትብባዕን ሓባራዊ ሰብእነትና ፍሉይ ቈላሕታ ክገብሩ ተማሕጺኖም። "ሰብ ከም ተባዕታይ ወይ ጓል ኣንስተይቲ ገይሩ ክገልጾ ዘይክእል መግለጺ ብሓቂ ዅሉ ሳዕ ዝምድናን ድሩትን ስለ ዝዀነ ንገዛእ ርእሱ ዕማም ንኻልኦት ውህበት ኪኸውን ዝተጸውዐ እዩ . . . ልክዕ ከም ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ብርሃን እምነት እውን ነቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ መብጽዓታትን ምትላልን ከም ዘብርሆ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ፍትሓውን ሰላማውን ሕብረተሰብ ንምህናጽ ዚከኣሎ ኺገብር ጻውዒት ዘቕርብ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ምስ እግዚኣብሔር ዝምድና ምምዕባልን ቅድስና ምንዳይን
ቅዱስ ኣቦና እቲ ትምህርትን መጽናዕትን ሞያ ምስዓብ ጥራይ ዘይኰነስ ጸዋዕታ ምስዓብ ማለት ምዃኑ ኣስተብሂሎም፡ "ንሰባት ብፍላይ ከኣ ንነኣሽቱን ድኻታትን ሕሙማትን ሰብኣውነት ዜጥፍእ ነገራት እናሃለወ ኽነሱ ናይ ክርስትያናዊ ሰብኣውነት መሰኻኽር ክትኰኑ እላበው። ደቂ ሰብ ኵሉ ሳዕ ንኣምላኽ እዮም ዚደልይዎ ንሱ ድማ ከም መድሓኒና ገይሩ ርእሱ ገሊጹልና እዩ . . . እምበኣር ብንጥፈታትና ዘይኰነስ ብልክዕ በቲ እንገብሮ ነገራት ኢና ምስ ኣምላኽ ርክብ ከነማዕብል እንኽእል፣ እዚ ኸኣ ናብ ቅድስና ዚመርሕ መገዲ እዩ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣምላኽ ማእከል ዝገበረ ህይወት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን "እወ ባህላዊ ተልእኾ ክርስትያን ንሕብረተሰብን ንታሪኽን ናብዚ ኣብ ኣምላኽ ዘተኰረ ህይወት ንምምራሕ እዩ" እንክብሉ ኣጕሊሖም፡ ኣብ መደምደምታ መደረኦም "ነዚ ጥበብ ወንጌል እዚ ኣብ ሕብረተሰብ ጀርመንን ኣውሮጳን ምስክር ምእንቲ ክትኮኑ" ነቲ ወንጌላዊ ተወላዲ ጀምር ቅዱስ ቦኒፋቾ አመዕቍበኩም” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
