2026.06.03 Udienza Generale 2026.06.03 Udienza Generale  (@Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ.፦ “ሥርዓተ ሊጡርጊያ ናብቲ ኣገዳሲ ዝኾነ ቍምነገር ክንምለስ ይመርሓና!”

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብዛዕባ እቲ ብ1963 እተኣወጀ ጉባእያዊ ቅዋም ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን፣ ብዛዕባ ሥርዓተ ኣምልኾ ዘስተምህር ሰነድ “ቅዱስ ጉባኤ” (Sacrosanctum Concilium) ኣመልኪቶም ኣብ ዘካፈልዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ኣገዳስነት ሥርዓተ ኣምልኾ ኣጕሊሖም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘካየድዎ ሓፈሻዊ ኣስተህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ነቲ ብዛዕባ ሰነዳት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘካየድዎ ዘለዉ ተኸታታሊ ትምህርትታት ብምቕጻል፣ ብዛዕባ ሥርዓታትን፡ ምልክታትን፡ ምሳሌታትን ሊጡርያ ብምግላጽ፣ ሥርዓተ ኣልኾ ደው ንኽንብልን ምስ ውሽጣዊ መንፈሳዊ ህይወትና ንኽንራኸብን ይሕግዘና ክብሉ ኣስተንተኑ።

ክቡራትን ክቡራንን ሰማዕትና፣ ካብዚ ብምቕጻል ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ቅዱስ ኣቦና ዘካፈልዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ነቕርበልኩም። ሰናይ ምክትታል!

ሥርዓታትን ምልክታትን ምሳሌታን

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን

ብዛዕባ ጉባእያዊ ቅዋም “ቅዱስ ጉባኤ” (Sacrosanctum Concilium) እንከካይዶ ዘሎና ትምህርተ ክርስቶስ ክንቅጽል ከሎ፣ ሓንሳእ ደው ኢልና ብዛዕባ ገለ መሰረታዊ ባእታታት ቅዱስ ሊጡርጊያ፣ ማለት ብዛዕባ ሥርዓታትን ምልክታትን ምሳሌታትን ከነስተንትን የድልየና ኢዩ።

ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብቲ ገዳሲ ዕዮ ብዛዕባ ምንቅስቓስ ሥርዓተ ሊጡርጊያ ተመርኲሱ ኣብ ሕልና እታ ቀዳመይቲ ቤተ-ክርስትያንን፣ ኣብ ትምህርትታት ኣበው ቤተክርስቲያንን ህያው ዝነበረ ሓቂ እንደገና ንኽንረክብ ሓጊዙና እዩ። ሥርዓታት ክርስትያናዊ ሊጡርጊያ ደጋዊ ሽፋን ናይ ቅዱሳት ምስጢራትን፣ እኽብካብ ናይ ብሃውሪ ዝግበር ጽምብላትን ዘይኰነስ፣ እቲ መለኮታዊ ውህበት ናባና ዝበጽሓሉ ናይ ቤተ-ክርስትያን መትረብ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን፣ ነቲ ኣብ ሥርዓተ ኣልኾ ብሥርዓታትን ብጸሎታትን ዚፍጸም ምስጢረ እምነት (Mysterium fidei) ክንርድኦ ይዕድመና (ቅዱስ ጉበኢአ 48)።

ሥርዓት ንሊጡርጊያዊ ተግባራትን ብኣኡ ኣቢሉን ንህይወትናን ቅርጺ ይህብ፣ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣቢልና ድማ፣ ንህላወ ኣምላኽ ከነስተማቕሮ ዜኽእለና መንፈሳዊ ስምዒት ይፈጥረልና። እዚ ክኸውን ዝኸኣለ ብዛዕባ ሊጡርጊያ ጓኖት ወይ ተዓዘብቲ ጥራይ እንተ ኮይና ዘይኮነስ (ቅዱስ ጉባኤ 48)፣ የግዳስ ንሕግታት ኣምላኽ ብተኣዛዝነት ብምልኣት ገዛእ ርእስና – ብኣካላትናን ኣእምሮናን ልብናን ኣብኡ ምስ እንሳተፍ ኢዩ። በዚ ኸምዚ በቲ ቅዱስ ዝኾነ ሥርዓታት ንቓል ኣምላኽ ብምስማዕ፣ ኣብ ምስጋናን ኣምልኾን፣ ኣብ ሕውነታዊ ተሳትፎን ከምኡውን ኣብ ናይ ቤተ-ክርስትያን ሕብረት ኢና ተፈጢርና። ብሓደ እምነት ሓድነት ብዘለዎ ብዙሕ ገጻት እተኣከብና ጉባኤ ምዃንና ንፈልጥ ድማ ኢና።

እዚ ሥርዓት እዚ ብግቡእ ኣብ እተገልጸ፣ ተኸታታሊ ኣካላዊ ምንቅስቓሳትን ጸሎትን ይጠቓለል፣ እዚ ኸኣ ሓድሓደ ግዜ፣ ምስቲ ናይ ውልቀ-ሰብ ሃንደበታዊ ዝኾነ ዝንባለና ዚጋጮ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ርትዓዊ ኣተሓሳስባኡ ግን ኣብ ውሽጢ ሓደ ንቓጽ ዝኾነ መቓን ብምእታው፣ ንሓርነት ንምቍጽጻር ኣይኰነን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፣ እቲ ሥርዓት በቲ ኣዝዩ ተራ ዝመስል ዜማታቱ፣ ነቲ ህውከት ዝመልኦ ንጥፈታትና ብምቍራጽ ናብቲ ኣገዳሲ ነገር ኢዩ ዝመርሓና። በዚ ኸምዚ ብናይ ፍርያምነት ቀመር ዘይምራሕ፣ ካልእ ስፍሓት ዘለዎ ተግባር ከምኡውን ካልእ ናይ ግዜን ቦታን ተመክሮ ንረክብ ኢና። ኣብ ሥርዓተ ኣምልኾ ሓደ ናጻ ዝኾነ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ኢና እንረክብ፣ ንልቢ ዘሐድስ ዕረፍቲ ንረክብ፣ ቅድሜና መለኮታዊ ጸጋ ከም ዘሎና ድማ ኣፍልጦ ንህብ፣ ኣብ ሓደ መንፈስ ቅዱስ ዝነብረሉ ውህደት ድማ ምንባር ንመሃር።

ሰዋስው ሥርዓተ ኣምልኾ ምስቲ ንሊጡርጊያ ዝግባእ ምልክታትን ምሳሌታትን እተተሓሓዘ እዩ። ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን፣ "ምቕዳስ ደቂ ሰባት ብህዋሳት ብዝርአ ትእምርትታት እዩ ዚግለጽ፣ ምስ ነፍሲ ወከፍ እዚ ትእምርትታት እዚ ድማ ብዚሰማማዕ መገዲ እዩ ዝፍጸም" (ቅዱስ ጉባኤ 7)። መዝገበ ሃይማኖት ካቶሊካዊ ት ቤተክርስቲያን ንዋጋ እዚ ምልክታት እዚ እውን ይምርምር፣ "ትርጕሙ ኣብ ዕዮ ፍጥረትን፣ ኣብ ባህሊ ደቂ ሰባትን እተመስረተ እዩ፣ እዚ ድማ ብፍጻመታት ብሉይ ኪዳን እተገልጸን፣ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ሰብነትን ዕዮን ክርስቶስ እተገልጸ እዩ" (ቁ. 1145)። ምልክት ማይ ምሳልያዊ እዩ፣ ካብ መበቈል ፍጥረት ክሳዕ ማይ ኣይሂ፣ ካብ ምስጋር ቀይሕ ባሕሪ ክሳዕ ዮርዳኖስ፣ ከምኡ ውን ክሳዕ እቲ ካብ ጐኒ ክርስቶስ ዝውሕዝ ማይ፣ እዚ ኩሉ ድማ ኣብ ሞቱን ትንሳኤኡን ምጥሓልና ዝሕብር ምስጢራዊ ምልክት እዩ።

"ምልክትን ምሳሌን" መብዛሕትኡ ግዜ ከም ተመሳሰልቲ ቃላት ጌርና ኢና እንጥቀመሎም። ከም ሓቁ እኳ ደኣስ፣ ሓደ ምልክት ንሓደ ሓሳብ ጥራይ ዘይኰነስ ንብምሉኡ እቲ ሥርዓት ትርጕማትን ስነ-ምግባራዊ ስርዓታትን ከመልክት ምስ ዝኽእል ምሳልያዊ ተግባር ኢዩ ዝተሓሓዝ። በዚ ኸምዚ ንኣብነት ቅዱስ ማይ ክንነጽግ ከለና፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ጥምቀት እተቐበልናዮ ውህበትን፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ክርስቶስ ሓድሽ ህይወት ንምርካብ ዘሎና ቘራጽነትን ከም ብሓድሽ ይለዓዓል። ካልኣይ ምልክታት ብመሰረቱ ተግባራዊ እዩ፣ ብቐዳምነት ሓደ ተግባር ከም ምዃኑ፦ ገለ ቐሊልን ልሙድን ተግባራት ማለት፣ ከም ምምብርካኽ፣ ምልክት ሰላም ምልውዋጥ ወይ ከኣ ዝያዳ ጠለብ ዝሓትት ከም ናይ ነፍሲ ወከፍ ቅዱሳት ምስቲራት ዝኣመሰለ መሰረታዊ ተግባራት ኢዩ ዘመልክት። ልዕሊ ዅሉ ድማ ምሳሌታት ምስቲ ዝቑሞም ቍሳዊ ባእታታትን ምስቶም ምስኡ ዚራኸቡ ሰባትን ብዝተሓሓዝ፣ እዚ ኸኣ ናይ ዋንነት ስምዒት ስለዝፈጥር፣ ንልብን ኣእምሮን ዝትንክፍ ከምኡውን ሓቀኛ ናይ ቤተ ክርስትያን ርክባት ከም ዝፍጠርን ይገብር።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ሃዋርያዊ “ሃሰስኩ ለብዎትክሙ” (Desiderio desideravi)፣ ነቲ ሮማኖ ጋርዲኒ ዝሃቦ መግለጺ ብምስምማዕ፣ "እቲ ቐዳማይ ዕላማ ናይ ሊጡርጊያዊ ሥነ መዕበያ፣ ደቂ ሰባት ከም ዳግም ምሳሌ ክኹኑ ዘኽእሎም ኢዩ" (ቁ. 44) ክብሉ ገሊጾም። ብሥርዓታ ኣምልኾ ክንመሃርን፣ ንጽባቐ ጽምብላትና ብተነቃፊነት ምዕቃብን፣ ብዘይ ሃውሪ ክንከናኸኖን ንገዛእ ርእስና ድማ ናብ ሓቀኛ መባእታ ምስጢራት (mystagogy) ክንውፊ ክንፈቕድ ኣሎና። ተመክሮ ህያውን መንፈሳውን ሊጡርጊያ ምስ ግቡእ ትምህርቲ መባእታ ምስጢራትን ትምህርተ ክርስቶስን እተሰነየ ክኸውን፣ ኣብ ኵሎም ደቂ ሰባት ድማ ነቲ ምስ ኣምላኽ ንምርኻብ ክፉት ምዃን ዝብል ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ምስጢረ ሥጋዌ ንምልባስ፣ ንምሉእ ሰብኣውነት ማለት ንመንፈስን ነፍስን ስጋን ብምስታፍ ጥራይ ክፍጸም ከም ዝኽእል ንምንቕቓሕ እቲ ዝበለጸ ምንጪ እዩ (1ተሰ. 5፡23)።

03 Jun 2026, 13:42