ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፦ ቅልውላው ከባቢ ሓደ መልክዕ ናይቲ ማሕበረ-ቁጠባዊ ቅልውላው እዩ
ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን
ንክሊማዊ ቅልውላው ብቑዕ መልሲ ንምሃብ፡ ነቶም ኣብ መሰረት ሕብረተሰብና ዘለዉ ማሕበራውን፡ ስነ-ምግባራውን ጉዳያት፡ ከም ማዕረ ክብሪ ኵሎም ደቂ ሰባትን፡ ክብሪ ሰብኣዊ መሰላትን ክንፈትሖም ይግባእ ክብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን 14 ሰሉስ ዕለት 16 ሰነ ኣብ ዝዘርጋሕዎ መልእኽቲ ገሊጾም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ካብታ ግሩም ሰብኣውነት (Magnifica humanitas) ዘርእስታ፡ ብዛዕባ ድሕነት ደቂ ሰባት ኣብ እዋን ሰብ-ሰርሖ ኣስተውዕሎ እትገልጽ ዓዋዲት መልእኽቶም ብምጥቃስ፡ "ቅልውላው ኣከባቢ ንበይኑ ዝተነጸለ ጉዳይ ዘይኮነስ፡ የግዳስ ናይቲ ዘመናዊ ማሕበረ-ቍጠባዊ ቅልውላው ናይ ስነ-ኣከባብያዊ መልክዕ እዩ" ኢሎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ እምነትን፡ ተስፋን፡ ፍቕርን ነቲ ንኣከባብያዊ ቅልውላው እንህቦ መልሲ ንምምራሕ ዝሕግዙ ሰለስተ ዓንድታት ምዃኖም ኣስሚሮምሉ ኣለዉ።
እዚ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ቪድዮ መልእኽቲ፡ ናብቲ ኣብ ቪየና ዝካየድ ዘሎ መበል ዓሰርተ ዓለምለኻዊ ዋዕላ ኦስትርያ ዝቐረበ ኮይኑ፡ ዕላማ እቲ ዓመታዊ ዋዕላ ድማ ንክሊማዊ ቅልውላው ንምምካት ዝሕግዙ ናይ መፍትሒታትን፡ ሓሳባትን መድረኽ ንምፍጣር እዩ።
እዚ ዋዕላ እዚ ብዕለት 16 ሰነ ዝተኻየደ ኮይኑ፡ ብተዋሳእን፡ ኣመሓዳሪ ግዝኣት ካሊፎርንያን ዝነበረ ኣርኖልድ ሽዋርዘነገር ዝተመስረተ "ብናይ ሽዋርዘነገር ክሊማዊ ተበግሶ" (Schwarzenegger Climate Initiative) ዝተወደበ እዩ።
ክሊማዊ ቅልውላው መግለጺ ናይቲ ማሕበረ-ቁጠባዊ ቅልውላው እዩ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን 14፡ ኣብታ “ግሩም ሰብኣውነት” (Magnifica humanitas) ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ፡ "ማዕረ ክብሪ ኵሎም ደቂ ሰባትን፡ ክብሪ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላትን" ዘለዎ ኣገዳስነት ብኸመይ ከም ዝገለጹ ኣዘኻኺሮም። እዚ ድማ ብግቡእ ትግባረ ናይቶም ንሓባራዊ ረብሓን፡ ንዅሉ ዝባጻሕ ሃብትን፡ ንኡስ ደገፍን፡ ምትሕግጋዝን፡ ማሕበራዊ ፍትሕን ዝምልከቱ መትከላት ክረጋገጽ ከም ዝኽእል ገሊጾም።
"እዞም ኣገደስቲ ውልቃውን፡ ማሕበራውን ጉዳያት ምስቲ ክሊማዊ ቅልውላው ጥቡቕ ምትእስሳር ኣለዎም፤ እዚ ቅልውላው እዚ ከምቲ ዝበልኩዎ፡ ሓደ ካብ መግለጺታት—እቲ ኣዝዩ ወሳኒ ድማ—ናይቲ ዝሰፈሐ ማሕበረ-ቍጠባዊ ቅልውላው እዩ" ክብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሓቢሮም።
ወሲኾም እውን፡ "ብሓቂ እዞም ጉዳያት እዚኦም እንተዘይተፈቲሖም፡ ዝኾነ ይኹን ንኣከባቢ ንምክልኻል ዝቐርብ ተክኒካዊ ፍታሕ፡ ዝተደለየ ውጽኢት ናይ ምርካብ ዕድል ኣይህልዎን እዩ" ኢሎም።
ብተወሳኺ፡ መፍትሒታት ኣብ ዝንደፍሉን ኣብ ዝሕሰበሉን እዋን፡ ነቶም ኣዝዮም ድኻታትን፡ ብምኽንያት ኣከባብያዊ ብከላ ንጉድኣት ዝያዳ ተቃላዕቲ ዝኾኑ ሰባትን፡ ፍሉይ ቆላሕታ ክወሃቦም ከም ዝግባእ ኣስሚሮምሉ።
እምነት ንሕይወትን ተፈጥሮን ኣብ ምክልኻል ይሕግዝ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን 14፡ እዚ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ሕብረተሰባት ዝጸልዉ ጉዳያት ዘሎ ምትእስሳር ዝእመን፡ ብዙሕ መዳያዊ ኣቀራርባ፡ ካብ ኣረኣእያ እምነት ዝመንጨወ ምዃኑ ኣመልኪቶም።
"እቶም ዓለምና ብኣምላኽ ከም ዝተፈጥረትን ባዕላ ብባህርያታ ጽብቕቲ ምዃናን ዝኣምኑ ሰባት፡ ንፍጥረት ንምክንኻን ዝዓበየ ሓላፍነት ክስከሙ ይግደዱ እዮም፤ እዚ ድማ ጠለብ ናይ እምነቶም ስለ ዝኾነ እዩ" ክብሉ ገሊጾም።
ነታ ብ2015 ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝተጻሕፈት “ስቡሕ አንተ” (Laudato Si’) ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ ብምጥቃስ ድማ፡ "ነቲ ስራሕ ኣእዳው ኣምላኽ ዝኾነ ፍጥረት ናይ ምሕላው ጸዋዕታና ምንባር፡ ንቅድስናዊ ሕይወት መሰረታዊ እዩ" ኢሎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ብዙሓት ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት እውን ንፍጥረት ከም መለኮታዊ ውህበት ስለ ዝርድእዎ፡ "ሃይማኖታዊ እምነት ነቲ ሕይወት ንምክልኻልን፡ ተፈጥሮ ንምክንኻንን ዘሎ ሓባራዊ ድሌት የደልድሎ እዩ" ክብሉ ሓሳቦም ዛዚሞም።
ተስፋ ሓያል ደራኺ ሓይሊ እዩ
ብዛዕባ ተስፋ ብዝምልከት፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ብሰንኪ እቲ ሎሚ ዓለምና ዝገጥማ ዘሎ ብድሆታትን፡ ወጥሪታትን፡ "ንፍጥረት ብዘይምኽባር፡ ንተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ብምምዝማዝን፡ ብሰንኪ ክሊማዊ ለውጥን ዝመጽእ ዘሎ ምንቍልቋል ኣብ ዓይነታዊ ናብራን፡ ሰላም ኣብ ሓደጋ ይወድቅ ከምዘሎ ዝሕብር ዓቢ ንቕሓት ይፍጠር ኣሎ" ኢሎም።
ኣብቲ ብዛዕባ ጉዳያት ክሊማ ዝግበር ዘተታት፡ ብዙሕ እዋን "ንኣንፈት ናይ ምቕያር ፍርሕን፡ ስልጣን ናይ ምስኣን ፍርሕን፡ ከምኡ’ውን ንዘይተረጋገጸ ውጽኢት ዘሎ ፍርሕን" ከም ዝርአ ሓቢሮም።
በዚ ምኽንያት ድማ፡ ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝን "ዝተሓባበረን፡ ንቕድሚት ዝጥምትን ብዙሓዊ ዝምድናታት" ክህሉ ተማሕጺኖም፤ ነዞም ፍርሕታት እዚኦም ክንሰግሮም ድማ ኣተባቢዖም።
ሃይማኖታውያን መራሕትን፡ ማሕበረሰባትን ኣብዚ ጉዳይ እዚ ዓቢ ተራ ክጻወቱ ከም ዝኽእሉ ቅዱስነቶም ኣስሚሮምሉ፤ "ቅዱስ መጽሓፍ ፡ ፍርሒ ደቂ ሰባት ብተስፋ ከመይ ገይሩ ከም ዝስዓር ብዝርእዩ ኣብነታት ዝመልአ እዩ" ብምባል ድማ ገሊጾም።
"ተጻረርቲ ሓሳባት ንዘለዎም ወይ ተጠራጠርቲ ሰባት ብዘየገድስ፡ ተስፋ ሓያል ደራኺ ሓይሊ ክኸውን ይኽእል እዩ" ክብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ደጊሞም ገሊጾም።
"ኣብ ዋዕላ ክሊማዊ ለውጢ (COP30) ዝግበር ዕቤት፡ ናብቲ ረብሓ ዘይኮነስ ሓባራዊ ጥቕሚ ዝቕድመሉ፡ ቍጠባዊ ንድፍታት ድማ ኣብ ምትሕግጋዝን ሰብኣዊ ክብርን ዝተሰረቱሉ ሕብረተሰባት ዝግበር ፍትሓዊ ምስግጋር ክስዕብ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብሓቂ ክውን ክኸውን ዝኽእል እዩ" ኢሎም።
ይኹን እምበር፡ እዚ ንምዕዋት ሃብታማት ሃገራት፡ ንኻልኦት ድኻታት ሃገራት ፋይናንሳዊ ደገፍ ክህባ ከምዘለወን፡ ከምኡ’ውን "ሓድሽ ንወዲ-ሰብ ማእከል ዝገበረ ኣህጉራዊ ፋይናንሳዊ መዋቕር" ብምፍጣር ክሕግዛ ከም ዝግባእ ኣገንዚቦም።
ናይ ፍቕሪ ስልጣነ ምህናጽ
ኣብ መወዳእታ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን 14 ኣብቲ ናይ ፍቕሪ ቴማ ብምትኳር፡ "ንኣከባቢና ዝኸውን ናይ ሓልዮት ባህሊ ምምዕባል" ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጾም። እዚ ድማ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ሲቪላውን ፖለቲካውን ፍቕሪ" ዝበልዎ ዘጠቓልል እዩ።
"ንሕብረተሰብ ዝያዳ ሰብኣውን፡ ንክብሪ ወዲ-ሰብ ዝበቅዕን ንምግባር፡ ኣብ ማሕበራዊ — ፖለቲካዊ፡ ቍጠባዊ፡ ባህላዊ ሕይወት ዘሎ ፍቕሪ፡ ሓድሽ ክብሪ ክወሃቦ ይግባእ፤ ንዅሉ ንጥፈታት ድማ ቀዋምን፡ ዝለዓለን መምርሒ ክኸውን ኣለዎ፤" እዚ ድማ ንክሊማዊ ቅልውላው ንምምካት ዝዓበዩ እማመታት ንምሕንጻጽ ክሕግዝ እዩ፡ ክብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ነታ “ስቡሕ አንተ” ("Laudato Si’) እትብል ዓዋዲት መልእኽቲ ዳግማይ ብምጥቃስ ገሊጾም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ መደምደምታ እቶም ኣብቲ ኣኼባ ዝሳተፉ ናይ ሓልዮት ባህሊ ከስፋሕፍሑን፡ ስልጣነ ፍቕሪ ኣብ ምህናጽ ኣበርክቶ ክገብሩን ተስፋ ብምግባር ቃሎም ዛዚሞም።
