ድለ

Il Papa ai carismatici, ascoltate anche chi non appartiene al vostro gruppo Il Papa ai carismatici, ascoltate anche chi non appartiene al vostro gruppo  (ANSA)

ር. ሊ. ጳ. ናብ ውህበታዊ ተሓድሶ፦ “መንፈስ ቅዱስ ናብ ኅብረትን ልግስን ተልእኾን ይምራሕኩም!”

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ዝመነ ጵጵስናኦም ካብ ዝጅምሩ ንነጀው፣ ንመጀመርታ ግዜ ምስ ኣባላት ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ውህበታዊ ተሓድሶ ኣብ ዝተራኸቡሉ፣ ብዛዕባ መንፈሳዊ መሰረታት እቲ ምንቅስቓስ ኣስተንቲኖም፣ ኣባላት እዚ ምንቅስቓስ ንህያባቶም ኣብ ኣገልግሎት መላእ ቤተ-ክርስትያን ከወፍዩ ድማ ኣተባብዕዎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 30 ግንቦት ንተወከልቲ ካቶሊክ ምንቅስቓስ ውህበታዊ ተሓድሶ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ሓንጐፋይ ኢሎም ተቐበልዎም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብ መላእ ዓለም ንዝመጹ ኣባላት እዚ ምንቅስቓስን፡ ጕጅለታት ጸሎትን፡ ኣብያተ ትምህርቲ ወንጌላውነትን፡ ከምኡውን መራሕቲ ኣህጉራዊ ተቕዋም ኣገልግሎት ተሓድሶ ካሪስን፣ ሰላምታ ብምቕራብ እዚ መንፈሳዊ ህያው ምንቅስቓስ፣ ሓደ ኻብቲ ኣምላኽ ንቤተ-ክርስትያን ዘወፈዮ ውህበት ምዃኑ ገሊጾም።

ካቶሊካዊት ምንቅስቓስ ውህበታዊ ተሓድሶ፣ ኣብ መወዳእታ 1960ታት ተመስሪቱ፣ ሎሚ ድማ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ጕጅለታት ጸሎትን ማሕበረሰባትን ተበግሶታት ስብከተ ወንጌልን ዘጠቓልል ምንቅስቓስ እዩ።

ብፍላይ ኣብ ተግባር መንፈስ ቅዱስ፣ ኣብ ህይወት ምእመናን ብጸሎትን ኣምልኾን፣ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ብምንባብን፣ ኣብ ናይ ወንጌላ ተልኾ ርክባትን እዩ ዜተኵር። ካብ 2019 ኣትሒዙ እተፈላለየ መግለጺታት ተሓድሶ ዳግመ ውዳቤ ብምግባር ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ዳግም ዝቘመ CHARIS ተሰይምይ ይርከብ ኣሎ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፣ ብዛዕባ እቲ ድሕሪ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብ ዝነበረ ዓሰርተታት ዓመታት፣ ምዕባለ እዚ ምንቅስቓስ ኣመልኪቶም እንከስተንትኑ፣ ነቶም ቕድሚኦም ዝንበሩ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ዘርኣይዎ ሞሳ ዘኪሮም እውን ምስክርነቶም ኣካፈሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ተሓድሶ ነቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ዓለማዊ ሕብረተሰብ ምላሽ ከም ዝረኣዩን፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ድማ ንወንጌላዊ ተልእኾ ዘለዎ ድራኸ ከም ዘጕልሑን፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክት መበል 16 ድማ ኣብ ውህበታት መንፈስ ቅዱስ ከም ዜተኵርን ጠቒሶም ነዚ ምንቅስቓስ እዚ ከም ዘመጐስዎ ኣዘኻኺሮም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ንምሕዳስ መላእ ቤተ-ክርስትያን ተባሂሉ እተመስረተ ምንቅስቓስ፣ ከም ሓደ "ናይ ጸጋ ማዕበል" ክብሉ ከም ዝገለጽዎ እውን ዘኪሮም።

ሓሙሽተ ኣዕኑድ ናይ ተመክሮታት ውህበታዊ ተሓድሶ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ነቲ ኣብ መንጎ መንበረ ጴጥሮስን፣ ኣብ መንጎ ዓለምለኻዊ ስድራቤት ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ውህበታዊ ተሓድሶን ዘሎ ርክብ ንምድልዳል ዘለዎም ድሌት ብምግላጽ፣ ብዛዕባ ሓሙሽተ ቐንዲ መዳያት መንፈሳዊ ተመክሮኦም ኣስተንተኑ - ብመንፈስ ቅዱስ ምጥማቕ፣ ናይ ምስጋና ጸሎት፣ ቃል ኣምላኽ፣ ቅዱስ ቍርባንን ከምኡ ውን ልግሲ ኢዩ ክብሉ ኣመልከቱሎም ።

ካብ ብመንፈስ ቅዱስ ምጥማቕ ጀሚሩ፣ እቲ ኣብ ውሽጢ ተሓድሶ ዚግበር ሓባራዊ ጕዕዞ፣ እምነት ምንጪ "ብሕታዊ ተመክሮ መንፈስ ቅዱስ" ምዃኑ ገለጹ፣ እዚ ኸኣ ጸጋ ጥምቀት ኣብ ህይወት ምእመናን ውጽኢታዊ ንኪኸውን ዜኽእሎን፣ ብዛዕባ ፍቕሪ ኣምላኽ ዓሚቝ ፍልጠት ንኺህልዎምን ዝገብርን ኢዩ በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በዚ ኣጋጣሚ እዚ "ኣምላኽ ሓሳብ ጥራይ ካብ ምዃን ሓሊፉ፣ ሓቀይናን ናይ መወዳእታን መግለጺ ኣቦነት ይኸውን" ብምባል ኣስመሩሉ።

መንፈስ ቅዱስ ዕርቅን ሰላምን ናጽነትን ከምጽእ ከሎ፣ ንምእመና ድማ ተስፋ ይህቦምን፣ ካብ ፍቕሪ ክርስቶስ ክፈልዮም ዝኽእል ወላ ሓደ ነገር ከም ዘየለ ድማ ርግጸኛነትን ከም ዝህልዎም ይገብር ክብሉ ገለጹ።

"ካብዚ ተመክሮ መንፈስ ቅዱስ፣ ናይ ፍቕሩ መሰኻኽርን፣ ሰበኽቲ ወንጌልን ናይ ምዃን ውሽጣዊ ባህጊ ይመጽእ" ብምባል፣ ንኣባላት ውህበታዊ ተሓድሶ፣ ነቶም ብጽምዋን ባዶነትን ዝሳቐዩ ዘለዉ ምጽንናዕ ኣምላኽ ከምጽኡሎም ኣተባብዕዎም።

ብውዳሴ እተቐርጸ ጸሎት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም ናብ ጸሎት ምልስ ብምባል ብዛዕባ እቲ ኣብ ምንቅስቓስ ተሓድሶ ዘሎ ልምዲ፣ ብዛዕባ ቦታ ውዳሰንን ኣምልኾን እውን ኣስተንተኑ። ተመክሮ መንፈስ ቅዱስ ምስ ኣምላኽ ዝያዳን ሃንደበታውን ቅኑዕን ዝርርብ ከም ዚፈጥር፣ ልቢ ድማ ንምስጋናን ኣምልኾን ከም ዚኸፍት ገለጹ።

"እቲ ኣብ ጉባኤታትኩም መለለዪ ዝዀነ ኣምልኾን ውዳሰን ኣገዳሲ መዳያት ክርስትያናዊ ጸሎት እዩ" ድማ በሉ ቅዱስነቶም። እቲ ተሓድሶ ንብዙሓት ሰባት፣ ነዚ ስፍሓት ጸሎት እዚ እንደገና ንኺፈልጡን፣ ናብ ክርስትያናዊ ህይወት ንኺምለሱን ከም ዝሓገዞም ድማ መስከሩ።

ብቅዱሳት መጻሕፍቲ እተመገቡ ኩኑ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም ቃል ኣምላኽ ኣብ ህይወት ተሓድሶ ዘለዎ ኣገዳስነት እውን ኣጕሊሖም። እቲ ንቕዱሳት መጻሕፍቲ ከም መንፈ ቅዱስ ዘስተንፈሰሎም መጠን፣ ሎሚ እውን ኣብ ቤተ-ክርስትያን ህያውን ንጡፍን ኢዩ ዝገብሮም ክብሉ ኣመልከቱሎም።

"ስለዚ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዜብርህን ዜጸናንዕን ዜደንቕን ምንጪ መንፈሳዊ ምግቢ ይኹኑልኩም" ብምባል፣ ወሲኾም ድማ ንመዓልታዊ ምርጫታትኩም፣ ምንጪ ምስትውዓል ከም ዝልግስን፣ ሓባራዊ ጸሎት ከም ዜበልጽግን ድማ ገለጹ።

ሓድነት ከም ፍረ መንፈስ ቅዱስ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስተንትኖኦም ብምቕጻል፣ ብዛዕባ ቅዱስ ቍርባን እንከስተንትኑ፣ "መንፈስ ቅዱስ ምንጪ ኅብረት እዩ" ክብሉ ኣጕልሑ።

ነቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ልምዲ ንክርስትያናዊ ሓድነት፣ ናብ መንፈስ ቅዱስ ናይ ምጽላይ ልምዲ ብምዝካር፣ ኣባላት ተሓድሶስ ነቲ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ውሽጢ ቤተ-ክርስትያን ዘስርጾ ስኒት ኣብ ምህናጽን፣ ምስቶም ካብ ካልኦት ሃይማኖታት ዝመጹ ክርስትያን ርክብ ኣብ ምምዕባልን ዘለዎ ግደ ፍሉይ ኣኽብሮት ከም ዘለዎም መስከሩ።

መንፈስ ቅዱስ ኣብ መንጎ እተፈላለዩ ባህርያትን፣ ማሕበረሰባትን፣ ናይ ምሕዳስ ሓድነት ከም ዝፈጥርን፣ ኣብ መላእ ዝሰፍሐ ክርስትያናዊ ስድራቤት ከኣ ማእሰር ሓድነት ከም ዘደልድል እውን ኣስፊሖም ኣስተምሃሩ።

ብልግሲ እተገልጸ ፍቕሪ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሓሳባቶም ኣብ ምዝዛም፣ ኣብ ልግሲ ኣተኲሮም ኣስትንተኑ፣ እዚ ድማ ሓደ ኻብቲ ኣብ መንፈስ ቅዱስ ዝርከብ ፍጹም ፍረ ህይወት ምዃኑ ገለጹ።

"በዚ ሓድሽ ህላወ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ውሽጥኹም፣ ሓድሽ ናይ ምፍቃር ባህሪ ኣበራቢሩልኩም እዩ" በሉ፣ እዚ ኸኣ ናብ ኣምላኽን ናብ ብጻይን፣ ብፍላይ ከኣ ነቶም ዚሳቐዩ ኣብ ምፍቓር እተመርኰሰ ልግሲ እዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ነቲ ካብ ተሓድሶ ዝወጸ ብዙሕ ናይ ግብረ ሰናይ ተበግሶታት ብምውዳስ፣ ንኣባላቱ ንድኻታትን ተነቀፍትን ቈላሕታ ክገብሩ ኣተባብዕዎም። "እምበኣር ነታ ንድኻታት ዘላትና ፍቕሪ ህያው ክትገብራ እዕድመኩም ኣለኹ፣ እዚ ኸኣ ነቲ ናይ ሓቂ ገጽ ኣምላኽ ዝገልጸሉ እዩ" በሉ።

ትሕትና ንምግልጋል ዝቐረበ ጻውዒት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መደምደምታ፣ ንኣባላት ምንቅስቓስ ውህበታዊ ተሓድሶ፣ ኣብ ውሽጢ ቤተ-ክርስትያን ተልእኾኦም ክቕጽሉ ኣተባብዕዎም።

"ንጳጳሳትኩምን ንሰበኻታትኩምን ኣገልግሉ" ክብሉ ድማ ተማሕጸንዎም። "ንገዛእ ርእስኹም ንምድንፋዕ ወይ ንስልጣን ወይ ንብሕታዊ ዝና ንምስዓብ ከይትጽዕሩ ተጠንቀቑ" ክብሉ ድማ ተላበውዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፣ ኣብ ውልቃውን ሓባራውን ጕዕዞኦም መንፈስ ቅዱስ ወትሩ "ብርሃንን ምንጪ ብርታዐን" ክኾኖም ብምጽላይ ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ኣካፈልዎም።

01 Jun 2026, 13:25