ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፡ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ምሕላው ንቤተ ክርስቲያን 'ትእዛዝ' እዩ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
"ምስ ክርስቶስ ምርኻብ እወታውያን ይገብረና ናብ ፍቕርን ናጽነትን ዝመልኦ ህይወት ድማ ይመርሓና፣ ህስያ ኣንጻር ህይወት ንመንፈሳውን ሰብኣውን ምዕባለ ሰብ ዜበላሽውን ዜዳኽምን ዜጕሂ ቝስሊ የምጽእ - ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ዕለት 17 ሰነ ቅድሚ ዝለገስዎ ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ኣስተምህሮ ትምህርተ ርክስቶስ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ንኣባላት እቲ ኣብ ላቲን ኣመሪካ ዝርከብ ማህሰይቲ ኣብ ምክልኻልን ዕቝባ ቈልዑ ኣብ ምትብባዕን ዘተኰረ ማእከል ምርምርን ስልጠና ዕቝባ ቈልዑ (Centro de Investigación y Formación de Protección al Menor - ማእከል ምርምርን ስልጠናን ዕቝባ ንኣሽቱ ቈልዑ") ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኮይኑ፡ ካብ እተፈላለያ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ምስ ዝመጹ ወከልቲ እቲ ማእከል ምርኻቦም ዝፈጥረሎም ሓጎስ ገሊጾም፡ እቲ ትካል ናይ እተፈላለያ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ኣዝዩ ንጹር ሓባራዊ ሸቶ ኣለዎ። እዚ ድማ ማሕበረሰብ ቤተ - ክርስትያን ንዅሉ ሰብ ብፍላይ ከኣ ንቘልዑን መንእሰያትን ኣዝዮም ተነቀፍቲ ሰባትን ድሕንነት ዘለዎ ቦታ ምእንቲ ክኸውን ምዕያይ ዝብል እዩ” ቢሎም፡ "ኵሉ እቲ ኣብ ቤተ - ክርስትያን ዘሎ ቦታታት ኣካላዊ ይኹን ምናባዊ ካብ ፍርሂ ምጥርጣር ወይ ዘይምትእምማን ናጻ ዝዀነ ምስ የሱስ ክርስቶስ ፍረ ዘለዎ ርክብ ዚግበረሉ ቦታ ኪኸውን ከም ዚኽእል" ድማ ከም ዝጒልሑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ኣድላይነት ውሑስ ቦታታት
“ኣብዚ ብምምጻእኩምን ስለ እቲ እተሳልጥዎ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ዕማም የቐንየልና” ዝበሉ ር.ሊ.ጳ. ልዮን እቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ ካብታ ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተራኸቡላ ህሞት ኣትሒዞም ከመይ ከም ዝተማረኹ ክሓስቡ ዓዲሞም - እዚ ህሞት እዚ ንህይወቶም ምልክት ዝገበረን መንገዲ ምልዋጥ ክጅምሩ ዝመርሖምን፣ ብዘይ ዕቃበ ገዛእ ርእሶም ንዕኡ ከየፍዉ ዝገብሮም እዩ። እቲ ተመክሮ እቲ ሕሉፍ ነገር ኣይኮነን፡ ምኽንያቱ ኩሎም ሰባት ምስቲ ዝተንስአ ጐይታ ክራኸቡን ምስ ጎይታ ናይ ፍቕሪ ሓቀይና ተመክሮ ክህልዎምን ስለ ዝተጸውዑ እዩ . . . ነዚ ንምዕዋት ግን ውሑስ ቦታታት ክህልወና ኣድላዪ እዩ” እንክብሉ ኣስሚሮም፡ ግህሰት፣ ዘይተኣደነ ስንባደ ዘስዕብን መንፈሳውን ሰብኣውን ምዕባለ ሓደ ሰብ ዝዘርግን ምዃኑ ከም ዘጒልሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኢየሱስ ነቶም ንኣሽቱ ዕቝባ ኺግበረሎም ጸዊዑ እዩ
እቲ ማእከል ተልእኾኡ “ካብዞም ብኣይ ዚእምኑ ናእሽቱ ንሓደ ዜስሕት ግና፡ መጥሓን ኣድጊ ኣብ ክሳዱ ተኣሲሩ ኣብ ዓሚቕ ባሕሪ ኺጥሕል ይሔሾ (ማቴ 18፡6)" እንክብል ክርስቶስ ኣብ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ዝተመስረተ ምዃኑ ቅዱስነቶም ኣዘኻኺሮም፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ስጳይና ኣብ ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ንጳጳሳት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ብዛዕባ ቃንዛ ናይቶም ክከናኸንዎም ዝግበኦም ግን ዝተጎድኡ ብዕምቆት ከም ዝዘከሩን፡ ነዚ ኩነታት እዚ "ማሕበረሰብ ክርስቲያን ብምስማዕ፡ ብሓቅነት፡ ብፍትሒ፡ ብምኽሓስ፡ ከምኡ'ውን ካብ ግዜ ናብ ግዜ ብዝያዳ ቆራጽ ተወፋይነት ምክልኻልን ባህሊ ሓልዮትን ኣቢሎም ክብድህዎ ይጽውዑ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ንመላእ ቤተ ክርስቲያን ዝኸውን ትእዛዝ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን “እዚ ዕማም እዚ ብቐንዱ ናይቶም ጓሶት ክንከውን ዝተጸዋዕና ሓላፍነት እኳ እንተኾነ፣ ንመላእ ቤተ ክርስቲያን ዝምልከት ዕማም እዩ፡ ነዚ ዕማም ምክልኻልን ዕቝባ ቈልዑን ንስኻትኩም ብሞያዊ ዓውዲ ትነብርዎ - ቢሎም - ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ነቶም ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ኣመስጊኖም፣ ማዕረ ማዕሪኡ ድማ “ነዚ ዓቢ ስራሕ ንቕድሚት ክቕጽሉ፣ ኣብ መንጎ ከባብያዊ ኣብያተ ክርስቲያናትን በርገሳውያን ትካላትን ናይ ምትሕብባር መርበባት ምሕያል፣ ናይ ምክልኻልን ምሕብሓብን ባህሊ ንኣዝዮም ተቓላዕቲ ከረጋግጹ” ኣተባቢዖም። ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ነዚ ተልእኾ እዚ ምእንቲ ክቕጽሉን ብዝያዳ ድማ ኩሉ ቤተ ክርስቲያናዊ ማሕበረሰብ ኣብኡ ምእንቲ ክሳተፍን ጻዕሮም ንብጽእቲ እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣማዕቍይቦም ሓዋርያዊ ቡራኬ ከም ዝሃቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
