ር. ሊ. ጳ. ልዮን፣ ካርዲናል ሩዊኒ ጥበበኛ ሓው ምንባሮም መስከሩሎም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ልዮን መበል 14 ትማሊ ረቡዕ ዕለት 18 ሰነ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መልእኽቲ፣ ብምኽንያት ዕረፍቲ ብፁዕ ካርዲናል ካሚሎ ሩዊኒ ልሂቅ ጠቕላሊ ዓቃቤ መንበር ሰበኻ ሮማን ከምኡ ውን ነበር ኣቦ መንበር ቤትምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ሃገረ ኢጣልያን “ቅርበቶምን ሓዘኖምን” ገሊጾም። ብፁዕ ካርዲናል ሩዊኒ ዝሓለፈ ሰሉስ ዕለት 16 ሰነ ኣብ መበል 95 ዕድሚኦም ካብ ድኻም እዛ ዓለም ብሰላም ዓረፉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቶም፣ "ንወንጌልን ንቤተ-ክርስትያንን ብምስትውዓልን ንገዛእ ርእስኻ ብምስዋእን ዘገልገሉ፣ በዓል ዓሚቝ እምነትን ዓሚቝ ምስትውዓልን ኣርሒቕካ ናይ ምርኣይ ክእለትን ዝነበሮም ምኩርን ጥበበይና ሓው" ክብሉ እውን ይዝከርዎም።
ቅዱስነቶም ብተወሳኺውን "ንቤትምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ኢጣልያ ዝወፈይዎ ፍረ ዘለዎ ዕዮን" ከምኡውን "ምስ ባህላዊ ዓለም ዝገበርዎ ፍረ ዘለዎ ምይይጥን" ኣመልኪቶም ተዘክሮኦም ገለጹ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣስዒቦም፣ "ስለቲ ነዞም ክቡር ኣቦ ቤተ-ክርስትያን ዝሃበና ውህበት ንጐይታ ዘለዎም ምስጋና" ኣመልከቱ። እታ መልእኽቲ ቅዱስነቶም ናብ ብፁዕ ካርዲናል ባልዳሴራ ሬና ጠቕላሊ ዓቃቤ መንበር ሰበኻ ሮማ እተላእከት ኢያ ድማ ዝንበረት።
"ንጐይታ ብኣማላድነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ንብፁዕ ካርዲናል ሩዊኒ ናብ ሰማያዊት የሩሳሌም ክቕበሎ እልምኖ ኣለኹ፣ ንዅሎም እቶም ብሞቶም ዝሓዝኑ ድማ ካብ ልበይ ሓዋርያዊ ቡራኬ ከካፍሎምን፣ ነቶም ብተወፋይነት ዝከናኸንዎ ዝንበሩ ሰባት ብምስጋና እሓስብ" ብምባል ድማ መልእኽቶም ደምደሙ።
ኣብ ቤተ-ክርስትያን ኢጣልያ ኣዝዮም ኣገዳሲ ዝንበሩ ኣቦ
ብፁዕ ካርዲናል ካሚሎ ሩዊኒ፣ ብ1931 ዓ.ም. ኣብ ሳሱሎ ማእከላይ ኢጣልያ ተወሊዱ፣ ብ1954 ዓ.ም. ድማ መዓርገ ክህነት ተቐበሉ። ካብ 1983 ክሳዕ 1986 ዓ.ም. ከም ተራዳዊ ጳጳስ ሰበኻ ሬጂዮ ኤሚሊያ ኮይኖም ኣገልገሉ፣ ጸኒሖም ድማ ብ1991 ዓ.ም. ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናብ መዓግ ካርዲናልነት ደየቡ።
ኣብታ ዓመት እቲኣ ክሳዕ 2008 ዓ.ም. ጠቕላኢ ዓቃቢ መንበር ሰበኻ ሮማን፣ ሊቀ ኻህናት ባዚሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ላተራን ኮይኖም ኣገልገሉ፣ ክሳዕ 2007 ድማ ኣቦ መንበር ቤትምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ኢጣልያ ኮይኖም መርሑ። ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኢጣልያ ድማ ዓብዪ ጽልዋ ኸም ዝነበሮም ዝዝከር ኢዩ።
ሰበኻ ሮማን ኣብዚ እዋን እዚ ኣቦ መንበር ቤትምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ኢጣልያ ዝኾኑ ብፁዕ ካርዲናል ማትዮ ዙፒን፣ ካልኦት ናይ ኢጣልያ ካቶሊካውያን ውድባትን፣ ብፁዕ ካርዲናል ሩዊኒ ንቤተ-ክርስትያን ዘወፈይዎ ኣገልግሎት ዝዝክር መግለጺታት እውን ኣውጺኦም ይርከቡ።
ሥርዓተ ቀብሮም
ኣብዚ ቐረባ ኣዋርሕ ጥዕናኡ እናተዳኸመ ስለ ዝኸደ፣ መዓልታዊ ኣብ መበሪ ቤቶም ኽንክን ክግበረሎም ጸንሑ።
ኣቐድም ኣቢሎም ኣብ ወርሒ ሓምለ 2024፣ ድኻም ልቢ ከምኡውን ኣብ 2025 ኣብ ሆስፒታል ብምእታው ዘድልዮ ናይ ኵሊት ድኽመት ሓዊስካ ሓያሎ ዘጋጠሞም ናይ ጥዕና ጸገማት ብትዕግስቲ ክቃለሱ ጸንሑ።
ሥርዓተ-ቀብሮም ሎሚ ሓሙስ ዕለት 18 ልክዕ ሰዓት 4፡30 ድ.ቀ. ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ብዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ተፈጺሙ ኣሎ።
