ር.ሊ.ጳ. ኣብ ከተማ ባርቸሎና፡ ኣብ ዝተኸፋፈለት ዓለም ክርስቲያን ሃነጽቲ ሓድነት ይኹኑ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ባርቸሎና ምስ በጽሑ ኣብ ካቴድራል እታ ከተማ ናይ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎት ከም ዝመርሑን፡ ማሕበረሰብ ካቶሊክ ድማ "መሰኻኽርን ነብያት ሓድነትን" ክኾኑ ከም ዘተባብዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃግረ ቫቲካን

ካልኣይ እግሪ ዑደት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ናብ ስጳይና ብጸሎት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ባርቸሎና ካቴድራል ቅዱስ መስቀልን ቅድስቲ ኤውላልያን ብምምራሕ ናይ ባርቸሎና ዑደቶም ከም ዘበገሱን ቅዱስነቶም መዕርፎ ነፈርቲ ምስ በጽሑ ብጳጳሳትን ጉባኤ ማህሌታውያን ሰብ መዝን ሰበኻታትን ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወትን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ሰራሕተይታት ካቴድራልን ወለንተይናታትን ብዝሒ ዘለዎም መንእሰያትን ብሓጎስ ኣቀባብላ ከም ዝገበሩሎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ካቴድራል ቅዱስ መስቀልን ቅድስቲ ኤውላልያን ምስ ኣተዉ ናይ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎት ቅድሚ ምምራሖም ኣብ ፊቅ ቅዱስ ቁርባን ሓጺር ናይ ግሊጽ ጸሎት ኣቕሪቦም ምስ ኣብቅዑ መዘምራን መኽፈቲ መዝሙር ምስ ኣቕረቡ ኣብቲ ናይ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎት ኣብ ዝለግስዎ ስብከት ምእመናን መርዓትን ኣካልን ከስተንትኑ ከም ዝዓደሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እታ መርዓት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ቤተ ክርስቲያን ብቐዳምነትን ልዕሊ ኩሉን “ፍቕርቲ መርዓት” ምዃና ገሊጾም፣ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ባርቸሎና - ምስቲ ሃብታም ብዙሕነት ህያባትን መንፈሳዊ ውህበትን ውልቃዊ ዛንታታትን - ነዚ ምስክር እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ "ኣምላኽ ኣብዚ ኽትህልዉ ድላዩ እዩ፡ ምኽንያቱ ብሓባር ብምዃንኩምን ኣባኻትኩም ፍሉይን ቅዱስን ጽባቐን ሰናይን ስለ ዚፈቱ እዩ። ሎሚ ነቲ ኣብ ባርቸሎና ዘሎ ማሕበር ቅዱሳን ክትውክሉ መሪጽኩም ኣሎ።

ቤተ ክርስቲያን “ፍረ ናይቲ ዝቕድምን ካብ እግዚኣብሔር ዝመጽእን ናይ ፍቕሪ ተግባር ምዃና” ኣስሚሮም፡ እዚ ማለት ቤተ ክርስቲያን ብትሑትን ኣመስጋንን ልቢ ክትፍቀር ብምፍቃድ ልዕሊ ኩሉ ትዓቢ፣ “ምኽንያቱ እቶም ብኣምላኽ ዝፍቀሩ ጥራይ እዮም ምስ ካልኦት ናይ ፍቕሪ ስራሕ ክሃንጹ ዝኽእሉ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እቲ ኣካል

ቀጺሎም ነቲ ካልኣይ ምስሊ ማለት ነቲ ኣካል ዝብል ቃል እንከስተንትኑ ኩላትና ምስ ክርስቶስ ሓደ ኣካል ምዃንና ተዓዚቦም፣ ልክዕ ከምቲ ኣብ ሓደ ኣካል ዘሎ “ዝሓየሉ ካልኦት ዝደኸሙ ኣባላት ኣለዉ”። ብተወሳኺ፡ ገለ ኣባላት ቤተ ክርስቲያን “ርኡያት ኮይኖም፡ ንደጋዊ ዓለም ርኡይ ዝኾነ ዕዮታት ክፍጽሙ” እንከለዉ፡ ገለ ድማ ህቡኣን፡ “ካብ ውሽጦም ዝሰርሑ - ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት ብዘይ ምቁራጽ ዝሰርሑን ዝኾነ ሰብ ከየስተብሃለሎም ኣገደስቲ ዕማማት ዝፍጽሙን እዮም።”

ኣብ ቅድሚ ከምዚ ዝበለ ብዙሕነት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት “ንሕና ሓድነት ስለ ዘሎና ሓያላት ኢና፡ ብሓደ መንፈስ ድማ ህያው ስለ ዝኾንና ኢና ንሓድነት” ብምባል ምእመናን ንሓድነት ቀዳምነት ክህቡሉ ኣተባቢዖም፡  ኣብዛ ብውግኣትን ምፍልላይን ዝዓነወት ዓለም፡ ከምኡ’ውን ኣብቲ እናተበታተነን ውልቃውነትን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ሕብረተሰብ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንክርስትያን ‘ሰማእታት’ ክኾኑ ተማሕጺኖም፡ ማለት “ናይ ሓድነት፡ ናይ ምቕባል፡ ናይ ስኒትን ናይ ሰላምን መሰኻኽርን ነብያትን፡ ዋላ’ውን ብዋጋ መስዋእትን ርእሰ ክሕንደትን” እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጥ።

10 Jun 2026, 15:50