ድለ

2026.06.07 ር.ሊ.ጳ. ንኣጎስጢኖሳውያን ደቂ ማሕበሮም ኣብ ስጳይና፡ ሕብረትን ሓድነትን ንዓለም መልእኽቲ እዩ! 2026.06.07 ር.ሊ.ጳ. ንኣጎስጢኖሳውያን ደቂ ማሕበሮም ኣብ ስጳይና፡ ሕብረትን ሓድነትን ንዓለም መልእኽቲ እዩ!  (@Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ንኣጎስጢኖሳውያን ደቂ ማሕበሮም ኣብ ስጳይና፡ ሕብረትን ሓድነትን ንዓለም መልእኽቲ እዩ!

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ልዕሊ 220 ዝኾኑ ኣብ ስጳይና ምስ ዘገልግሉ ደቂ ማሕበሮም ኣጎስጢኖሳውያን ካህናትን ደናግልን ዕለት 7 ሰነ ተራኺቦም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ማሕበር ኣጎስጢኖስ ሕብረትን ሓድነት ልብን ኣገዳሲ መልእኽቲ ንዓለም ከቕርብ ዝኽእል ምዃኑ የጒልሑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 7 ሰነ ድሕሪ ቀትሪ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ማድሪድ ምስ ዘገልግሉ ኣስታት 220 ደቂ ማሕበሮም ኣጎስጢኖሳውያን ካህናት ከም እተራኸቡን ቅዱስነቶም ቃለ ምዕዳን ቅድሚ ምልጋሶም ኣብ ስጳይና ናይ ማሕበር ኣጎስጢኖስ ዞባዊ ሓለቓ ድሕሪ ዘቕረቡሎም ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ሰላምታ፡ “ኣብ መንጎ ኣጎስጢኖሳውያን መለለዪ ዝኾነ ሕብረትን ሓድነትን ኣብዚ ታሪኻዊ ህሞት እዚ ንዓለም ከገልግል ዝኽእል መልእኽቲ እዩ” እንክብሉ ኣስሚሮም፡ ስለ እቲ ርክብ ድማ ከም ዘመስገኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብቲ ርክብ ኣስዒቦም ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ እውን ደናግል ማሕበር ኣጎስጢኖሳውያን ከም ዝተረኽባ እውን ኣስተብሂሎም፡ "ስቕታን ደቅሰብ ናብ ልቢ ናይ ምእታው ክእለትን ኣብ ዝጠፍኣሉ እዋን ንማሕበራዊ ተግባር ትርጕም ንምሃብ እውን ኣገዳስነት ጸዋዕታኦም" ከም ዘጒልሑ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንኹሎም ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ብሓባር ኣቡነ ዘበሰማያት ንጸልይ እንክብሉ ዓዲሞም ድሕሪ እቲ ጸሎት ድማ ሓዋርያዊ ቡራኬ ቅድሚ ምሃቦም ንኹሎም ሓደ ብሓደ ሰላም ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

08 Jun 2026, 15:24