ድለ

ር. ሊ. ጳ. ኣብ ደብረ ቅድስቲ ስድራ፣ ንሰላም ምዕያይ ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕሊሖም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንባዚሊካ ቅድስቲ ስድራ፣ ካብ እምንን ሕብርታትን ብርሃንን ከም እተሰርሐ ትምህርተ ክርስቶስ ገይሮም ብምግላጽ፣ እቶም ዚኣምኑ ሰባ፣ ንንጹሃት ሰባት ክቐትሉ ወይ ነቶም ዝሳቐዩን፡ ዝበኽዩን፡ ካብ ድኽነት ዝሃድሙን ሰባት ክጥንጥንዎም እውን ከም ዘይክሉ ኣጉልሑ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብ ባዚሊካ ቅድስቲ ስድራ ኣብ ዘካየድዎ ምብጻሕ፣ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባን ብምጽላይን፣ ናብ መቓብር ኣንቶኒ ጋውዲ ብምብጻሕን ዑደቶም ጀመሩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ፣ ዝኽሪ ሚእቲ ዓመት ዕረፍቲ ጋውዲንን፣ ቡራኬ ግምቢ ኢየሱስ ክርስቶስን፣ ኣብ ዝጽንብሉሉ ዘለዉ እዋን፣ ብዛዕባ እቲ ወንጌል ንእምነት ዘቕረቦ ጻውዒት ኣስተንቲኖም፣ ኣብ ክርስቶስ ዘላትና ሓቀይና እምነት፣ ምስ ዓመጻን ዘይምግዳስን፣ ነቶም ዝሳቐዩ ሰባት ሸለል ምስ ምባል ዘይቃዶ ምዃኑ ኣጕልሑ።

መሥዋዕተ ቅዳሴ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ባዚሊካ ቅድስቲ ስድራ ባርሴሎና
መሥዋዕተ ቅዳሴ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ባዚሊካ ቅድስቲ ስድራ ባርሴሎና   (@Vatican Media)

ኣብቲ ብቛንቋ ካታላንን ስጳንኛን ዘካፈልዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ፣ ቅዱስ ኣቦና፣  "ኣነ ንሱ ምዃነይ እንተ ዘይኣሚንኩም ብሓጢኣትኩም ክትሞቱ ኢኹም"  ዝብል ካብ ወንጌል ዮሓንስ ጥቒሶም ኣስተንተኑ። እዚ ቓላት እዚ ሓያል እኳ እንተ ዀነ፣ ንድሕነት ዚዕድም እውን ምዃኑ ገለጹ። ብጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክትኣምንን ኣብ ውግዕ ክንጽመድን ከም ዘይከኣል እውን ኣጕልሑ። ብኢየሱስ ክንኣምንን፣ ንንጹሃት ሰባት ክንቀትልን ኣይንኽእልን ኢና። ብኢየሱስ ክርስቶስ ክንኣምንን፣ ነቶም ዚሳቐዩን ዚበኽዩን ካብ ድኽነት ዚሃድሙን ሰባት ዕሽሽ ክንብሎን ኣይንኽእልን ኢና።

መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ባዚሊካ ቅድስቲ ስድራ ባርሴሎና
መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ባዚሊካ ቅድስቲ ስድራ ባርሴሎና   (@Vatican Media)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ኣስዒቦም፣ ንንጉስ ፈሊፐ ሻድሻይ ከምኡውን ንግስቲ ለቲዝያ ናይ ሃገረ እስጳኛ ሰላምታ እንከቕርቡ፣ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ስጳኛ ፔድሮ ሳንቸዝ ከምኡውን ፖለቲካውን ሰበ-ስልጣንን ሰላምታ ክለዋወጡ እንከለዉ ውን፣ ብዚሊካ ቅድስቲ ስድራ ማዕጾኣ ከም ዝዘርግሐት፣ ኣእዳዋ እትኸፍትን፣ ንዅላቶም ናብዚ መሰውኢ እዚ ይዕድሞም፣ ቃል ኣምላኽ ክሰምዑ ውን ይዕድሞም ኣሎኹ በሉ።

መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ባዚሊካ ቅድስቲ ስድራ ባርሴሎና
መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ባዚሊካ ቅድስቲ ስድራ ባርሴሎና   (@Vatican Media)

ንመራሕቲ ሲቪላውን ሃይማኖታውን ማሕበርሰብ እንክዛረቡ ድማ፣ ንባዚሊካ ንሰባት ኣብ ዙርያ ቓል ኣምላኽን ቅዱስ ቍርባንን ዝእክብ ምልክት ሓድነት ምዃኑ ገለጹሎም። ካብ ስነ-ህንጻ ተመርኲሱ ነታ ቤተ-ክርስትያን ምስ ሓንቲ ብብዙሕ ኣእማን እተሃንጸት ህያው ህንጻ ኣመሳሰልዎ፣ እዚ ህንጻ እዚ ድማ ክርስቶስ መሰረታን ሸቶኣን እዩ በሉ። እቲ ቐጻሊ ህንጸት ቤተ - ክርስትያን ንህይወት ክርስትና ከም ሓደ ኣምላኽ ብቐጻሊ ዝሰርሖ ዕዮ ከም ምዃኑ እዩ ዜመልክት፣ ንኣመንቲ ድማ ኣብ መደቡ ኺተሓባበሩ ይዕድሞም ኣሎ በሉ።

ባዚሊካ ቅድስቲ ስድራ ባርሴሎና
ባዚሊካ ቅድስቲ ስድራ ባርሴሎና   (@Vatican Media)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንመንፈሳዊ ትርጕም ንድፊ እታ ቤተ ክርስትያን እውን ኣስተንቲኖም፣ ገጻት እቲ ሓድሽ እተባረኸ ግምቢ ኢየሱስ ክርስቶስን፣ ንመስቀል ከም ምልክት ድሕነትን ተስፋን መለኮታዊ ፍቕርን ገይሩ ኸም ዘመልክት እውን ገለጹ። እቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ግምቢ ዘሎ ብርሃን ዘለዎ መስቀል፣ ንእምነትን ነታ ኸተማን መብራህቲ ኰይኑ የገልግል እዩ። ስነ-ጥበብ እምነት ኣብ ምግላጽ ፍሉይ ግደ ኸም ዘለዎ እውን ኣጕልሑ፣ መሓንድስ ጋውዲ ድማ በጻሕቲ ምስ ክርስቶስ ንኺራኸቡ ዝመርሖም መንፈሳዊ ጕዕዞ ብምፍጣሩ ነኣድዎ።

ባዚሊካ ቅድስቲ ስድራ ባርሴሎና
ባዚሊካ ቅድስቲ ስድራ ባርሴሎና   (@Vatican Media)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ስብከቶም ኣብ ምዝዛም፣ ነቶም ንህንጸት ባዚሊካ ቅዱስቲ ስድራ ዝደገፉ ኵሎም ኣመስተንዎም፣ ንቤተ ክርስትያን ከኣ ከም ብሉጽ ስነ-ህንጻን ሓያል መሳርሒት ወንጌላዊ ተልእኾን ገይሮም ገለጽዋ። ነቶም ምእመናን ኣዒንቶም ናብ ክርስቶስ ኬልዕሉ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ነቶም እተገለሉን ዚሳቐዩን እውን ኬተባብዕዎም ተማሕጸንዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ቡራኬ ባዚሊካ ቅድስቲ ስድራ
11 Jun 2026, 15:01