ር. ሊ. ጳ.፦ “ኣብ ግዜ ግጭት እውን ከይተረፈ ሰላም ክርከብ ይከኣል እዩ!”
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ መላእ ዓለም ምስ ዝርከቡ ምእመናን ማርያማዊ ቤተ መቕደስን ብምትሕብባር፣ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ በዓቲ ቅድስተ ማርያም ዘሉርድ፣ ብፍሉይ ምእንቲ እቶም ኣብቲ ብውግእን ዓመጻን እተጠቕዐ ኸባቢታት ዝርከቡ ሕዝብታት ንምዝካር ፍሉይ መደብ ጸሎተ ቝጸርያ ኣካይዶም።
“ኣምላኽ ንህዝቡን ንምእመናኑን፣ ነቶም ብልቦም ናብኡ ዚምለሱን ሰባት፣ ሰላም ክህቦም እዩ እሞ፣ ነቲ እግዚኣብሄር ዝብሎ ስማዕ።"
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መወዳእታ ናይ ነፍስወከፍ ሓሙሽተ ምስጢራት በዚ ቃል ኣምላኽ እዚ ኣስተንተኑ፣ እዛ መዝሙር እዚኣ ድማ "ብፍላይ ኣብዚ እዋን እዚ ዘሎ ጸገማትን ዓመጽን እናሃለወ ኽነሱ ዜድልየና ተስፋ" ዝገልጽ ቃል ኢዩ ዝንበረ።
ንዅላቶም ማለት ነቶም ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ሃገረ ቫቲካን ዝተረኽቡ ምእመናንን፣ ነቶም ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ሰባትን ብጸሎት ኣቢልና "ትርጕም ፍጻመታት ታሪኽ ምእንቲ ኽንርዳእ"፣ ከምኡውን ናብ መድብ ኣምላኽ ኪመርሓናን ኪድግፈናን ምእንቲ ኽንርኢ ቃል ኣምላኽ ንምስማዕ ድሕሪ ቢሎም፣ በዚ ሓሳባት እዚ 'ልቦም ክምርምሩ' እውን ተማሕጸንዎም።
ብመንጽር ማርያም
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ከም ዝገለጽዎ፣ ድንግል ማርያም "ነቲ ኣምላኽ ዝብሎ" ንምስማዕ ልባ ዝከፈተት ኣማኒ ኮይና ኣብነት እያ። ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ማሕጸን ክትቅበሎ ኸላ ኣብነት ተኣዛዝነታ ኢዩ ዝንበረ።
ምስጢራት መቝጸርያ ምስ እኖና ድንግል ማርያም ብምስትንታን፣ ኣብ ኢየሱስ "እቲ ኣቦ እተዛረቦ ናይ መወዳእታ ቓል፣ ነቶም ጣዕሳ ልቢ ናብኡ ዝምለሱ ዅሎም ዝህቦም ቃል ሰላም" ክንቅበል ይሕግዘና ኢዩ። ብኻልእ ኣበሃህላ ዋላ እውን ዕሽሽ ክንብሎ ወይ ክንርስዖ ኸለና ወይ መገድና ክንቅይር ከለና እውን ከይተረፈ፣ ኣምላኽ ፈጺሙ ኣይሓድገናን እዩ ። ንሱ ይደልየናን ናብኡ ይመልሰናን እዩ ክብሉ ድማ ኣስተምሃሩ።
ሓንቲ ቓል፣ ሰላም!
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም፣ "ሰላም ኣብ ቤተ ሙከራ ኺፍተን ዘለዎ ክልሰ-ሓሳብ ወይ ናይ ገርህነት ሕልሚ ወይ ከኣ ንጥቕሚ ርእስኻ ተበጊስካ እትስዕቦ ጕዳይ ኣይኰነን" ብምባል እውን ኣጕልሑ። ኣብ ክንዳኡስ፣ ብቕንዕና ልቢ ኽንጽበዮ ዘሎና ሓቂ ኢዩ። እዚ መዓልታዊ ተጸምዶና እዩ። ሰላም ካብ ፍትሕን ፍቕርን እዩ ዚመጽእ። ስድራ ቤታትን ሰባትን ማሕበረሰብን ሃገራትን ዜራኽብ ድማ ስኒት እዩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ወሲኾም ከም ዝገለጽዎ፣ ኣብ ማእከል እዚ ሕጂ ዘሎ ዓለምለኻዊ ዅነታት፣ ማለት ዓመጽን ውግእን ግጭትን እውን ከይተረፈ፣ "ሰላም ኪርከብ ዚከኣል፣ ንኣውያት እቶም ሰላም እተነፍጎም ሰባት፣ ማለት ንንጹሃት ቈልዑን እተጨነቑ ኣዴታትን ኣቦታትን፣ እተገፍዑ እሱራትን ስደተኛታትን፣ ኣብ ኵሉ ኽሊ ዕድመ ዚርከቡ ሰባትን ክንሰምዕ ምስ እንመርጽ ኢዩ ሰላም ኪርከብ ዝከኣል" በሉ።
ኵሎም እዞም ሰባት እዚኣቶም፣ "ኣብ ከናፍሮም ሰላም" ዚብል ሓንቲ ቓል ጥራይ እያ ዘላቶም።
ሰላም ኩሉ ግዜ ክርከብ ዝከኣል ውህበት ኣምላኽ ስለ ዝኾነ ድማ እዩ። ሰላም ኢየሱስ ገጽ ኣለዎ፣ ንሱ ድማ እቲ ገጽ ጉይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ኢዩ። ንመካበብያ ጽልኢ ዝሰባብርን ንትዕቢት ብትሕትና ዝስዕሮን ኢየሱስ ጥራይ እዩ። ንዂሉ ፍጥረት ድማ ካብ ኃጢአት የድሕኖ።
ነቲ ብሰብኣዊ ዓቕሚ ዘይከኣል፣ ከም ዝከኣል ንግበር
ጉይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምሳና ካብ ኮነ፣ ከም ሓቀይና ደቀ መዛሙርቱ መጠን፣ ብፍቕሩ ምስ እንነብር፣ መንፈስ ቅዱስ ነቲ ብሰብኣዊ መገዲ ዘይከኣል ዝመስል ነገር ክዉን ክገብሮ ይኽእል እዩ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ ካብ ኣምላኽ ምስ እንርሕቕ፣ ካብ ካልኦት ንርሕቕ፣ ብዛዕባ ቓልሶምን ስቓዮምን ድማ ተገዳስነት ኣይንህብን ኢና።
"ናብ ጐይታ ክንምለስ ከሎና ግና፣ ሰላሙ ከከም ሓላፍነትን ዕዮን ነፍሲ ወከፍ ሰብ ተሓታትነትና ይኸውን" ብምባል ቅዱስ ኣቦና ንኹሎም ኣባኡ እተረኽቡ ኣዘኻኸርዎም። እዚ ማለት ጸሎትና ካብ ጸሎት ንላዕሊ ኮይኑ፣ ተልእኾናን ትንቢትናን ኢዩ ዝኸውን።
ኣውያት ንጹሃት ሰባት ድሕሪ ደጊም፣ ኣብ ከተማታት ኪስማዕ የብሉን። ዋላ ሓደ ሰብ ብምኽንያት ቦምባታት ካብ ገዝኡ ክወጽእ ክግደድ ውን የብሉን። ጽምኢ ስልጣንን፣ ናይ "ዓመጻ ቃላትን" ደው ይበል፣ ንፍትሕን ሓቅን ቦታ ክኸፍተሉ ኣለዎ ድማ በሉ።
ሰላም ንምምጻእ ኵሉ ሰብ እጃሙ ክገብር ይኽእል ኢዩ፣ ክገብሮ ድማ ኣለዎ፣ ክብሉ ድም ተማሕጺኖም። "ኣብ መዓልታዊ ሂወትን፣ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታትን፣ ካብ ኵሉ ዓይነት ኣፍኣዊ ወይ ኣካላዊ ዓመጽ ብምርሓቕ" ብንኣሽቱ ግን ከኣ ኣገዳሲ ነገራት ክንጅምር ኣሎና።
ናይ ሓቂ ሰላም ብዘፍቅር ልቢ እዩ ዚጅምር፣ ሰባት ናይ ዕርቂ ቓላት ኪዛረቡ ኸለዉ፣ ንዓለም ከኣ ብለውሃትን ብጥበብን ክንርእያ ኸለና ድማ እዩ። "እዚ ናይ ሓቂ ብርታዐ፣ ብርታዐ ሓቅን ፍቕርን እዩ።
ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፣ ኣምላኽ ገበርቲ ሰላም ይደሊ ኸም ዘሎ ኣጕልሑ። ከም ቅድስት ድንግል ማርያም "ብቓል ጥራይ ዘይኰነስ ብግብሪ እውን በብመዓልቱ 'እነኹ' ኢልና ኽንምልሰሉ ትሓግዘና" ክብሉ ድማ ኣማላድነታ ተማሕጸኑ።
ዓለምለኻዊ ጸሎት ማርያም
ብመሰረት እቲ ብዛዕባ ጉዳያት ስብከተ ወንጌል ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 200 ኣብያተ መቕደስ እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም፣ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ዝዓረገ ጸሎተ መቝጸርያ ከም ዝሓበሩ ኣረጋጊጹ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቤተ መቕደስ ልዕሊ 100 000 ዚዀኑ ሰባት ተኣኪቦም ከም ዝነበሩን፣ ካብ ሊባኖስ ኒከራግዋ ዩክረይን ታንዛንያ ከምኡውን ሶርያ ዝመጹ ሰባት ከኣ ንዓሰርተታት ዓመታት በዚ ሓሳብ እዚ ይጽልዩን ጥቕስታት ቃል ወንጌል የንብቡን ይለዋወጡን ከም ዘለው ውን ኣመልኪቱ።
