ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፦ ካቶሊካውያን መንበረ ጥበባት ንተመሃሮ ናብ ክርስቶስ ኪመርሖም ኣለዎ
ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን
"ካቶሊካዊ ትምህርቲ ንተመሃሮ ሓቀይና ስምዒት ናይ ሓቂ እንተ ዘይኣስሪጽሎም — ኣእምሮኣዊ ሓቂ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ብርእሱ ሓቂ ዝኾነ ክርስቶስ እንተ ዘይኣስሪጽሎም (ዮሓ 14፡6) — ደቂ ሰባት ንሓቂ ክፈልጥዋን፡ ብኡ መሰረት ድማ ንሕይወቶም ከመዓራርዩ ጻዕርታት ኪገብሩ ፍቓደኛታት ኪዀኑ ክንጽበ የብልናን።"
እዚ ቃል እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን 14፡ ረቡዕ ንጉሆ ኣብ ቫቲካን፡ ነቶም ንናይ 2026 ሰሚናር ምኽንያት ብምግባር ኣብ ሮማ ዝተረኽቡ ወከልቲ ማሕበር ካቶሊካውያን ኮሌጃትን መንበረ ጥበባትን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝሃብዎ ኢዩ።
ቅዱስ ኣቦና ቀጺሎም "ካቶሊካውያን ተቕዋማት፡ እቲ ክርስትያናዊ ራእይ ኣብ ኵሉ ዓውደ-ትምህርትታትን ርክባትን፡ ዝሰርጸሉ ሕያው ከባቢ ክኾና ዝተጸውዓ ኢየን" ክብሉ ገሊጾም።
ንኣቦ መንበራትን ሓለፍትን እተን መንበረ ጥበባት ድማ፡ "ከም ናይ ሓቂ ደቀ-መዛሙርቲ ክርስቶስ ዘለኩም ቅኑዕነት፡ ነቲ ሕያው ወንጌል ብዝግባእ ንከተመሓላልፉ ብርግጽ ክሕግዘኩም ኢዩ፤ እዚ ድማ እቶም ንዓኹም ብሕድሪ ዝተዋህቡ ተምሃሮ ምስ ጎይታ ብሓቂ ክራኸቡን፡ ኣብ ካቶሊካዊ እምነት ከኣ፡ ነቲ ሓቂ ጥራይ ከምጽኦ ዝኽእል ሓባራዊ ራእይ ከለልይዎን ክኽእሉ ኢዮም” ክብሉ ኣተባቢዖም።
ድሩት ኣረኣእያ ዘለዎም ክኢላታት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ልቦም "በቲ ብእግዚአብሔር ኣምላኽ ዝተፈጥረን፡ ብክርስቶስ ዝተበጀወን ጽባቐ ሓቅን፡ ግርማ ሰብኣውነትን ዝያዳ ክማረኽ" ዘለዎም ትምኒት ገሊጾም።
ቀጺሎም፡ ኣብዚ እዋን ሰብ-ሰርሖ ኣስተውዕሎ፡ ንሰብኣዊ መንነት ንምዕቃብ ዝጸሓፍዋ፡ ብዕለት 25 ግንቦት ዝተሓትመት “ግሩም ሰብኣውነት” (Magnifica humanitas) ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም መሰረት ብምግባር፡ ኣብዚ እዋናዊ ዓለም፡ ካቶሊካዊ ትምህርቲ ወሳኒ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ናብ መምህራን መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።
ቀዳማይ ነገር፡ ትምህርቲ ዓለም፡ ኣብዚ እዋን እዚ ንዝተፈላለዩ ክፍልታት ፍልጠት ናይ ምርሕሓቕ ጸገም የጋጥሞ ከምዘሎ ተዓዚቦም። ኣብ ሓደ ፍሉይ ዓውደ-ፍልጠት ክኢላታት ዝኾኑ ሰባት ምርካብ ቀሊል እኳ እንተኾነ፡ ብዙሓት ካብዞም ውልቀሰባት ግን "ኣብ ሕይወቶም ኣንፈት ንምርካብ ዝቃለሱ ኢዮም፤ ከምኡ እውን "ነቶም ዝተፈላለዩ ዓውድታት ፍልጠት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ነቲ ብዙሕ መዳያት ሕይወትን፡ ናይ ውሽጢ ባህጊ ልቢ ሰብን ዘተኣሳስር ኣድማሳዊ ራእይ ይጎድሎም ኢዩ" ክብሉ ገሊጾም።
በዚ መዳይ እዚ ድማ ካቶሊካዊ ትምህርቲ ፍሉይ ዝኾነ ግደ ክጻወት ከም ዝኽእል ኣትሪሮም ኣስሚሮምሉ።
ንተመሃሮ ነቲ ሓቂ ዝኾነ ኢየሱስ ከርቅርዎ ሓግዝዎም
ቅዱስ ኣቦና፡ መንእሰያት ኣወዳትን ኣዋልድን ናብ ኮሌጃትን መንበረ ጥበባትን ዝኸዱ፡ ፍሉይ ዲግሪ ንምርካብን፡ መብዛሕትኡ ጊዜ ድማ፡ ብናይ መጻኢ ናይ ስራሕ ዕድላት ተደፋፊኦም ምዃኑ ብምግንዛብ፡ መምህራን ነቲ "ተምሃሮ ሓቂ ክደልዩን፡ ከፍቅሩን፡ ብዛዕባ ትርጉም ሕይወት ከስተንትኑን፡ ከምኡ እውን ንኽብሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ከለልዩ ንምምራሕ ዘለዎም ክቡር ዕማም" ተረዲኦም ክዓዩ ኣተባቢዖም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "እዚ ቀሊል ስራሕ" ከም ዘይኮነ ብምእማን፡ ኣብ ትምህርታዊ መዳይን፡ ኣብ ዕለታዊ ሕይወቶምን፡ ተምሃሮ ንክርስቶስ ክረኽብዎ ምሕጋዝ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሮምሉ።
'ጥዑይ ሰረተ-እምነት' ንሕይወቶምን ንመጻኢ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን ኣገዳሲ ኢዩ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ እቲ ናይ ቀረባ እዋን ተክኖሎጂካዊ ዕቤት፡ ኣብ ትምህርቲ ዓለም ብዙሕ ብድሆታት የምጽእ ከምዘሎ እውን ገሊጾም። "እቲ ሰፊሕ ዝርገሐ ሰብ-ዝሰርሖ ኣስተውዕሎ፡ ንስራሕ ተምሃሮ ንምግምጋም እናጸገመ ይመጽእ ኣሎ፤ እዚ ድማ መምህራን፡ ነቶም ኣብ ትሕቲኦም ዘለዉ ተምሃሮ ዘድሊ ምሉእ ሰብኣዊ ቅርጺ ንምርግጋጽ፡ ንኣገባብ ስርሖም ብፈጠራዊ መገዲ ክቕይርዎ ይሓቶም ኣሎ፤ እዚ ከኣ ንመምህራን ተወሳኺ ጻዕሪ ዝሓትት ኢዩ" ክብሉ ገሊጾም። በዚ መሰረት ድማ፡ ንመጻኢ ወለዶታት ኣብ ዝወሃብ ትምህርቲ፡ ብልግሲ ክንወፍር ድሉዋት ክንከውን ከምዘለና ኣገንዚቦም።
"መንእሰያት ኣወዳትን ኣዋልድን ምስ ሓደስቲ ተክኖሎጂታት ብኣወንታዊ መገዲ ክተኣሳሰሩ ክመሃሩ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ፤ ብተወሳኺ ግን፡ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ብልሓትን፡ ናይ ምስትውዓል ክእለትን፡ ብዓሚቝ መገዲ ናይ ምሕሳብን ፍልጠት ዓቕምን፡ ንፍልጠት ኣብ ኣእምሮ ናይ ምዕቃብ ክእለቶምን ብሓቂ ከማዕብልዎ ይግባእ፤ እዚ ድማ ነቲ ዝመጽእ ዓለም ብሓላፍነት ክሃንጽዎ የሰናድውም" ክብሉ ገሊጾም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ኣብ መወዳእታ፡ እቶም መምህራን ነቲ ናይ ቤተ-ክርስትያን ናይ ወንጌል ተልእኾ ብዝግባእ ክፍጽሙ ሠናይ ምንዮቶም ብምግላጽ፡ "ተምሃሮ ኣብ ትካላትኩም ወትሩ ነቲ ንቤተ-ክርስትያን እተዋህበ 'ጥዑይ ትምህርቲ' ክረኽቡ ተስፋ እገብር፤ እዚ ድማ ንሕይወቶም ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንመጻኢ እታ ሃገር እውን ከም ናይ ሓቂ ዘላቒ መሰረት ኮይኑ ከገልግል ኢዩ" ብምባል ዛዚሞም።
