ድለ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፦ ኣብዚ ናይ ግርጭት ዓለም ምሕረት ኣምላኽ ንህይወትና ክቕይሮ ይኽእል እዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብቲ ካብ 7 ክሳብ 12 ሰነ ኣብ ሊትዋንያ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ ጉባኤ መለኮታዊ ምሕረት ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ዝምድናታት ብዘበላሹ ወጥሪን ዓመጽን ዝተለለየት ዓለም ደረት ኣልቦ ምሕረት እግዚኣብሔር ዘለዎ ሓይሊ የጒልሑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብዛ ብወጥርን ዓመጽን ዝተለለየት ዓለም ምሕረት ኣምላኽ ደረት ኣልቦን ልብና ናይ ምቕያር ሓይሊ ከም ዘለዎን ክንዝክር የድልየና እንክብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ሰንበት 7 ሰነ ንዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ጉባኤ መለኰታዊ ምሕረት ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ስተብሂሎም፡ “ኣብ መንጎ እቲ ዝምድናታት ዝመርዝን ህይወት ዘዕኑን ዕስለ ዓመጽ፡ ምሕረት እግዚኣብሔር በቲ ዘገርም ናይ ምሕዳስ ሓይሉ ናብ ልብና ክኣቱ ይሓትት - እንክብሉ ኣስሚሮም - “እዚ ከም መንገዲ ፍቕርን ይቕረታን ከም ፍልዩ መለለዪ ገጽ ኣምላኽ ኣባና ዘተገልጸ ምሕረት እዚ እዩ ንህይወትና ክቕይር ዝኽእል” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

6ይ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ጉባኤ ምሕረት ኣብ ከተማ ቪልኒየስ ሊትዋንያ ካብ ዕለት 7 ክሳብ 12 ሰነ ይካየድ ኣሎ። እዚ መደብ እዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰለስተ ዓመት ኣብ ዝተፈላለየ ሃገር ዝካየድ ኮይኑ፡ ብመሰረታዊ ምስክርነትን ኣስተምህሮታትን ባህላዊ ፍጻሜታትን ቅዳሴን ምርኢትን ዘማእከለ እዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብቲ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቶም ነቶም ኣብቲ መደብ ዝሳተፉ ዘለዉ ናይ ቍስጥንጥና ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትርያርክ ብጹዕ ወቅዱስ በርተሎሜዎስን ቀዳማዊ ከምኡ’ውን ንናይ ቪልኒየስ ሊቀ ጳጳሳት ጂንታራስ ግሩሻስ ናይ ሊትዋንያ ርእሰ ብሔር ጊታናስ ናውሰዳ፣ ንኹሎም ተጋባእያን ሰላምታ ኣቕሪቦም፡ እዚ ተበግሶ እዚ ብኸመይ ብቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ “ኣዝዮም ዝምነይዎ” ከምዝነበረ እውን የዘኻኽሩ።

ኣምላኽ ኣብ ምሕረቱ ፈጺሙ ኣይደክምን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም ኣብ “ናይ ሎሚ ዓለም፡ ምስ ብዙሕ ፍርሕን ጭንቀትን፡ ወጥሪን ኲናትን” ከመይ ኢሉ “ኣብ ልቢ ውልቀሰባትን ህዝብታትን ናይ ሰላም ህጹጽ ኣድላይነት እናወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎ” ኣስሚሮም፡ “እግዚኣብሔር ምሕረቱ ከርኢ ኣይደክምን” ብምባል ኣጽኒዖም፡ ፍቕሩ “ንዘልኣለም ይነብር፣ ዓለምና ድማ ክንደይ ኣብ ኩሉ ደረጃ ምሕረት ትጭድር ኣላ! - ቢሎም - እቲ እንኮ ተስፋይ “ኣብ ልዕሊ ዓባይ ምሕረት እግዚኣብሔር እዩ” እንክብል ቅድስ ኣጎስቲኖስ በዓል ሂፖ ዝበሎ ቃል ጠቒሶም፡ ብሓቂ “እግዚኣብሔር ኣብ ነፍሲ ወከፍና ዓብይ ምሕረት ከም ዘለዎ ምስትውዓልና” ምንጪ ሓጐስን ተስፋን እዩ” እንክብሉ ኣጒሊሖም፡ ይኹን እምበር: እቲ “ኣዚና እንምነዮ ሰላም ብዘይ ምሕረት ኪርከብ ከም ዘይክእል” ብኣጽንዖት ኣተሓሳሲቦም፡ “ስለዚ ካብ ስድራና ጀሚርና ዝያዳ ተቐባልን ምሕረት ዝመልኦን ሕብረተሰብ ንምህናጽ ብናይ ገዛእ ርእስና ውልቃዊ ተወፋይነት ኣብቲ ደረት ኣልቦ ምሕረት እግዚኣብሔር ዘሎና እምነት ንጸንበር” እንክብሉ ተማሕጺኖም፡ እቶም ኣብቲ ሓዋርያዊ ጉባኤ መለኮታዊ ምሕረት ዝሳተፉ ዘለዉ ኵሎም ካብዚ ዓለም ሓቆፍ ኣኼባ ዝእከብዎ ተመኲሮ ኩሉ ናብ ማሕበረሰቦም ክመልስዎ ብምትብባዕ ሓዋርያዊ በራኬ ኣቕሪቦም ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእክቲ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

08 Jun 2026, 15:27