ድለ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ 'ናይ እግዚኣብሔር ፍቕሪ ጥራይ እዩ ሓቀይናን ፍጹምን ሓጎስ ክህበና ዝኽእል'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብ መበል 50 ናይ ሓጋይ ጉባኤ መንእሰያት ስቱበንቪል ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፡ ንበዳሂ ኩነታት ብፍሽኽታ ናይ ምኽኣል ‘ምስጢር’ ብምክፋል፡ ንኹሎም ተዝተሳተፉ ድማ ‘እግዚኣብሄር ከም ፍቑራት ደቁ ይሓልየና ዝብል ዓሚቝ እምነት እንተሃልዩና፡ ኣብ ከቢድ ኩነታት’ውን ከይተረፈ ኣይንህውኽን ወይ ተስፋ ኣይንቖርጽን ኢና’ እንክብሉ የረጋግጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና “ናይ ሓቂን ፍጹምን ሓጐስ ኪህበና ዝኽእል ፍቕሪ ኣምላኽ ጥራይ እዩ” እንክብሉ ኣብ መበል 50 ዓመት ዝኽሪ እቲ ኣብ ግዝኣት ኦሃዮ ኣብ ዝርከብ ፍራንሲስካዊ መንበረ ጥበብ ስቱበንቪል ኣብ ዝተኻየደ ዓመታዊ ኣኼባ ንሳተፉ ዘለዎ መንእሰያት ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐር ርእየት መልእኽቲ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

እግዚኣብሄር ውሽጣዊ ሰላም ይህበና

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንዅሎም ተሳተፍቲ መበል ሓምሳ ዓመት ዝኽሪ እዚ ኣኼባታት እዚ ንምዝካር ኣብ እተፈላለየ ቦታታት ኣብ እተገብረ ናይ ስቱበንቪል ናይ ክረምቲ ዋዕላ መንእሰያት ኣብ ሳተፍሉዋ እዋን ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቶም ሰላምታ ብምቕራብ ኣበጊሶም፡ ኣብዚ ዓመት እዚ መበል ሸሞንተ ሚእቲ ዓመት ዝኽሪ ዕረፍቲ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ምዃኑ እውን ኣዘኻኺሮም፡ እቲ ኣኼባ ብፍራንቸስካዊ መንበረ ጥበብ ስቱበንቪል እተወደበ ምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታው ቅዱስነቶም ብዛዕባ እቲ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ሎሚ ንመንእሰያት ክህቦም ዝኽእል መልእኽቲ ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ ናይ ሓቂ ሰላምን ፍጹም ሓጐስን ምስትንታን ግቡእ ኰይኑ ከም ዝስምዖምን ሓደ ሰብ ኣብ መበል 13 ክፍለ ዘመን ኣብ ጐደናታት ኣሲዚ ምስ ቅዱስ ፍራንሲስ እንተ ዚራኸብ ነይሩ ንሰባት ብህድኣትን ብፍቕርን ፍሽኽታ እናጠመተ "ሰላም ወሰናይ - Pace e bene" ምበሎ ነይሩ - ቢሎም - ነቶም መንእሰያት 'ነቶም ምሳይ ዚራኸቡ ሰባት ናይ ሓቂ ሰላም እደሊ ድየ? ዝብል ሕቶ ንገዛእ ርእሶም ከቕርቡ ድማ ዓዲሞም፡ እዚ ኩሉ ግዜ ቀሊል ኣይኮነን ክብሉ ከም ዝኽእሉ ኣፍልጦ ብምሃብ፡ ስለዚ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ሰላም ክዘርእ ዝኸኣለ ብሓይሉ ዘይኰነስ ምንጪ ናይ ሓቂ ሰላም ኣብ ውሽጡ ስለ ዝነበሮ ምዃኑ ክዝክር ከም እተማሕጸኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

መሳርሒ ሰላሙ ክኾኑ ዝተጸውዑ

ሰላም ሓደ ሰብ ንጐይታ ናብ ልቡ ምስ ዚዕድሞ ካብ ኣምላኽ ዚወሃብ ውህበት እዩ። ስለዚ ኣመንቲ መሳርሒ ሰላሙ ኪዀኑን ናብ ኣባይቲ ስድራ ማሕበረሰባትን ኣህዛብን መላእ ዓለምን ኬስፍሕዎ ይጽውዑ፡ ንመንእሰያት ኣብቲ ዓውደ ርክብ ነቲ ንደቀ መዛሙርቱ እተመባጽዖ ሰላመ ክርስቶስ ምእንቲ ኺረኽቡ ናይ ጽሞና እዋን ክህልዎም (ዮሃ 14 27) ብምዝኽካር - ኣብ ኣዝዩ ጽንኩር ኵነታት ብሓቂ ሓጐስ ኪህልወካ ተኻላኢ ድዩ ዝብል ሕቶ ነቶም መንእሰያት ብምቕራብ፡ "ህይወትና ኣብቲ ኸም ፈቃር ኣቦ መጠን ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ እተመስረተ እንተ ዀይኑ ጥራይ እዩ ክኡል ዝኸውን" እንክብሉ ናይቲ ዘቕረብዎ ሕቶ መልሲ የረጋግጹ።

ዕግበት ብደጋውነት ኣይትድለ

እቲ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዝገለጾ ሓጐስ "ብእደ ጥበባዊ መጋበርያታት ኣብ ቅድሚ ስክሪን ብዙሕ ሰዓታት ምሕላፍ ወይ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት በብመዓልቱ መወዳእታ ዘይብሉ ጽግዕተይና ኣብ ምዃን ክርከብ ኣይከኣልን" . . . ከምዚ ዝኣመሰለ ንጥፈታት መብዛሕትኡ ግዜ ንጸሎት ናይ ሓቂ ዕርክነት ናብራ ስድራቤት እምነት ንምምስራት ንመጽናዕቲ ወይ ንስፖርት ክውዕል ዝኽእል ክቡር ግዜ ዝምንዝዕ ምዃኑ ኣጠንቂቖም፡ ብተወሳኺውን ሓጐስ "ዕጸ ፋርስ ካብ ምጥቓም ኣልኮላዊ መስተ ብምውሳድ ብምንዝርና ብደጋዊ ርክባት ብስእሊ ወይ ብዝዀነ ይኹን ጐዳኢ ጠባይ ኪድለ የብሉን" . . . ኣብ መውዳእታዉ ኣብ ከም ሃብቲ ጽባቐ ዝና ወይ ጥዕና ዝኣመሰለ ስጋዊ ጥሪት ኪርከብ ዘይከኣል እውን ምዃኑ የብርሁ።

ብዘይ ቅድመ ኩነት ዘፍቅረና

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍቕሪ ኣምላኽ ጥራይ እያ ንልቢ ሰብ ብሓቀይና ሓጐስ ክመልኦ ዝኽእል . . . ኣምላኽ ከም ፍቑራት ደቁ መጠን ከም ዚሓልየልና ዓሚቝ ምትእምማን እንተ ኣልዩና ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታት እውን ከይተረፈ ኣይክንጭነቕን ተስፋ ኣይክንቆርጽን ኢና . . . ብዙሓት ካባኻትኩም ካብ ቍልዕነትኩም ኣትሒዝኩም ኣምላኽ ከም ዜፍቅረኩም ኣስተውዒልኩም ኢኹም። ብሓቂዶ ትኣሙ ዶ? ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣምላኽ ክቡራት ኢኹም (ኢሳ 43 4)፡ ብዘይ ቅድመ ዅነት ብኣኡ እተፈቐርኩም ኢኹም!” ነዚ ሓቂ እዚ ብሓቂ ኣሜን ክብሉ ከም ዘተባብዑ ዜና ቫቲክን ይሕብር።

ንኽትልወጥ ኣብ ሓይሉ ተኣማመን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 "ኣዘውቲርኩም ብጸሎትን ምስጢራት ብምቕባልን ምስኡ ትውክልቲ ዝመልኦ ርክብ እንተ ኣማዕቢልኩም፣ ንርእስኹም ከኣ ኣብ ኢዱ ኣሕሊፍኩም ብምሃብ ጸጋኡ ምስ መልኣኩም ፍቕሩ ድማ ንልብኹም ምስ ዘንድዶ ጭንቀትን ጓህን ጽምዋን ኪጠፍእ እዩ። እዚ ድማ ንበዳሂ ዅነታት ብፍሽኽታ ንኽትገጥሙ ዝኽእል "ምስጢር" እዩ። መንእሰያት ነዚ ሓቂ እዚ ልቦም ኪኸፍቱ ንኣምላኽ ኪኸፍቱን ኣብ ሓይሉ ክውከሉን ድማ ተማሕጺኖም፡ "ኣብ ክንዲ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓብዪ ፍቕርን ከምዚ ዝኣመሰለ ለጋስ ውህበትን እንታይ ክንህቦ ንኽእል?" . . . "ብጀካ ገዛእ ርእስና ካልእ የለን!" እንክብሉ ድማ የረጋግጹ።

መደብ ጎይታ ሓንጎፋይ ቢልካ ምቕባል

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ተሳተፍቲ መንእሰያት ጐይታ ነቶም ዘይፈልጥዎ ሰባት ቃል ዘብጽሑ ልኡካን ከም ዘድልዮ ብምግላጽ ቅዱሳት ሰብኡትን ኣንስትን ምእመናን ካቶሊክ ኣባይቲ ስድራን ካህናት ከም መንፈሳውያን ኣቦታትን ኣገልገልቲ ቅዱስ ቍርባንን ከምኡውን ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወትን ናይ ሓቂ ሓጐስ መንግስቱ መሰኻኽር ክዀኑ ይጽውዖም . . . "ጐይታ ኣብ ሓንቲ ካብቲ ጸዋዕታታት ይዕድመኩም ከም ዘሎ እንተ ተሰሚዕኩም ብፍርሂ ኣይትርሓቑ፡ እምበኣር ሓደ ስጕምቲ ንቕድሚት ወሲድኩም ንጐይታ 'እነኹ ለኣኸኒ' በልዎ እምበር ብፍርሂ ገዛእ ርእስኹም ኣይትዕጸዉ ወይ ኣይትመለሱ (ኢሳይያስ 6.8)።

ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ብዛዕባ እዚ ምስ ሓደ ሰብ ብፍላይ ድማ ምስ እትኣምኖ ዓርኪ ወይ ካህን ወይ ኣባል ሰብ ውፉህ ህይወት ድንግል ክትዘራረቡሉ ኣይትፍርሁ እንክብሉ ኣተባቢዖም፡ ንተሳተፍቲ መንእሰያት ኩሎም ፍረ ዘለዎ ጉባኤ ተመንዮም፡ ኣብዘን መዓልታት እዚኣተን ብፍቕሪ ክርስቶስ ክምልኡን ካልኦት ሕይወቶም ምሉእ ብምሉእ ንጎይታ ከወፍዩ ዝደልዩ መንእሰያት ክራኸቡን ከምኡ ብምግባሮም ድማ ሓቀይና ሓጎስ ክረኽቡ ጸልዩ” እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

20 Jun 2026, 16:12