ር. ሊ. ጳ. ኣብ ባርሴሎና፦ "ንመወዳእታ ዘይብሉ ህይወት ኢና ተፈጢርና"
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ትማሊ ሰሉስ ምሸት ዕለት 09 ሰነብ ኣብቲ ኣብ ከተማ ባርሴሎና ዝርከብ ሉዊስ ካምፓኒ ኦሎምፒክ ዝተሰምየ ናይ ስፖርት ሜዳ ምስ መንእሰያት ኣብ እተገብረ ናይ ጸሎት ሥነ-ስርዓት ተሳቲፎም፣ ብዛዕባ ተሓድሶ ኣእምሮኣዊ ጥዕናን ስቓይን ዓመጽን ይቕሬታን ዝገልጽ እቶም መንእሰያት ንዘቕረብዎ ሰለስተ ምስክርነታት ድማ ምላሽ ሃቡሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ምስጢረ ጥምቀት ንእተቐበለ መንእሰይ ፌራን፣ ኣሳልጦን ተፈላጥነትን እናሃለወ ኽነሱ፣ ብዛዕባ ዘሕለፎ ባዶነት ንዝሃቦ ምስክርነት ጠቂሶም፣ ከምዚ ዝኣመሰለ ህውከት ክንፈርሆ ዘይግባእ ደኣ እምበር ክቕበሎ ከም ዘሎና ገለጹ።
"ንሕና ንመወዳእታ ዘይብሉ ሕይወት ኢና ተፈጢርና" ድማ በሉ። "ስለዚ ኸኣ እዩ ነፍሲ ወከፍ ውሱን ኣድማስ፣ ነፍሲ ወከፍ ስጕምትታት፣ ነፍሲ ወከፍ ዓወት፣ - እናሃለወ ኽነሱ - ንቕድሚት ዝደፍኣናን ምንዳይ ክንቅጽል ዚዕድመናን እዚ ኢዩ" ክብሉ መስከሩሎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም፣ ነቲ "ኣምልኾ ጣኦት መኽሰብን ስራሕን" ከምኡውን "ርእሰ-ኣምልኾ" ክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ኣመልኪቶም እውን ኣጠንቀቑ፣ "ንሕልናና ንምድንዛዝን፣ ንእተወሰነ ኣረኣእያ ሕብረተሰብ ንምቕራጽን፣ ተባሂሉ እተዳለወ መደንዘዚ ኢዩ" ክብሉ እውን ጸውዕዎ።
ኣብ ክንዳኡስ ንመንእሰያት ወትሩ ንኣቓልቦኦም ዝሰርቕ ባህሊ፣ ብስቕታን ውሽጣዊ ጽሞናን ብምምዕባል ከሸንፍዎ ኣተባብዕዎም።
"ንውሽጥኹም ረኣዩ" ክብሉ እውን ተማሕጸንዎም። "ብፍጥነት ህይወትን፣ ደጋዊ ፈተናታትን ኣይትለዋወጡ። ስቕታ ኣማዕብሉ፣ ምናልባት ኣብ መዓልቲ ንሒደት ደቓይቕ ሓንሳእ ወንጌል ንምንባብን ምስ ኣምላኽ ንምዝርራብን ግዜ ይሃሉኹም" ክብሉ ድማ ተላበውዎም።
ንኣምላኽ ኣብቲ ጸልማት ምድላይ
እቲ ኻልኣይ ምስክርነት ካብ ካርሚና ዝስማ ዝተዋህበ ኮይኑ፣ ብዛዕባ እቲ ምስ ጭንቀትን ኣብ ዝሓለፈ እዋን ምስ ፈተነ ርእሰ ቕትለት ዝገበረቶ ቓልስን ብግህዶ መስከረት። ፍጹም ጸልማት ኣብ ዝመስለሉ እዋን፣ ኣምላኽ ኣበይ ከም ዝርከብ ክትሓትት ከላ ድማ፣ ነቲ ንሳ "ካልኣይ ዕድል" ክትብል ንዝጸውዓቶ ነገር ከም ዝረኸበት እውን ገለጸት።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ስለቲ ዘርኣየቶ ትብዓት ኣመስተን፣ ኣእምሮኣዊ ጥዕና ኣብቶም ዝማዕበሉ ሕበረ-ሰባት እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎ ገለጹ። "እዚ ንሰባትን ንጥዑይ ሚዛኖምን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ጸቕጥታትን ትጽቢታትን፣ ንውጥረትን ዘቃልዕ ናይ ምዕባለ ኣተሓሳስባ፣ ዓሚቝ ጌጋ ከም ዘሎ ዝሕብር ምልክት ኢዩ" ድማ በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ ሕማማት ክርስቶስ ብምስትንታን፣ ብዛዕባ እቲ ጐይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሕለፎ ስቓይን ክሕደት ደቂ ሰባትን መከራን ጠቒሶም። "ወዲ ኣምላኽ ንዅሉ ጭንቀትን ጽምዋን መከራን ደቂ ሰባት ኣብ ስጋኡ፣ ማለት ኣብ ገዛእ ርእሱ ተቐበሎ" ክብሉ እውን መስከሩ። "ኣብቲ ጸልማት ሰዓታት፣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ኪመውት እንከሎ፣ ንስቓይና ተኻፊሉ፣ ገጽ ናይቲ ርሕሩሕ ኣምላኽ ገለጸለጸልና።"
ቅዱስነቶም ወሲኾም፣ ኣብ ስቓይ ኣምላኽ ከም ዘየለ ክመስል ከም ዝኽእል ኣፍልጦ እኳ እንተ ሃቡሉ፣ መስቀል ግን እተፈልየ ዛንታ ክነግረና ከም ዝኽእል ኣትሪሮም ተዛረቡ። "መስቀል ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ኣምላኽ ከም ዘይሓድገናን ኣብ እዋን ስቓይን ጽምዋን ምሳና ከም እተሰቕለን፣ ኣብ ጐድንና ኸም ዘሎን ኢዩ ዝነግረና" ክብሉ መዓድዎም።
እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ፣ ንክርስትያን ምእመናን ብዛዕባ መከራ ሓደ ተራ ዝኾነ መግለጺ ከይህቡ ኣጠንቀቑ። "ንቓንዛ ደቂ ሰባባ ላዕሊ ላዕሊ ጥራይ ብምርኣይ፣ ናብ 'ፍቓድ ኣምላኽ' ወይ ምስ ገለ ምስጢራዊ ውጥን ብምትሕሓዝ፣ መንፈሳዊ ክንገብሮ የብልናን" በሉ። ኣላኽ ንመከራና ኣይደልዮን ኢዩ፣እኳ ደአ ንመከራና ምሳና ኾይኑ ኢዩ ዝካፈሎ።"
ይቕሬታ ከም ሓደ ጉዕዞ
እቲ ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ምስክርነት ካብ ሓንቲ ሰሲልያ ዝስማ መንእሰይ ዝተዋህበ ኰይኑ፣ ንዝወረዳ ዘቤታዊ ዓመጽን ወልፍን፣ ካብ ስድራ ቤታ ምፍላያን ዝመልአ ቍልዕነታ ኣዘንተወት። በቲ ኣብ ማእከል ካቶሊካዊ ክንክን ዝረኸበቶ ደገፍ ድማ እምነት ምስ ረኸበት፣ ኣቦኣ ንኣዲኣ ኪቐትላ ብምፍታኑ ብኸመይ ይቕረ ኽትብለሉን ምስ ኣምላኽ ብኸመይ ክትዕረቕን ከም እትኽእል እውን ሕቶ ኣቕረበት።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መጀመርታ ብዛዕባ እቲ ንገዛእ ርእሳ "ኣምላኽ ኣበይ ነይሩ?" ኢላ ትሓቶ ዝነበር ሕቶ ጥቒሶም ኣስተንተኑ።
"ነቲ ብሕድሪ ንዓና እተዋህበና ሓላፍነት፣ ተመሊስና ንኣምላኽ ክንህቦ ኣይንኽእልን ኢና" በሉ። "ኣምላኽ ካብ ላዕሊ ብኡንብኡ ዜድልየና ነገራት ብምሃብ ከም ዚምልሰልና፣ ወይ እከይ ንኸይፍጸም ብተኣምራዊ መገዲ ኸም ዝከላኸለልናን ኽንሓስብ ኣይንኽእልን ኢና።" ኣብ ክንዳኡስ ንኵነታት ዓመጽ ሕብረተሰብ ንገዛእ ርእሱ ንኺምርምሮን ክፍውሶን ኸም ዘለዎ ገለጹ።
"ዓመጽ እንተ ኣልዩ ስስዐ እንተ ሰፊኑ፣ ኣብ መንጎ ኣባላት ስድራ ቤት ዘላ ፍቕሪ እውን ናብ ጽልኢ እንተ ተቐዪሩ፣ ንቀላሲ ሓይሊ ሕብረተሰብና ባህሊ ውልቀ-ሰብነትን ፈተናን ዓመጽን ኣብ ሕቶ ከነእትዎ ኣሎና - ንኣምላኽ ግን ኣይኰነን ብዛዕባ እዚ ዝሕተት።"
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ ይቕሬታ ክምለሱ ኸለዉ፣ ከም ሓደ ተግባር ዘይኰነስ ቀስ ብቐስ ዝካየድ መስርሕ ገይሮም ኢዮም ዝገለጽዎ። "ይቕረ ምባል - ውሽጣዊ ቝስልና ዘሕውየልና ሓያል ፈውሲ እከይ ኢዩ - ከም ክፍሊ መስርሕን ጕዕዞ ህይወትን ጌርና ኽንርእዮ ከአ ኣሎና" በሉ።
ነቶም ከቢድ ስቓይ ዝወረዶም ይቕረ ምባል፣ ክሳዕ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ኣፍልጦ ብምሃብ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ኣምላኽ ነቲ ኣብ ልቢ ወድሰብ ዘሎ ዝቘሰለ ቦታታት ኬሕውዮ ብምሕታት ከም ዚጅምር እውን ኣጕልሑ። "ናብ ይቕረታ ክንበጽሕ ብንኣሽቱ ስጕምትታት ንቕድሚት ንጓዓዝ" ክብሉ እውን ተላበው። "ምስ ዝሓለፈ ኩነታትና ዕርቂ ምግባር፣ በብቝሩብ እዩ ዝካየድ" ድማ በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ይቕረ ምባል ማለት ናይ ግድን ነቲ ናይ ቀደም ርክብ ምምላስ ማለት ከም ዘይኰነ እውን ኣነጺሮም ገለጹ፣ ብፍላይ ከኣ ዓመጽ ኣብ ዝተፈጸመሉ እዋን። "ንሰብ ጽቡቕ ዝንባለ ክንሕዝ፣ ንዅሉ ዓይነት ጽልኢ ወይ ሕነ ምፍዳይ ኽንነጽጎ፣ ብእተኻእለና መጠን ነቲ ርክብ ከነዐርዮ ክንጽዕር፣ ምናልባት እውን ምእንታኡ ኽንጽሊ ንኽእል ድማ ኣሎና" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ መደምደምታ መልሶን መደረኦምን፣ ነቶም ዜሳቒ ተዘክሮታት ዘሕለፉ ሰባት፣ ተስፋ ኸይቈርጹ ኣተባብዕዎም፣ ኣምላኽ ቀስ ብቐስ ንቂም ናብ ምሕረትን ርሕራሐን ክቕይሮ ከም ዚኽእል ክተኣማመኑ ድማ ተማሕጸንዎም።
ካብ ለይቲ ናብ ብርሃን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ምስ መንእሰያት ድሕሪ ምዝርራቦም፣ ኣብ ምሳሌ ኒቆዲሞስ ዘተኰረ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ ኣካፈልዎም፣ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ መንጎ ምጥርጣሬታት ህይወት፣ ትርጕምን ሓቅን ፍቕርን ዝደሊ ከም "ናይ ለይቲ ነጋዲ" ምዃኑ ገሊጾም።
"ንሕና ናይ ፍቕሪ ለመንቲ ኢና፣ ብሓቂ ድማ ንጠምዮን ንጸምኦን ኢና" በሉ። "ዝድግፈናን ዜነቓቕሓናን ምስጢር ህይወትና ንኽንርዳእን ዝሕግዘና ዓሚቝ ትርጕም ድማ ንደሊ ኢና።"
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀጺሎም፣ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ህይወትን እምነትን፣ ኣብ ጸልማትን ሕንፍሽፍሽን፣ ጥርጣሬ ከም ዜጋጥሞ ኣስተንተኑ። ይኹን እምበር ነዚ ህሞት እዚ ኸም ምልክት ፍሽለት ጌርና ኣብ ክንዲ እንርእዮ፣ ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ከም ናይ ተሓድሶ ኣጋጣሚ ገይሮም ኪርእይዎ ዓደምዎም።
"ኒቆዲሞስ እዘን ለይቲ እዚኣተን ንህይወትናን፡ ንናይ እምነት ጕዕዞናን፡ እንነብረሉ ዘለና ታሪኽን ዘሰንያ ናይ በረኸትና ለይትን፣ ናይ ዳግም ምውላድና ስፍራን፣ ወትሩ ሓድሽ ህይወት እትወለደሉ ማሕጸንን ምዃነን ይምህረና" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም፣ ጸልማት ነቲ ሰባት ዝኽደንዎ ናይ ገጽ ጭምብል ቐንጢጦም፣ ነቲ ኣድላዪ ዝዀነ ነገር ኪገልጹ ኸም ዘኽእሎም ብምግላጽ፣ ኣምላኽ ለውጢ ኼምጽኣሉ ዝኽእል "ባዶ ቦታ" ኢዩ ክብሉ ብምስትንታን፣ ሓድሽ ነገር ክፈጥር ከም ዚኽእል ኣስተብሃሉ። "እቲ በታ ለይቲ እቲኣ እተፈጥረ 'ባዶ ቦታ'፣ ዋላ እውን መልክዕ ስቓይ ወይ ዕጋበት፣ ተስፋ ምቝራጽ ወይ ዘይምእማን እኳ እንተ ነበረ፣ ሓድሽ ህይወት ንኽትቅበልን ንኽትልወጥን ንምሕዳስን ሓደ ኣጋጣሚ ክኸውን ይኽእል እዩ።"
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም፣ ኣብቲ ጐይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኒቆዲሞስ ዝገበሮ ርክብ፣ ኣብ ወንጌል ተመርኲሶም፣ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ብኵነኔ ዘይኰነስ፣ ንምድሓንን ንምምላስን ባህጊ ኸም ዘለዎ ኣጕልሑ። "በዚ ምኽንያት እዚ ንሕና እውን ን'ለይቲ' ክንፈርሕ ኣይተጸዋዕናን - ንናይ ገዛእ ርእስና ለይቲ ይኹን፣ ናይ ቤተ-ክርስትያን ከምኡ ውን ኣብ ከባቢናን፡ ሕብረተ-ሰብናን ዘሎ ለይቲ ክንፈርዶ የብልናን" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ብምቕጻል፣ ናብ ዘመናዊት እስጳኛ ምልስ ብምባል፣ ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ምእመናን፣ ብዛዕባ እቲ ንሕብረተሰብ ዘጋጥሞ ዘሎ ብድሆታት፣ እንተላይ ድኽነትን ማሕበራዊ ምክፍፋልን፣ ባህላዊ ለውጥን ብቕንዕና ክሓስቡሉ ጻውዒት ኣቕረቡሎም። "እዛ ሃገር እዚኣ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ክብሪ ዝረክበላ፣ ኵሉ ሰብ ከም መንነቱ ዝፍቀረላ፣ ንዅሉ ባህ እተብል ስፍራ ኽትከውን ትኽእል እያ" ድማ በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስተንትኖኦም ኣብ ምዝዛም፣ ንዅሎም እቶም ካብ ርሑቕ ዝመጹ ነጋድያንን መንፈሳውያን በጽሕትን፣ ብርሃን ወንጌል "ካብ ለይቲ ናብ ብርሃን" ክመርሖም ከም ዝኽእል ብምትእምማን፣ ንኣምላኽ ብግሉጽነትን ብምትእምማንን ክደልይዎ ኣተባብዕዎም።
"ኣምላኽ ዝዀነ ይኹን ነገር ኪጠፍእ ኣይደልን እዩ" ክብሉ ድማ ደምደሙ። "ሕጂ እውን እንተ ዀነ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪህበናን መወዳእታ ናብ ዘይብሉ ሓጐስ ኪመርሓናን ይደሊ ኣሎ።"
