ድለ

2026.06.15 Pellegrinaggio della Chiesa di rito Siro-Malankarese in Europa 2026.06.15 Pellegrinaggio della Chiesa di rito Siro-Malankarese in Europa  (@Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ. ንነጋድያን ምእመናን ሲሮ-ማላንካራ፣ ልኡኻት ተስፋ ክዀኑ ኣተባብዕዎም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ነቶም ኣብ ኣውሮጳ ዝነብሩ ካቶሊካውያን ምእመናን ሥርዓት ሲሮ-ማላንካራ፣ ኣብ ባህላውን መንፈሳውን ውርሻታቶም ሱር ክሰድዱን፣ ቤተ-ክርስትያኖም ንጽንብል መበል ሚእቲ ዓመት ኣብ እትዳለወሉ ዘላ እዋን "ልኡኻት ተስፋ" ክዀኑ ኣተባብዕዎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትማሊ ሰኑይ ዕለት 15 ሰነ፣ ነቶም ኣብ ኣውሮጳ ዝነብሩ ዘለዉ ምእመናን ሥርዓት ሲር-ማላንካራ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያንን ካህናትን ሰብ ውፉይ ሕይወትን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ኣካፈልዎም።

ቅዱስነቶም ኣብቲ ዘካፈልዎም ቃለ ምዕዳን፣ መላእ ቤተ-ክርስትያን ሲሮ-ማላንካራ ንመበል ሚእቲ ዓመት ጽንብል ኢዮቤልዩ ንምድላው፣ ንብዙሕ ዓመታት ዝወሰደ መንፈሳዊ ጕዕዞ ሕዳሴ ከም ዝጀመረት እውን ገሊጾም።

ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም፣ ነቲ ብ1932 ዓ.ም. ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፒዮስ መበል 11 እተኣወጀ ሃዋርያዊ ቅዋም “ክርስቶስ ጓሳን መስፍንን” (Christo Pastorum Principi) ዘርእስቱ ብምዝካር፣ ንካህናትን ሰብ ውፉይ ሕይወት ኣውዳትን ኣዋልድን ከምኡ ውን ምእማናን ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሕብረት ንኽገብሩ ዝመርሕዎም ክቡር ማር ኢቫኒዮስን፡ ማር ቴዎፊሎስን ዝሃብዎ ምስክርነት እውን ብምስጋና ዘገሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ መግለጺኦም፣ ንማር ኢቫንዮስ "ሓቀይና ጓሳ ከም ልበ ኢየሱስ" ቢሎም ብምጽዋዕ፣ "ምልክት ሓድነትን ሕብረትን" ከምኡውን ምንጪ ዕርቂ ኣብ ዓለም ንምዃን እተገልግል፣ ሓድነት ዘለዋ ቤተ-ክርስትያን ናይ ምርካብ ባህጊ ከም ዘንጸባረቑ እውን ገሊጾም።

ተልእኾ ወንጌል ብምስክርነት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም፣ ማር ኢቫኒዮስ መንእሰይ ካህን ኣብ ዝነበረሉ እዋን እውን ከይተረፈ፣ ካብ ዶባት ማሕበረሰቦም ወጻኢ ብምጥማት፣ ነቲ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ህንዲ እተተኽለ ተልእኾ ወንጌላዊ ምንቅስቓስ ብስብከት ቅዱስ ቶማስ ሓዋርያ እንደገና ምሕዳሱ ኣድላዪ ምዃኑ ኣፍልጦ ሂቦምሉ ኢዮም ክብሉ ውን መስከሩ። ብተወሳኺውን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዘመልከትዎ፣ ዕዮ ወንጌላዊ ተልእኾ "ብቓላት ጥራይ ዘይኰነስ ሠናይ ህይወትን፣ ሕቀይና ግብረ ሰናይን ኪፍጸም ከም ዘለዎ" ተረዲእዎም ንበረ ክብሉ መስከሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ልዮን መበል 14 ምስ ነጋድያን ካቶሊካውያን ምእመናን ሲሮ-ማላንካራ ቤተክርስቲያን
ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ልዮን መበል 14 ምስ ነጋድያን ካቶሊካውያን ምእመናን ሲሮ-ማላንካራ ቤተክርስቲያን   (@VATICAN MEDIA)

በዚ ምኽንያት እዚ ይብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፣ ቤተ-ክርስትያን ሲሮ-ማላንካራ "ብርሃን ወንጌላዊ ሓይልን፣ ሓዋርያዊ ግብረ ሰናይን ኰይና ኣላ፣" ነቶም ኣብ ወሰን ሕብረተሰብ ዘለዉ እተገለሉ ሰባት ትምህርትን ማሕበራዊ ፍትሕን ምሉእ ሰብኣዊ ምዕባለን እውን ትገብር ኣላ በሉ።

ካብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ብምጥቃስ ድማ፣ ክርስቶስ "ንዅሉ ብሓይሊ ፍቕሩ ናብ ርእሱ ስለ ዝስሕቦ" ወንጌል ልዕሊ ዅሉ ብስሕበት ከም ዚዝርጋሕ ኣዘኻኺሮም።

ንምእመናን ዲያስፖራ ምክንኻን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ብዛዕባ እቲ እዛ ቤተ-ክርስትያን ካብ ህንዲ ወጻኢ እናዓበየት እትኸደሉ ዘላ ህላወ እንክገልጹ፣ መንፈሳውን ሊጡርጊያውን ውርሻ ምብራቓዊት ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን፣ ብፍላይ ከኣ ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ዲያስፖራ ዝርከቡ ምእመናን ምዕቃብ ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕልሑ። ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ፣ ኣብ ትሕቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት በነዲክት መበል 16፣ ንምእመናን ሲሮ-ማላንካራ ዝኸውን ሓዋርያዊ ኤዜርቕና ከም እተመስረተ፣ ጸኒሑ ድማ ኣብ ትሕቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ፍራንቸስኮ ከአ ኣብ ካናዳ ናይ ሓዋርያዊ ጉስነት ኣገልግሎታት ከም ዘስፋሕፍሐ ዘከሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ቀጺሎም፣ ነቶም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዚነብሩ ምእመናን እንግለጹ፣ ብፁዕ ኣቡነ ማር ኦስታቲዮስ ኣብ መላእ ኤውሮጳ ንዚርከቡ ካቶሊካውያን ሲሮ-ማላንካራ ናይ መጀመርታ፣ ምሉእ ሓዋርያዊ በጻሒ ክኾኑ ከም ዝሸምዎም እውን ገለጹ።

ተልእኾ እዞም ጳጳስ፣ ንኩነታት ሓዋርያዊ ጉሥነት ንምግምጋምን፣ "ጽኑዕን ነባርን መሰረታት" ንምቛምን ምሕጋዝን ምዃኑ እውን ገለጹ፣ በዚ ኸምዚ ድማ መጻኢ ወለዶታት፣ "ምስ ፍሉይ ልምድታቶም ብምትሕብባር፣ ምስ ጐይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘለዎም ዕርክነት" ኬደልድሉ ዘኽእሎም ኢዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳስት ልዮን መበል 14 ምስ ነጋድያን ካቶሊካውያን ምእመና ሲሮ-ማላንካራ ቤተክርስቲያን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳስት ልዮን መበል 14 ምስ ነጋድያን ካቶሊካውያን ምእመና ሲሮ-ማላንካራ ቤተክርስቲያን   (@VATICAN MEDIA)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም፣ ላቲናዉያን ጳጳሳት ንምብራቓውያን ካቶሊካውያን ሥርዓቶም ንምዕቃብ ክድግፍዎም ዘኽእሎም መገድታት ንምውሳን ክሕግዙ ከም ዝሕተሩ እውን ኣመልኪቶም።

ክነብርን ክካፈልን ዘለዎ እምነት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ መደምደምታ ቃለ ምዕዳኖም፣ ምእመናን ብዛዕባ "ክቡር መንነት" ቤተ-ክርስትያን ሲሮ-ማላንካራ ዝያዳ ኣፍልጦ ንኽህልዎምን፣ ኣብ ናይ ቤተ-ክርስትያን ሕይወት ብንጥፈት ክሳተፉን ኣተባብዕዎም።

ንዅሎም እቶም ኣባኡ እተረኽቡ ነጋድያን ድማ፣ ነቲ ዝረኸብዎ ውርሻ ኣኽቢሮም እናረኣዩ፣ ምስ ሊቀ ጳጳሳቶምን ሲኖዶስ ጳጳሳቶምን ሓድነት ክህልዎም ተማሕጸንዎም።

ኣብ መወዳእታ ቅዱስ ኣብና፣ ቅዱስ ቶማስ ኣብ ክርስትያናዊ ማሕበረሰብ ድልዱልን ተወፋይነትን ዘለዎ ናብራ ስድራቤት ክምስትርቱ ከም ዝለዎም፣ ስም ብምጥቃስ ኣብ ኣባይቶምን ልቦምን ብፍላይ ከኣ ኣብ መንእሰያት "ድልድል እምነት ከማዕብሉ" ጸልዮም።

16 Jun 2026, 11:02