ር.ሊ.ጳ. "ኣጠማምጣኹም ናብ ላዕሊ ኣብሉ" ብዝብል ጻውዒት ናይ ስጳይና ጉዕዞኦም ይዛዝሙ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ካብ ዕለት 6 – 12 ሰነ ኣብ ስጳይና ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ዑድት ዕለት 12 ስነ ኣብ ወደብ ሳንታ ክሩዝ ደ ተነሪፈ ብዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዝዛዘሙን፡ ቅዱስነቶም ኣብ ፍጻሜ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘስምዕዎ ሓጺር መደረ ንህዝቢ ስጳይና ንዝገበረሎም ኣቀባብላ ኣመስጊኖም "ኣጠማምታኹም ንላዕሊ ክብ ኣብሉ" ዝብል ጻውዒት እውን ከም ዘቕረቡን ነቲ ናብ ማድሪድ፡ ባርቸሎና፡ ሞንትሴራትን ደሴታት ካናሪን ዘብጽሖም ናይ ሽዱሽተ መዓልታት ጉዕዞ እናሓሰቡ፡ "በቲ ዝረኸብክዎ ዓቢ ፍቕሪ ኣዝየ ተተንኪፈ ናብ ሮማ እምለስ - ቢሎም - ንኹሎም እቶም ነቲ ምብጻሕ ንምውዳብ ዝሓገዙን ነቶም ኣብ ዝተፈላለየ ፍጻመታት ዝተሳተፉ ምእመናንን ምስጋናኦም ኣቕሪቦም፡ ነባሪ ካቶሊካዊ መንነት ስጳይና ብምንኣድ፡ ኣብ መላእ ሃገር ብዘጋጠሞም ብዙሕ "ምስክርነት እምነትን ፍቕሪ ቤተክርስትያንን" ከምዝተጸናንዑ ይገልጹ።
ናብ ክርስቶስ ምጥማት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብታ መጸውዕ ስማ "ቅዱስ መስቀል" ዝብል ትርጉማ ዘለዋ ወደባዊት ከተማ ሳንታ ክሩዝ ደ ተነሪፈ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ሓሳባቶም "ናብ መላእ ዓለምን ንመላእ ህዝቢ ክሳቐ ዝገብር ቁስሉን" ኣቕኒዖም፡ ናይቲ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ዑደት "ኣጠማምትኹም ናብ ላዕሊ ክብ ኣብሉ" ዝብል መርሕ ቃል እናሓሰቡ ንኹሎም የዕንቶም ንላዕሊ ክብ ከብሉ ተላብዮም፡ "ኣዒንትና ናብቲ ዝተሰቕለ ክርስቶስ ንምለስ" እንክብሉ ተማሕጺኖም፡ ንልቢ ክርስቶስ "ንደቂ ሰባት በይኑ ከድሕን ዝኽእል ምንጪ ምሕረት" እንክብሉ ከም ዝገለጽዎ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ጻውዒት ሰላም
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም፡ ነቶም ዝሳቐዩ ኣብ ትሕቲ ሓልዮት ድንግል ማርያም ሕድሪ ድሕሪ ምባሎም ሰብኣውነት ኣብ "ሓቀይናን ነባሪን ሰላም" ንምብጻሕ "ይቕሬታን ዕርቅን" የድልዮ - ኣዒንትና ንላዕሊ ነልዕል " እንክብሉ ወሲኾም ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ኣብ ጸሎት ንሕበር
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መደረኦም ኣብ ምዝዛም ንህዝቢ ስጳይና ደጊሞም ብምምስጋን ብእምነት ሓድነት ክጸንዑ ዓዲሞም፡ "ካብ ልበይ አመስግነኩም፡ ብጸሎትን ብሕብረትን ብክርስቶስን ኣብ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንን ሓደ ኣብ ምዃን ድማ ንጽናዕ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
