ር. ሊ. ጳ. ንእስጳኛውያን መንእሰያት፣ "ብልጭታ ሓድሽ ሰብኣውነት ኩኑ" ክብሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ እስጳኛ ኣብ ዘካየድዎ ዘለዉ ሓዋርያዊ ዑደት፣ ኣብ ናይ መጀመርታ መዓልቲ ድሕሪ ቀትሪ ኣብቲ ኣብ ማድሪድ ዝርከብ ፕላዛ ደ ሊማ፣ ናይ መንእሰያት መደብ ጸሎት ዘሠርክ መሪሖም ምስቶም መንእሰያት ተሳሪፎም። ልዕሊ ሽዱሽተ ሚእቲ ሽሕ ዝኾኑ መንእሰያት፣ ኣብቲ ናብ ኣደባባይ ዝወስድ ቀንዲ ጐደናን፣ ኣብ ከባቢኡ ኣብ ዝርከብ ጐደናታትን ተሰሊፎም፣ ኣብቲ መደብ ጸሎት ተሳቲፎም። እዚ ጽምብል እዚ ድማ ተወከልቲ መንእሰያት፣ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ ምስክርነት እምነትን፣ ኣብ ዘመናዊ መዋእል ዘሎ ህይወትን፣ ሕቶታት ኣቕረቡሎም፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ድማ ንነፍሲ ወከፍ ሕቶ ኣባታዊ መልሲ ኣካፈልዎም። ኣብቲ ዘካየድዎ ስግደት ቅዱስ ቍርባንን ናይ ጸሎት ዘሠርክ መደባትን ድማ መዛዘሚ ክፍሊ ናይቲ ፍጻሜ ኢዩ ዝንበረ። ኣብዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘካየድዎ ዘለዉ ሓደ ሰሙን ዝወስድ ናብታ ሃገር ዝገበርዎ ዘለዉ ምብጻሕ፣ ኣዝዩ ብሉጽ ዝዀነ መደብ እዩ ዝነበረ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ሜትሮፖሊታን ሊቀ ጳጳሳት ሰበኻ ማድሪድ ብፁዕ ካርዲናል ሆሴ ኮቦ ካኖ ብዛዕባ እቲ ሎሚ ንመንእሰያት ዘጋጥሞም ዘሎ ብድሆታት ደድሕሪ ዘካፈልዎም ሓሳባት፣ እቶም መንእሰያት ዘቕረቡሎም ሕቶታት እውን ሰምዑ። ቅዱስነቶም ብዛዕባ እቶም ንእምነት ቅዱስ ኣቦና ምስክርነት ዝኾኑ ሰባት ንዝቐረበሎም ሕቶ መልሲ እንክህቡ፣ ነቲ ሓቂ ምስ ምልኣት ብምዝማዱ ብኣድናቖት ዝዝከር ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ጠቒሶም። ቶማስ ብዓል ቪላኑዌቫ ድማ ኣብ ጽንኩር እዋናት ግብረ ሰናይ ከም ዘበርትዖ፣ ንፍትሒ ብምጥባቕን ንህዝቢ ብምግልጋልን ዝፍለጥ ቱሪቢየስ ብዓል ሞግሮቬጆ እውን ጠቒሶም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ካብቲ ኣብ ፔሩ ከም ልኡከ ወንጌል ዀይኖም ዘገልገለሉ ዓመታት ብምጥቃስ፣ ምስቶም ጸገማት ዜጋጥሞም ማሕበረሰባት ምርኻቦም፣ ንእምነቶም ብኸመይ ከም ዘዕምቖን ብወንጌል ኣቢሉ ኸም ዝለወጦምን እውን ዘከሩ።
ካብ መንእሰያት ተሳተፍቲ ንዝቐረበ ሕቶታት መልሲ ብምሃብ ድማ፣ ብጸሎትን ስቕታን ድምጺ ኣምላኽ ኪደልዩ፣ ንሓቂ ውፉያት ኪዀኑ፣ ከምኡውን ምንኩስናዊ ህይወትን ሕይወት ቃል ኪዳንን ሓቀይና ጸዋዕታ ምዃኑ ኣፍልጦ ኺህቡ ኣተባብዕዎም። ሓቀኛ ክርስትያናዊ ምስክርነት ብውልቃዊ ስኒትን ትሕትናን ከም ዝጅምር እውን ኣጕልሑ፣ ንመምህራንን መራሕትን ከኣ፣ ነፍሲ ወከፍ ሰብ መምህር ቅድሚ ምዃኑ ወደ መዝሙር ኰይኑ ክርከብ ከም ዘለዎ ኣዘኻኸርዎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም ድማ፣ ብፍላይ ዘመናዊት ዓለም ብቐጻሊ ጫውጫውታን፡ ረብሓ ዓማዊልን፡ ግላዊ ረብሓን ከም ዘለዋ ኣብ ግምት ብምእታው፣ ስቕታ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣጕልሑ። ስቕታ፣ ደቂ ሰባት ንድምጺ ኣምላኽ ዜለልዩሉን፣ ሓቂ ኻብ ሓሶት ዚፈልዩሉን ከምኡውን ነባሪ ትርጕም ዝረኽቡሉን ቦታ ምዃኑ ገለጹ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዘመናዊ ሕብረተሰብ ብተኣማንነት ብዛዕባ ምንባር እውን ተዛሪቦም እዮም። ነታ ናብ ዲዮግኔተስ እተላእከት ጥንታዊት መልእኽቲ ብምጥቃስ፣ ክርስትያን ምእመናን ኣብ ዘመናዊት ዓለም ምሉእ ብምሉእ ኪሳተፉ ኸም ዘለዎም ገለጹ። እምነት ካብ ስጋዊ ኣሳልጦ፡ ተድላ ወይ ሓይሊ ንላዕሊ ሓቀይና ናጽነትን ተስፋን ከም ዝህብ እውን ገለጹ። ሓቂ ንወትሩ ክጽል እንከሎ፣ ስነ-ሓሳባትን ዝንባለታትን ብኸመይ ከም ዚሓልፉ እውን ኣጕልሑ።
ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፣ ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ መንእሰያት፣ ኣብ ሕብረተሰብ እንተላይ ኣብ ኤለክትሮኒካዊ ዓለም ኣወንታዊ ለውጢ ንኽገብሩ ሓደ ብድሆ ኣቕሪቦም። ስነ-ምግባራዊ ስርዓታትን ጽባቐን ወንጌል ኬመሓላልፉ፣ ምስ ዘይምግዳስን ዓመጽን ሓሶትን ኪቃለሱ፣ ከምኡውን "ብልጭታ ሓድሽ ሰብኣውነት" ኪዀኑ ተማሕጸንዎም። እሙናት ኪዀኑ፣ ፍትሒ ክደልዩ፣ ከምኡውን ንኻልኦት ከምቲ ክሓልዩሎም ዝደልይዎ ንሶም እውን ብወገኖም ንኻልኦት ክሓልዩ ኣተባብዕዎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ናይ መወዳእታ ዘቅረብዎ ጻውዒት ንመንእሰያት፣ ኣብነት ክርስቶስ ብምስዓብ ናይ ሓቂ ሰብኣውያን ክዀኑ ተማሕጸንዎም። ንእምነት ከም እምነት ጥራይ ዘይኰነስ፣ ብግብረ ሰናይ ዝግለጽ ኣነባብራ ገይሮም ክነብርዎ ድማ ተላበውዎም፣ እዚ ድማ ንታሪኽ ክቕይር ዝኽእልን ንዓለም ናብ ዝሓሸ ደረጃ ዘደይባን ሓይሊ ዝህቦምን ውርዝና ከም ምዃኑ ኣመልከቱሎም።
